2012-12-01 14:27:27

ናይ ምጽኣት ስብከት


RealAudioMP3 ካብ ዝቕጽል ዓርቢ ዕለት 7 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. እቲ ብናይ ሓዋርያዊ መንበር ሰባኬ ክቡር ኣባ ራኒየሪ ካንታላሜሳ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.ን ናይ ቀረባ ተሓባበርቶም ዓበይቲ ናይ ሓንትን ቅድስትን ሓዋርያዊትን ሮማዊትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሓዋርያዊ ሰበ ስልጣናትን ብፁዓን ካርዲናላትን ብፁዓን ጳጳሳት ኣብ ዝተረኽብሉ በቢ ዓመቱ ዘቕርብዎ ስብከት ዘመነ ምጽኣት ኣብ ናይ ሓዋርያዊ መንበር ቤተ ጸሎት እመ መድሃኔ ዓለም ንጎሆ ሰዓት ትሽዓት ዝጅመር ምዃኑ ናይ ቅስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ብዛዕባ እቲ ናይ ዘመነ ምጽኣት ስብከት ኣመልኪቶም ናይ ሓዋርያዊ መንበር ሰባኪ ክቡር ኣባ ካንታላሜሳ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፣ “ቤተ ክርስትያን ሰለስተ ዓበይቲ ናይ ጸጋታት ኩነት ትነብር ከምዘላን እዞም ሰለስተ ዓበይቲ ጸጋታት፦ ‘ዓመተ እምነትን፣ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምጅማር ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካንን ፍጻሜ እቲ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን’ ዝብሉ ኮይኖም፣ “ሰለስት ሓዋርያዊ ሓላፍነታት እውን ዘቕርቡ ጸጋታት ከምዝኾኑ ኣብ ዘነጽር ሓሳብ ዘማእከለ ኣብ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ‘Porta fidei-በሪ እምነት’ ዘርእስታ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ዝተደገፈ” ከምዝኸውን ሓቢሮም፣ “ዘመነ ምጽኣት እቲ ኢየሱስ ናዝሬት ኣብ ዝርከብ ሙክራብ ዝኣወጆ ዓመት ጸጋ እግዚኣብሔር ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ፣ ዘመነ ጸጋ ከምዝኸውን” እምነት ዘንበረ ስብከት እዩ ከምዝበሉ መግለጺ ቅድስቲ መንበር ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.