2012-11-29 14:04:53

ኮንጎ፣ ማሕበር ልኡካነ ወንጌል ሳሊዝያን ንደገፍ ተመዛበልትን ስደተይናታትን


RealAudioMP3 ኣብ ደሞክራሲያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ህልዉ ኩነታት ዘተሓሳብ ምዃኑ እንክንገር፣ እቲ ኤም 23 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ጸረ ናይታ ሃገር ማእከላይ መንግሥቲ ዝንቀሳቀስ ጉጅለ ዕጡቓት ሓይሊ ካብታ ቅድም ሓደ ሰሙን ዝተቖጻጸራ ኣብ ሰሜናዊ ኮንጎ ኣትርከብ ከተማ ጎማ ካብ ዓለም ሓቆፍ ማኅበረሰብን ሃገራትን ብዘጋጥሞ ዘሎ ጸቕጢ ተደሪኹ ይውጽእ ከምዘሎ ክምልከት እንከሎ፣ መንግስቲ ኮንጎ እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ካብታ ዝተቖጻጸርዋ ከተማ ዝነበረ ሃብቲ ኩሉ ናብ ሩዋንዳ ኣግዒዞምዎ እንክብል ከምዝኸሰሰ ኣባ ፒየሮ ጋቪዮሊ ኣባል ማሕበር ሳሊዛውያን ኣብ ኮንጎ ከተማ ንጋንጊ ዝርከብ ናይ ዶን ቦስኮ ማኣከል መንሰያት ኣመሓዳሪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ብስልኪ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም እቶም ደባይ ተዋጋእቲ ካብ ከተማ ጎማ ይወጹ ከምዘለዉ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ከምዝሕብሩን ኮይኑ ግን ምሉእ ብምሉእ ከምዘይወጹ እዩ ዝነገር ኢሎም።
ብርግጽ እቶም ካብ ቤቶም ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ ከባቢኦም ክምለሱ ናይ ኩሉ ምትሕብባር የድሊ ቤቶምን ንብረቶምን ክጸንሖም ዘይተኣማምን እዩ፣ ኩሉ ናይ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘድልዮምን ካብ ዓለም ሓቆፍ ናይ መግቢ ሓልዮ ማሕበር ሓገዝ ከምዝቐረበሎምን ኮይኑ ግን እዅል ከምዘይኮነ ድማ ገሊጾም፣ እቲ ዓመጽ ጸጸኒሑ ዝቀላቐል እዩ። ስለዚህ ነባሪ መፍትሒ ክረክብ ዝግብኦ ሕቶ ስለ ዝኾነ መንግስትን ማሕበረሰብ ዓለም ሓቆፍን ኣብ መስርሕ ሰላም ክተግሁን ኩሉ ንናይ ኮንጎ ተመዛበልቲ ድጋፍ ዝውዕል ሓገዝ ከቕርብ ጻዊዒት ኣቕሪቦም፣ ኣብታ ሃገር ዝርኤይ ውግእ መንቀሊኡ ኤኮኖሚያዊ ሕቶ እዩ፣ እታ ሃገር ብናይ ተፈጥሮ ሃብቲ ዝተዓደለት ክነሳ፣ እዚ ሃብቲ’ዚ መርገም ኮይኑ እነሆ ንመላእ ሃገር ረብሓ ከይውዕል ብዝተፈላለየ ምኽንያትን ኢደ እታውነትን ዝምዝመዝ ኮይኑ፣ ነታ ሃገር ኣብ ዓቢይ ሽግር የእትዋ ኣሎ ቢሎም፣ ነዚ ዓቢይ ሕቶ ዓለም ለኻዊ መፍትሒ የድልዮ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣተቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.