2012-12-01 16:32:24

ስለምንታይ ድኽነት ፣


Why poverty ? ዝሐለፈ ሐሙስ ኤውሮጳ ሐቆፍ ፈነወ ራድዮ ስለምንታይ ድኽነት ብዝብል አርእስቲ ፈነወ ከም ዛከየደ ይዝከር ። ራድዮ ቫቲካን መራሕቲ ቅድስትን እንኮን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ርእሰ ሊቃን ጳጳሳት ብዛዕባ ድኽነትን ድኻታትን ዝግበርዎ ዲስኩራትን ምሕጽንታን ከተቃልዕ ከም ዝቅነየት ይዝከር ።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ መበል 23 ብግዜ ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም ንድኽነትን ድኻታትን ዓቢ አተኩሮ ሂቦምሉ ከም ዝነበሩ ክንገር ከሎ ፡ ብ1960 አባላት ማሕበረ ርሕራሔ ተቀቢሎም አብ ዘዘራረብሉ ግዜ ቤተ ክርስትያን አብዚ ትርእይዎ ዘለኹም ቅዱስ ኮረብታ ቫቲካን ካብ ነዊሕ ዘመናት ጀሚራ ኪነ ጥበባዊ ታሪኽ ሥነ ጽሑፍ ዓቂባ አላ ፡ እውነተይና ሀብቲ ታት ሕጻናት ሕሙማት ዝተረስዑ ድኹማት ኢዮም ብማለት ከም ዝገለጹ ይዝከር ።ዮሐንስ መበል 23 Pacem in terris አብቲ ሰላም አብ ምድሪ ዝተሰምየ ሐዋርያዊ መልእክቶም ድኽነት ኢ ሰብአዊን ጸረ ሰላምን ከም ዝኾነ ብምምልካት ቤተ ክርስትያን አብ ጐድኒ ድኻታት ከም ዝኾነት አገንዚቦም።
አብ ሐጺር ናይ አርባዕተ ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም ዝተፈላለዩ ርሂጾም ምስ ዝነብሩ ሰራሕተና ከም ዝተራኸቡን አብ ሕብረተ ሰብአዊ ናብራ ማዕርነት ክህሉ ስስዔ ክውገደ ከም ዘለዎ ብጥብቂ የተሐሳስቡን ይገልጹን ኔሮም ።
አብቲ ብ1959 Mater et Magistra አደን መምህርን ሰይሞም ንዓለም ዝዘርግሕዎ ሐዋርያዊ መልእኽቲ ክብርን ግርማን ድኻታትን ሰራሕተኛታትን ክዕቀብ ንቅዱስ ዮሴፍ ሰራሕተኛ ይምሕጸን አለኹ ፡ ውሃብቲ ስራሕን ርእሰ ማላውያንን አብ ልዕሊ ከምኦም ሰብ ክጭክኑ ይገርመኒ ብማለት ሐተታ ከም ዘቅረቡ ይምልከት ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዮሐንስ መበል 23 ኤኩመኒካዊ ቤት ምኽርን ጉባኤ ቫቲካንን ዘዳለዉ ከይሰለከዩ ኅውጾተ /ኖልዎ ዝፍጸሙ አብ ሐጺር ርእሰ ሊቃነ ጵጵስንኦም ዓቢ ሐዋርያዊ አገልግሎት ዝገበሩ መንፈሳዊ አቦ ቤተ ክርስትያንን ህዝበ እግዚአብሔርን ኢዮም።








All the contents on this site are copyrighted ©.