2012-12-01 14:30:21

ቅዱስ ሲኖዶስ ብፁዓን ጳጳሳት፦ እሙናት መሰኻኽርን ሓድሽ ቋንቋ ኣብ ተልእኾ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል


RealAudioMP3 ዓለማዊነትን (ስነ ምግባርን ትምህርትን ኣብ ሃይማኖት ኪምርኰስ የብሉን ዝብል ኣረኣእያ) ኢፈላጥነትን (ነገራት ኪህወሱ ድኣ’ምበር ብምሉእ ኪፍለጡ ኣይክእሉን ኢዩም ዝብል ፍልስፍና) መሰረት ዝገበረ ዝርአይን ዝንበረን ዘሎ ባህላውን ግብረ ገባውን ኣመለኻኽታ ዝፈጥሮ ዘሎ እዋናዊ ዓለም ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዓቢይ ብደሆ ምዃኑን ነዚ ንምብዳህ ማኅበረ-ሰብ ክርስትያን ቤተ ክርስትያናውነት ኣድማስ ብዘነቓቕሕ ንቕሑ ሱታፌ ዝተሓደሰን ሓድሽ ቋንቋ ንሓድሽ ኣስፍትሆተ ወንጌልን፣ ተኣማኒ ምስክርነት ምቕራብ ወሳኒ ምዃኑ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቤት ጽሕፈት ዋና ጸሓፊ ዕለት 26 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ ከምዘስመረሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኒኮላ ኤተሮቪች ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ዕለት 26 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ጉባኤ እቲ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ንምስፋሕ እምነት ክርስትና ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ኣማእኪሉ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት መበል 13 ሲኖዶስ ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ዘመልከቶም ሓሳባትን ዝዘተየሎም ኣገድስትን ሕጹጻት ርእሰ ጉዳያትን ዝተደገፈ “ስሩዕን ጥንቁቕን ጽማሬ” ድሕሪ ምቕራቦም እቲ ጉባኤ ኣብቲ ንሶም ዘቕረብዎ ጽማሬ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ሲኖዶስ ተማእኪሉ ከምዝተኻየደ ዝገለጸ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ እቲ ጉባኤ ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ንዘቕርብዎ ሓዋርያዊ ምዕዳን ድህረ ሲኖዶስ ዝምርኮዝሎም ኣገደስቲ ረቛሒታት ንምቕራብ ኣብ ዘምርሕ ሓሳብ ክምከዝዘተየ የመልክት።
ቤተ ሰብ (ስድራ ቤት) ቁምስናን ቤት ትምህርትን ኣብ ሕንጸት እምነት ዘለዎ ዓቢይ ግደ ዳግም ብዝተሓደሰ መገዲ ዳግም ክራኸቡን ምስ ናይ ቤተ ክርስትያን ወንጌላዊ ተልእኾን ኣብ ኣገልግሎት ሕንጸተ እምነትን ክተሓባበሩን እቲ ተልእኾ ንኣኣቶም ዝምልከት ከምዝኾነን ኣብዚ ሓዋርያዊ ሓላፍነት’ዚ ብብስራትን ብቅብአ ቅዱስ ሥርዓት መሥዋዕተ ቅዳሴን ብሊጥርጊያውን ብዝተቐደሰን ሕይወት ምስ ቤተ ክርስትያንን ጓሶት ነፍሳትን ልኡካነ ወንጌልን ክሓብሩን ክተሓባበሩን ዘተሓሳስብን ሓላፍነት እውን ከምዘለዎም ዘተሓሳሰበን፣ ወንጌል ናብ ኵሉ ቀረባን ርሑቕን ዘሎ ሰብን ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበለ ካብ ናይ ቤተ ክርስትያን እምነት ርሒቑ ናብ ዝነብርን ኢኣማንያንን ሸለልተይናታትን ንናይ ካልኦት ኣቢያተ ክርስትያን አመንትን ናይ ካልኦት ሃይማኖት ሰብዓብትን ኮታ ነቲ ናብ ኩሉ ዓለም ኪዱ ዝብል እቲ ንሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጎይታ ዝሃቦ ሓዋርያዊ ተልእኾ ዘረጋገጽ ጉባኤ ከምዝነበረ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ናይቲ ዝተኻየደ ጉባኤ መቐጸልታ ዕለት 23ን 24 ጥሪ 2013 ዓ.ም. ክካይድ ምዃኑ ኣመልኪቱ።








All the contents on this site are copyrighted ©.