2012-11-24 14:17:17

ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት


RealAudioMP3 ብስርዓት ላቲን ሊሚ ዋዜማ ዓመታዊ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ዕለት 24 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሰዓት 11 ቅድሚ ቀትሪ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ካብ ሰለስተ ክፍሊ ዓለም ማለት ካብ ስሜን ኣመሪካን ኣፍሪቃን እስያን ንዝተዋጽኡ ሽድሽተ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ማዕርገ ካርዲናል ክብ ከምዘበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ከመልክት እንከሎ፣ ንሳቶም ድማ ክሳብ እዛ እዋን እዚኣ ኅየንተ ቤተ ጳጳስ ኮይኖም ዘገግሉ ዘለዉ ተወላዲ ሰሜን ኣመሪካ ትማሊ ብቅዱስ ኣቦና ናይ ጳጳሳዊ ባሲሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፉዎሪ ለ ሙራ ሊቀ ካህናት ንኽኾኑ ዝተሸሙ ብፁዕ ካርዲናል ጀምስ ሚካኤል ሃርቨይን ኣብ ሊባኖስ ናይ ማሮናዊት ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ አንጽዮኪያ ፓትሪያርክ ብፁዕ ካርዲናል በቻራ ቡትሮስ ራይ፣ ኣብ ህንዲ ናይ ሶሪያ ማላንካረሰ ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓቢይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ባሰሊዮስ ክሊሚስ ቶቱንካልን ኣብ ናይጀሪያ ናይ ኣቡጃን ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጆን ኦሎሩንፈሚ ኦናየካን ኣብ ኮሎምቢያ ናይ ቦጎታ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ሩበን ሳላዛር ጎመዝ ኣብ ፊሊፒንስ ናይ ማኒላ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ልዊስ ኣንቶኒዮ ታግለ ምዃኖን ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.