2012-11-29 13:57:48

ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሕብረት
ስደተይናታትን ተመዛበልንት ኣብ ልቢ ቤተ ክርስትያን


RealAudioMP3 ቅድሚ ትማሊ ኣብ ሮማ ናይ መላእ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ኅብረት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ሓልዮ ድርገታት ሓለፍቲ ዝጸውዔ ጉባኤ ከምእተኻየደ ክምልከት እንከሎ፣ እቲ ጉባኤ’ቲ ስደተይናታትን ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ከስተንትን ዝተጸውዔ ከምዝነበረ ናይ ሃገራት ኤውሮጳ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽርታት ሕብረት ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ሓልዮ “ፍቕሪ ብሓቂ” እተሰምየ ድርገት ሓላፊ ብፁዕ ኣቡነ ጆሲፕ ቦዛኒች ኣብ ዘስምዕዎ ናይ መኽፈቲ ዘረባ ከምዝገለጹ እንክሕበር፣ ቤተ ክርስታያን ኣብ ኤውሮጳ ነቲ ኣብ ኤውሮጳ እናሰፍሔ ዝኽይድ ዘሎ ክስተት ስደተይናታት ብኸመይ ትምልከቶን ነዚ ማሕበራዊ ክስተት’ዚ ብኸመይ ትገጥሞን? ዝብል ሕቶ ድማ ኣልዒሎም፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ዝኾነ ይኹን ቦታን ሃገርን ብባህርያ ከም መስራቲኣ ኣእንጋዲት እያ። እዚ ድማ ኩሉ ምስ ክርስቶስ ክራኸብ ኣሚታ እትነብሮን ማሕበራውን ሰብኣውን ናይ ፍቕርን ፍትሕን ሰብኣዊ ሕንጸትን ዘማእከል ኣስፍሆተ ወንጌል ብምቕራብ እትገልጾ ባህርይ ምዃኑ ከምዝገለጹ ነቲ ጉባኤ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሮበርታ ጂሶቲ ሓቢረን።
ስደተይና ምእመናን ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኾ ተዋሳእቲ ከምዝኾኑ ዝሓበሩ ብፁዕ ኣቡነ ቦዛኒች ኣስዒቦም ኣምነቶም ኣብ ዝተኣንገድሉ ሃገር ከይፈረሑ ኣብ ዝተዋፈርሉ ኣገልግሎትን ዕለታዊ ሕይወቶምን መነባብሮኦምን ብትብዓትን ብሓጎስን ክምስክሩን ዘይንበር ዝተሓብኤ እምነት ዳርጋ ዝሞተ እዩ እሞ፣ ኩሉ እምነቱ ኣብ ምንባር ክተግህ ከምዘተሓሳሰቡ ጋዜጠይና ጂሶቲ ሓቢረን፣ ብወገኖም ነቲ ዝተኻየደ ጉባኤ ዝኸፈቱ ናይ ስደተይናታትን ተመዛበልትን ሓዋርያዊ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ኣንቶኒዮ ማሪያ ቨሊዮ፣ ስደተይና ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ናይ ስነ ሕዝብን ስነ ማሕበራውን ስነ ቁጠባን ኤኮኖምን ቅርጺ ናይ ምልዋጥ ዑቕር ሓይሊ ከምዝኾነን ጠቒሶም፣ ቤተ ክርስታይን ነዚ ክውንነት’ዚ ዓቢ ግምት ብምሃብ ኣብ ኩለን ሃገራት ብዛዕባ ስደተይናታት ዘተኮረ እቲ ስደተይና ካበይ ይምጻእን ሕጋውን ዘይሕጋውን ኣውን ይኹን ብዘየገድስ ኣብ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ዝቖመ ግቡእ ማሕበራውን ፖለቲካውን ዘተ ክግበረሉ ከምእተተሓሳስብ ከምዝገለጹ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.