2012-11-22 14:39:53

ቅዱስ ኣቦና ዝደረስዋ ሓዳሽ “ናይ ኢየሱስ ናይ ህጻንነት ግዜ” ዘርእስታ መጽሓፍ


RealAudioMP3 “ናይ ኢየሱስ ናይ ህጻንነት ግዜ” ዘርእስታ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝደረስዋ ሓዳሽ መጽሓፍ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ፒዮስ ዓስራይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማኅተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርድን ናይ ባህሊ ጉዳይ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ጃንፍራንኮ ራቫዚን ብራዚላዊት ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅ ማሪያ ክላራ ቢንግመርን ናይ ሪዞሊ ኣባይቲ ማሕተም ሊቀ መንበር ናይ ስነ ታሪኽ ሊቅ ጋዘጠይና ፓውሎ ሚየልን ናይ ቫቲካን ቤት ማሕተም ኣመሓዳሪ ክቡር ኣባ ጁዘፐ ኮስታን ብዘሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ንንባብ ከምዝበቕዔትን፣ ካብ ትማሊ ዕለት 21 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ እታ መጽሓፍ ድሮ ብትሽዓተ ቋንቋታት ተተርጕይማን ኣብ 50 ሃገር ከምእተዘርግሔት ክምልከት እንከሎ፣ እታ መጽሓፍ ብቤት ማሕተም ቫቲካንን ኣባይቲ ማሕተም ሪዚሊን ተሓቲማ ንንባብ ዝበቕዔት ከምዝኾነትን፣ ናይ ሪዞሊ ኣባይቲ ማሕተም ሊቀ መንበር ፓውሎ ሚየሊ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ጋዜጠይና ኣንቶነላ ፓሌርሞ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ “እታ መጽሓፍ መን ደራሲኣ ብዘየገድስ ኣብ ታሪኽ እትተርፍ ኣገዳሲትን ነባሪትን መጽሓፍ እያ። ናይዚ ሓድሽ ናብ ሳልሳይ ሽሓዊ ዘብል ዘሎ ዓመት ዓባይን ብልጽትን መጽሓፍ እያ። ናይ ኢየሱስ ክርቶስ ናይ ህጻንነት ግዜ ካብ ኣፈ ታሪኽ ዘይኮነስ ካብቶም ናይ ቤተ ክርስትያን ወግዓውያን ቅዱሳት መጻሕፍትን ወጌልን ናይ ቤተ ክርስትያን ታሪኽን ባህልን ትውፊትን ብዕምቆትን ብቋንቋታት ባህርያቱን ምዕባለታቱን ብምምርማር ብጥንቃቔ ብምኽታል ዝተደርሰት ዓባይ መጽሓፍን ከምኡ እውን ናይ ቅዱስነቶም ናይ ቲዮሎጊያን ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቅነት ብቖዓት ዘጠቓለለት እያ” ኢሎም።
ኢየሱስ ኣብ ታሪኽ ዝነበረን ዝተረጋገጸን ክነሱ ኮይኑ ግን ብዛዕባ ናይ ሕጻንነት ጊዜኣኡ ብዙሕ ዝተጽሓፈ ታሪኽ እውን የሎን እትነሎ ድማ ኣፈ ትረካ እዩ። እቲ ዘሎ ሓቀይና ታሪኽ ናይ ብሓቂ ውሑድ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ነዚ ውሱን ታሪኽ ናይ ኢይሱስ ህጻን ዕንቅፋት ዘይኮነስ፣ ብሓቂ ብዛዕባ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ህጻንነት ጊዜ ንምዝራብ ዘኽእል ብቑዕ ምኽንያት ምዃኑ ኣነጺሮም ብኣኡ መሰረት ብዛዓባኡ ካብ ኣፈ ታሪኽ ወጻኢ ርግጸይና መጽሓፍ ክጽሕፉ ብቕዓቶም ዝነኣድ ጥራሕ ዘይኮነስ ዘደንቕ እውን ምዃኑ ሚየሊ ገሊጾም፣ “ኩሉ ክርድኦ ብዝኽእል ኣግባብ ዝተደርሰት መጽሓፍ እያ። ሓደ ሊቅ ዓቢይ ዘብሎ ነቲ ከቢድ ታርኽን ዝተሓላልኸን ኩሉ ክርድኦ ብዝኽእል መገዲ ናይ ምቕራብ ተእኽእሎኡ እዩ። እዚ ድማ ሓደ እቲ ናይ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. መለለይ ባህርይ እዩ” ምስ በሉ ነቲ ብዛዕባ ናይ ኢየሱስ ናይ ህጻንነት ግዜ ዘሎ ዝተጋራጨወን ዘይንጹር ዝተዘርግሔ ርድኢታትን ሓሳባትን ኣመለኻኽታን መልሲ እትህብ ዓሚዩቕ መጽሓፍ እያ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.