2012-11-24 14:20:36

ብፁዕ ካርዲናል ጀምስ ሚካኤል ሃርቨይ ሓድሽ ሊቀ ካህናት ኣብ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፉዎሪ ለ ሙራ


RealAudioMP3 ሎሚ ዕለት 24 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ሰዓት 11 ቅድሚ ቐትር ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዝመርሕዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ካብቶም ሽዱሽተ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ንክኾኑ ብቕዱስነቶም ውሳኔ ማዕርገ ካርዲናል ካብ ዝተቐበሉ ክሳብ ሕጂ ኅየንተ ቤተ ጳጳስ ኮይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ናይ መምፊ ስዩም ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ጃምስ ሚካኤል ሃርቨይ ሓድሽ ናይ ጳጳሳዊ ባዚሊካ ቅዱስ ጳውሎስ ፉዎሪ ለ ሙሪ ክኾኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝሰመይዎም ሓደ ምዃኖም ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ከመልክት እንከሎ ሓድሽ ብፁዕ ካርዲናል ጀምስ ሚካኤል ሃርቨይ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዕለት 20 ጥቅምቲ 1949 ዓ.ም. ዝተወልዱን ዕለት 29 ሰነ 1975 ዓ.ም. ብኢድ ር.ሊ.ጳ. ጳውሎስ ሻድሻይ ንርእሰ ሰበኻ ሚልዋኡክ ማዕርገ ክህነተ ተቐቢሎም፣ ካብ 1980 ዓ.ም. ንነጀው ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ልኡከ ቅድስቲ መንበር ኣብ ረፓብሊክ ዶመኒካን ተዋፊሮም ንኽልተ ዓመት ሓዋርያዊ ልኡኽ ኮይኖም ድሕሪ ምግልጋል፣ ኣብ ሓዋርያዊ ኣገልግሎት ቤት ጽሕፈት ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ሓደ ሓዋርያዊ በዓል መዚ ኰይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 1998 ዓ.ም. ብውሳኔ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኅየንተ ቤተ ጳጳስን ናይ መምፊ ስዩመ ጳጳሳት ኮይኖም ዕለት 19 መጋቢት 1998 ዓ.ም. ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ር.ሊ.ጳ. ማዕርገ ጵጵስና ከምእተቐበሉን ዕለት 29 መስከረም 2003 ዓ.ም. ብውሳኔን ካብ ኢድን ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናብ ማዕርገ ሊቀ ጳጳሳት ክብ ከምዝበሉ ዝዝከረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ዕለት 25 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ቅድም ክብል ኣባላት ጉባኤ ካርዲናላት ንኽኾኑ ካብ ዝሓረይዎን ሓደ ምዃኖም ክፍለጥ እንከሎ፣ እነሆ ሎሚ ኣብ ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ብኢድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ምስቶም ሽዱሽተ ሊቀ ጳጳሳት ናብ ምዕርገ ካርዲናል ክብ ከምዝበሉ ሓቢሩ።








All the contents on this site are copyrighted ©.