2012-11-24 14:14:06

ኣብ ሓንትን ቅድስትን ካቶሊካዊትን ሓዋርያዊትን ቤተ ክርስትያን እአምን


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ሎሚ ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርትያን ዋዜማ ዓመታዊ በዓል ክርስቶስ ንጉስ ቅድሚ ቐትሪ ሰዓት 11 ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባዚሊካ ብዝሰረዕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ንሹድሽተ ካብ ዝተፈላለያ ሽዱሽተ ሃገራት ዝተዋጽኡ ሊቃነ ጳጳሳት ናብ ማዕርገ ካድርዲናል ክብ RealAudioMP3 ኣቢሎም ኣብ ዘስሞዎ ስልጣናዊ ስብከት፦
ክቡራንን ክቡራትን ኣሕዋተይን ኣሓተይን
እቶም ንቂያዊ ቁስጥንጥያ ምልክት ተባሂሉ ዝግለጽ ጸሎተ ሃይማኖት ዘሓዋርያት ደጊሞምን ነቲ ተኣምኖተ እምነት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ኣሜን ቢሎም፣ ነቲ ናይ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሓቀይና ሰዓብቲ ዘብል ሓቂ ክዕቅቡ ኣብ ቅድሚ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ምእመናን ምስ ኣረጋገጹ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ጸሎተ ሃይማኖት ዘሎ ካቶሊካዊ ዝብል ቃል ኣደጊፎም፦ “ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃይማኖት ትምህርተ ክርስቶስ መዝገበ ከምዝሕብሮ፦ ‘ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ቅድስቲ ካቶሊካዊትን ሓዋርያዊትን’ ዘብላ እቲ ብመንፈስ ቅዱስ ገቢሩ ነዚ ዓይነተይና ምልክታት ብግብሪ ክትነብሮ ዚጽውዓን ባዕሉ ክርስቶስ እዩ (ፍቕዲ 811)” ጠቒሶም ብምርዳእ፣ “ቤተ ክርስትያን ካቶሊካዊት እያ። ስለምታይ ክርስቶስ ብናይ ምድሓን ተልእኾኡ ንመላ ዘርኢ ሰብ ስለ ዝሓቁፍ እዩ። ኣብ ወንጌል ማቴዎስ ምዕ. 15፣24፦ ‘ብጀካ ናብተን ዝጠፍኣ ኣባጊዕ ቤተ እስራኤል ኣይተለኣኽኩን’ ብዝብሉ ቃላት፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምድራዊ ተልእኾኡ ኣብ ሕዝቢ ይሁዳ ዝውሰን እንተምስለ፣ ኣብ ማቴ. ምዕ. 8 ፍ. 11 ‘ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፣ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ኪቕመጡ እዮም’ እንክብል ኣብ ቅፍርናሆን ንወዲ ሓልቓ ሚእቲ እንከሕውይ፣ ኵላውነት ባህርይ መደብ ምድሓን ኣምላኽ የረጋግጸልና። እቲ ናይ ዕለቱ ወንጌላዊ ምንባብ ማርቆስ ምዕ. 10 ፍቕ. 33 ‘ወዲ ሰብ’ እንክብል ዝገልጾ ቃል ብመሰረት ባህሊ ስነ ቋንቋ ይሁዳዊ ራእይ (ኣጶቀለምስስ) ኣገላልጻ ምስቲ ነቢይ ዳንኤል ምዕ. 7፣ 13-14 ዝግለጽ ‘…ወዲ ሰብ ዝመስል…ብደመና ሰማይ..’ እንክብል ዝገልጾ ዝተሓሓዘ ከምዝኾነን፣ ብኸመይ መልክዕ ከምዘምጽእ ኣውን ይሕብር። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነዚ ኵሉ ባህርይን መግለጽን ተጠቂሙ ንገዛ እርእሱ ዝምልከት ከምዝኾነን፣ ነቲ ሓቀይና መሲሓዊ ተልእኾኡ ትርጉሙ የነጽር። ንመላእ ሰብ ንናይ ኵሉ ዘመን ሰብ ዝምልከት ከምዝኾነ ይገልጾ። ቤተ ክርስትያን እቲ ምግምማዕን ምክፍፋልን ምብትታንን ብክርስቶስ ከምእተሳዕረን ብናቱ ሰብኣውነት ክንማረኽን ብኣኡ ኣብ እግዚኣብሔር ሱታፌ ክህልወና ነቲ ዝኣወጆ ሓድሽ መንግስቲ ኣምላኽ ትእውጆን ብዓንተውኡ ናቱ ምልክት ክትኸውን ዝተጸውዔት እያ።”
ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም ይብሉ፦ “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቤተ ክርስትያኑ ናብ ሓደ ጉጅለ ዘይኮነስ ናብ ኩሉን ንኹሉን ሕዝቢ ብምልኣኽ፣ ኣህዛብ ሓደ ህዝቢ ኮይኖም ኣብ ዙርያኣ ክእከቡን ምስኣ ክሓብሩን እዩ ዝለኣኻ። እዚ ድማ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን Lumen gentium-ብርሃነ ኣሕዛብ ኣብ ዝብል ዶግማዊ ውሳኔኡ ፍቕ. 13 ብትኽኽልን ብዘዕግብ መገዲ ኣንጺ ይገልጸልና። እዚ ድማ ናይ ቤተ ክርስትያን ‘ኵላውነት’ ባህርይ ዘነጽር ክርስቶስ ዝዓደሎ ስልጣን እዩ። ቤተ ክርስትያን ካብ ጥንቲ ጀሚራ kat’holon-ንኹሉ እትሓቁፍ ኩላዊት (ኣድማስ) እያ (ግብረ ሓዋ. 2,7-8፣ 1,8 ርአይ)። ናይ ቤተ ክስትያን ተልእኾ ካብ ታሕቲ ዘይኮነስ ካብ ምፍጣራ ጀሚሩ ካብ ላዕሊ ‘ካብ መንፈስ ቅዱስ’ ዝወረደ ዝተዓደለቶ ኣብ ኩሎም ባህልታትን ሕዝብታትን ዝግለጽን ዝንበርን ‘ሓደ ሕዝቢ እግዚኣብሔር’ ዝገብር ተልእኾ እዩ። በቲ ኣብኣ ዘሎ ኩላውነ ንዅሉ ትሓቁፍን ትጥርንፍን” ኢሎም።
“መደብ ምድሓን ኣምላኽ ኣብ ኩሉ ‘ኵላውነት’ ክሰፍሕ ክርስቶስ ባዕሉ ንደቀ መዛሙርቱ ብዝህቦ ትእዛዝ ከምዝረጋግጾ ኣብ ማር. 16፣15ን ማቴ. 28፣19 ተመልኪቱ ኣሎ። ግብረ ሓዋርያት ከምዝሕብሮ፣ ጎይታና ናብ ሰማይ እንክዕርግ፣ ደቀ መዛሙርቱ ራእያቶም ኣብቲ ዳዊታዊ መንግስቲ ኣንቢሮም ኣብ ገዛእ ርእሶም ተዓጽዮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን፣ ጎይታ ግን መንፈስ ቅዱስ ኣብኦም ከምዝወርድ እሞ ካብ ፍርሒ ተላቒቖም መደብ ምድሓን ኣምላኽ ኵላዊ ምዃኑ ተኣሚኖም ናብ ኵሉ ከብጽሑን ከስፍሑን ምዃኖም ይገልጸሎም። ሓዋርያዊ ዋሕሶም ሓይሊ ቅዱስ መንፈስን ወንጌልን እምነትን ጥራሕ ገይሮም ኣብዚ ተልእኮ ይጽመዱ፣ ኣብ እየሩሳሌምን ኣንጽዮኪያን ኣብ ሮማን ኣብ ካልኦት ስፍራ እውን እተቐውም ቤተ ክርስትያን ሓንቲ ቤተ ክርስትያንን ኵላዊትን’ እያ። እዚ ኩላዊነት ቤተ ክርስትያን ኣብ ኩሉ ስፍራ እትነብር ቤተ ክርስትያን እትነብሮን እትገልጾን ባህርይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እዩ። “ቤተ ክርስትያን ሓንቲ እያ፣ ቅድስትን ካቶሊካዊትን ሓዋርያዊትን እያ። እዚ ድማ ትእምርቲ ሓድነትን ሲታፌን ቅድስቲ ስላሴ እዩ። እዚ ሓደኣውነት ባህርይ ቤተ ክርስትያን’ዚ ድማ ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስትያን ሓድነትን ኵላውነትን ተስፋ ዘንብር ኮይኑ ኣብ ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት እውን ይግለጽ። ጉባኤ ብፁዓን ካርዲናላት ቤተ ክርስትያን ናይ ኵሉ ሕዝቢ ምዃና ሓባሪ ምልክት እዩ። ቤተ ክርስትያን ጴንጠቆስጣዊ ምዃና የመልክት።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 እቲ ነፍሲ ወከፍ ካርዲናል ቃል ዝኣትዎ ዝናዘዞ ማሕላ ንሱ ድማ “ክሳብ ብሕይወት ዘለዅ ንመላእ ሕይወተይ ንክርስቶስን ወንጌሉን ንቕድስትን ሓዋርያዊትን ሮማዊትን ቤተ ክርስትያን ወትሩን ዘየቋርጽ ቀዋሚ ተኣዝዞ እነብር” ዝብል ምዃኑ ጠቒሶም፣ ቀይሕ ቆብዕ ንሰማዕትነት ድልዋት፣ ካትምን ቃል ኪዳን ኣብቲ ናይ ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ፍቕሪ ናይ ዝነብር ፍቕሪ ምልክትን ጥርናፌን ምትሕብባርን ምስ ቅድስቲ መንበርን ላዕለዎት ሰበ ስልጣናት ብፁዓን ካርዲናላት ቤተ ክርስትያን ተሓባበርትን ኣብ ኣገልግሎት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ናይ ሕዝበ እግዚኣብሔር ዓንቀጸ ሃይማኖታውን ስርዓትን ገብረ ገብን ዕቃቤ ብሕይወትን ቃልን ምስክር ኮይኖም “ብምክትታልን ምሕናጽን ዝብል እዩ” ምስ በሉ ኩብራትን ክቡራንን ኣሕዋተይን ኣሓተይን ብሓባር ነቲ ወትሩ ንቤተ ክርስትያን ኣብ ኵላውነት ጸዋዕታኣ ሃብታም ዝገብራ ንልዑል እግዚኣብሔር ንወድስ፣ እቶም ሓደስቲ ብፁዓን ካርዲናላት ናይ ሓናጽን ኣብነታውን እምነትን ናይቲ ገዛእ ርእሱ ኣሕሊፉ ናይ ዝህብ ፍቕሪ መሰኻኽርን ምልክትን መታን ክኾኑ ተባዓት ናይ ክርስቶስ ሰዓብቲ ኮይኖም ክርከብ ንእግዚኣብሔር ነማሕጽኖም እንክብሉ ዘስምዕዎ ስልጣናዊ ስብከት ከምዘጠቓለሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.