2012-11-29 14:11:17

ረቡዓዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዱስ ኣቦና (28/11/2012)
“እግዚኣብሔር ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ቀረባ ምዃኑ ብህይወት ምብሳር”


RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ረቡዕ ዕለት 28 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ከምቲ ልሙድ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ከምዘቕረቡ ክምልከት እንከሎ ቅዱስነቶም ንዓለም ብዛዕባ እቲ ዘይጭበጥ ርእይቶ ወይ ድማ ሓሳብ ዘይኮነ እቲ ብክርስቶስ ኣቢሉ ንነፍሲ ወከስ ሰብ ቀረባ ዝኾነ ፍቕሪ እግዚኣብሔር ምንጋር ማለት ልዑል ኣገዳስነት ብስራት” ምዃኑ ኣብ ዘነጽር ቅዉም ሓሳብ ኣማእኪሎም ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ፣ “ወንጌል ንምብሳር ዝተጸውዔን ሓላፍነት ዘለዎን ምስ ሕይወት ዝተኣሳሰረ ዕላማ እዩ፣ ቢሎም ነዚ ንምትንታን ካብቲ ዘይተሓላለኸ “ሎሚ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ንዘርኢ ሰብ ከመይ ጌርካ ምዝራብ ይከኣል? ዝብል ሕቶ ተበጊሶም፣ ኣብ ፍጻሜ ኣስተምህሮኦም፣ ናይዚ ዓቢይን መሰረታውን ዝኾነ ሕቶ፣ “እግዚኣብሔር ናይ ህላዌና ወይ ድማ ምስ ህላዌና ዝወዳደርን ዝነጻጸርን ዘይኮነስ ኣንታይ ደኣ ናይ ሰብ ሰብኣዊ ዕብየት ዋሕስን ንነፍሲ ወከስ ሰብ ቀረባ ዝኾነን ዘፍቅሮን ዘድሕኖን እግዚኣብሔር ክርዳእ ምድጋፍ” ብዝብል ጽማሬ መልሲ የጠቓልልዎ።
“እግዚኣብሔር ሓደ ብዛዕባ ኣናስር ዓለም መግለጺ ርሑቕ ጥንሰ-ሓሳብ፣ ካብና ኣዚዩ ርሑቕ ዝኾነ ስነ ቀመራዊ ቀልቢ(ኣስትውዕሎ) ማለት ኣይኮነን። እግዚኣብሔር ብዛዕባና ዝግደስን ዘፍቅረናን ገዛእ ርእሱ ክሳብ ትስብእት ዘራኸበ፣ ኣብ ጭቡጥ ናይ ሰብኣዊ ታሪኽ ብገዛእ ርእሱ ዝኣተወ እዩ።”
ብዛዕባ እግዚኣብሔር ንምዝራብ ነቲ ኢየሱስ ኣብ ምድራዊ ተልእኾኡ ዝፈጸሞ ኣግባብ ብምርኣይ ዝከኣል ከምዝኾነን፣ “ካብ ወንጌለ ኢየሱስ ንናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኩነት ዝግደስን ዝራኸብን ኣብቲ ናይ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኩነት ገዛእ ርእሱ ብምሕሳብ ደቀ መዛሙርትን ኩሎም ዝተራኸብዎ ብሸሓት ዝቝጸሩ ኣህዛብ ነቲ ዓቕሊ ጽበትን ተስፋ ቀቢጽነትን ዝህቦ መልሰ ግብርን ከመይ ከምዝዛረብ ከመይ ከምዝግለጽን የስተውዕሉ፣ እዚ ኣግባብ’ዚ ንዓና ማኅበረ ክርስትያን አገዳሲ ሓበሬታ ማለት እምነትን ፍቕርን ኣብ ምንባር እንኽተሎ ኣብ እዋናዊ ዓለም ብዛዕባ እግዚኣብሔር ምዝራብ ዝኾነ እንኽተሎ ኣግባብ፣ ነቲ ብቓልን በዚ ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ጭቡጥን ሓቀይና ክውንነት ዝገልጽ እነቕርቦ ምስክርነት ኣብ ክርስቶስ ዝንበር ተኣማኒ ህላዌ ዘነጽር ብምዃኑ እዩ።” ቢሎም ነዚ ዳግም ንምርዳእ ቅዱስነቶም ቀጺሎም፦ “ስለዚ እቲ ቀዳማይ ክውንነት ህዝቢ ሓደ ዘማዕበሎ ፍልስፍና ወይ ድማ ኣብ ገለ ዝረኸቦን ዝመሃዞን ሓሳብ ዘይኮነስ፣ ገዛእ ርእሱ ብዛዕባ ጭቡጥን ዝነብርን እግዚኣብሔር ዝዛረብ ናይ ሕይወት ክውንነትን ከምኡ ድማ ህዝቢ ጉጅለ ነኣድቲ ንምቛምን ኣብ ታሪኽ ከም ናይ ሓደ ናይ ዓበይቲ ስነ ፍልጠታት ኣመለኻኽታ ጉጅለ መራሕን ገዛእ ርእሱ ዘናድን ዘይኮነስ ከም ቅዱስ ጳውሎስ ክርስቶስ ዘበስር ማለት እዩ።” ብዝብል ኣገላልጻ ተንቲኖም ብዛዕባ እግዚኣብሔር ክንዛረብ እንተድኣ ኮይና ንሕዝቢ ብዛዕባ ኣቲ እንብሎ ግልጽን ንጹርን ኣፍልጦ ክህልወና ከምዝግባእ እንከመልክቱ፣ “ምእንቲ’ዚ ብዛዕባ እግዚኣብሔር ንምዝራብ ምስ ኢየሱስን ወንጌሉን ሌላ ክህልወናንን ውልቃውን ጭቡጥን ኣፍልጦ እግዚኣብሔርን ንውልቃዊ ልዕልናን ፈተና ኢድና ከይሃብና ናይ እግዚኣብሔር ኣግባብ ብምስዓብ ውዕዉዕ ፍቅሪ ንመደብ ምድሓን እግዚኣብሔር ክህልወና ዝሓትት እዩ። ኣግባብ እግዚኣብሔር ኣብ ተራ ሓንቲ ናዝራዊት ቤት ኣብ መብልዕ ማል ቤተ ልሄምን ዝተሰብአ በታ ናይታ ንእሽተይ ዘርኢ ሰናፍጭ ምሳሌ ዝግለጽ ‘እግዚኣብሔር ሓደ ከመና ኮነ’ ዝብል ትሕትናን ምንባር ይሐትት” ኢሎም።
ቅዱስነቶም ኣብ ፍጻሜ ኣተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ስድራ ቤት እቲ ሓለፋ ዘለዎ ስፍራ ምስክርነት ከምዝኾነን ምእንቲ’ዚ ነቲ ኣብ ውላድ ብኑባሬ ዘሎ ሃይማኖታዊ ሕቶ ዝስትውዓለሉ ኮይኑ፣ ስድራ ቤት ወለዲ ነቲ ሓድሽ ወለዶ እምነት ዘመሓላልፉሉ ቀዳማይ ስፍራ ምዃኑ እንከረድኡ፣ “ኣብ ስድራ ቤት ብዛዕባ እምነት ዝምልከት ዘተን ነቲ ውላድ በቢ ዕለቱ ዘጋጥሞ ኩነትን ብድሆን ብንቕሓት ንምስትንታንን ምቹእ ሰዓት ንምልላይ ምትጋህ የድሊ። ወለዲ ነቲ ኣብ ደቆም ዘሎ ብዙሕ ግዜ ርእዩን ወይ ድማ ዝተሓብኤ ዝመስል ብዝተፈላለየ መልክዕ ዝግለጽ ሃይማኖታዊ ሕቶ ናይ ምስትውዓል ተኽእሎ ክህልዎም ከምዝግባእን፣ ኣብ ስድራ ቤት እምነት ናይ ምትሕልላፍ ተግባር ሕጉስን ሓጎስ ዝተመልኦን ቃና ሓጎስ ዘቃልሕ ተግባር ክኸውን ይግብኦ” ምስ በሉ ናይቲ ዘቕረብዎ ትምህርተ ክርስቶስ ጽማሬ ሓሳብ በቶም ዓለም ለኻዊ ቋንቋታት ድግማ ኣስሚዖም ነቶም ብውልቅን ብማሕበርን ኣብቲ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሰላምታ ኣቕሪቦም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.