2012-11-20 15:22:32

“ፍጻሜ ዓለም” ፍርሒ ናይ ሓሶት ትንቢት ዘይኮነስ ተስፋ ኣብ ክርስቶስ ማለት እዩ


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝሓለፈ ሰንበት ዕለት 18 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ በሸሓት ዝቑጸሩ ምእመናንን መንፈሳውያን ነጋዶ ኣብ ዝተረኽብሉ ከምቲ ልሙድ ካብ ሓዋርያዊ መስኮቶም ንምእመናን ሰላምታ ብምቕራብ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምድጋሞም ብናይ ላቲን ስርዓት ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባባት ቅዱስ መጽሓፍ ኣማእኪሎም ብዝለግስዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ መሰረት፦ “ፍጻሜ ታሪኽን ብዘደንቅ ክብርን ሞጎስን ዳግማይ ምጽኣተ ክርስቶስ” ብተኣምኖተ ካቶሊካዊ ትርጉሙ እንከስተምህሩ፣ ቅዱስነቶም ነቲ ናይ ኵሉ ዘመን ፍጥረት ሰብ ኣስተውዕሎን ግንዛቤን ዝኾነ ፍጻሜ ሕይወትን ዓለምን ዝብል ዓቢይ ናይ ህላዌ ሕቶ፣ ነቲ ምስቲ ብዛዕባ ተስፋ ዝምልከት ኣገዳሲ ናይ ክርስትና ራእይ ፈጺሙ ዘይራኸብ ኣብዚ እዋን’ዚ ብመራኸቢ ብዙሃን ከይተረፈ ጽልዋ ዝግበረሉ ናይ ጥንታዊ ፍርሒ ኣምር ዘበራብር ከምዝኾነን ኣነጺሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. እንታይነት ተስፋ ናይ ክርስትና እምነት ራእይ ኣመልኪቶም ዝገልጽዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ካቶልካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ቤተ ጳጳስ ሰባኬ ኣባ ራኒየሮ ካንታላመሳ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ጋዜጠይና ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ እንከረድኡ፦ “ፍጻሜ ዓለም ካብ ናይ ሓሶት ትንቢት ዝምንጭው ፍርሒ ዘይኮነስ፣ ተስፋ ኣብ ክርስቶስ ማለት እዩ” ንዝብል ካቶሊካዊ ተኣምኖተ ሃይማኖት ብጥልቂ ዘረድእ ምዃኑ ሓቢሮም፣ ቅዱስ ኣቦና ከምቲ ልሙድ ነቶም ዓበይቲ ናይ ኩሉ ዘመን ሰብ መሰረታውያን ናይ ህልውና ሕቶታት RealAudioMP3 ፈልዮም ዓሚዩቕ ስልጣናዊ ኣስተምህሮ ናይ ምቕራብ ዝተዓደልዎ ጸጋ ልዑል ከምዝኾነን፣ እዚ ድማ ነቲ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ምዳራዊ ሕይወቱ ብዙሓት “መዓዝ ኮን ይኸውን” ዝብል ብዛዕባ ፍጻሜ ዓለምን ሕይወትን ዝምልከት ዘቕርብሉ ንዝነበረ ሕቶ ዘይኮነስ እቲ ፍጻሜ፦ “ብኸመይ ኣገባብ ወይ ድማ ከመይ ቢሉ ይኽሰት ይኸውን” ብዝብል ኣገባብ እዩ ዝምልሶ ዝነበረ፣ ዝለዚህ ነዚ ክርስቶሳዊ ራእይ ዘንጸብራቕ እዩ ኢሎም።
ክርስቶስ ፍጻሜ ዓለምን መዕዝ ይኸውን ዝፍለጥ ኣይኮነን መላእኽቲ ሰማይ እውን ኣይፈልጥዎን ኣያቶም እንክብል ገጺጽዎ ኣዩ፣ ኮይኑ ግን ንፈልጦ ኢና ዝብሉ ናይ ሓሶት ነቢያትን ካብ ሞት ተመሊስና ዝብሉ ውልቀ ሰባት ንፈልጦ ኢና ክብሉ ይስማዕ፣ ክርስቶስ ብዛዕባ ፍጻሜ ዓለም ተዛሪቡ እዩ፣ እኹል ሰዓቱን ዕለቱን ብዓውደ ኣዋርሕ ኣምር ተኺቱሉ ግን ኣይኮነን፣ ናይ ማያ ዓወደ ኣዋርሕ ከምዝብሎ ዕለት 21 ታሕሳስ 2012 ዓ.ም. ፍጻሜ ዓለም እዩ እንክብል ይገልጾ፣ እዚ ፍጻሜ’ዚ ግን ናይ ሓደ ዑደት ፍጻሜ ይቃረብ ኣሎ ዝብል እዩ፣ ፍጻሜ ዓለም ናይ ምፍላጡ ተኽእሎ ናይ ሰብ ኣይኮነን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ናይ ሰንበት ዕለት 18 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ምንባበ ወንጌል ነቲ “ኢእግዚኣብሔራዊ ስነ ምርምር እዚ ድማ ዓለም ፈጣሪ ኮን ትርጉም ዕላማ እውን የብሉን ኵሉ ቀመማዊን ስነ ተግባራዊ (ኣካላዊ መስርሕ) ከይዱ ምስ ዝጠናቐቑ ኵሉ ‘ናብ ናይ ዘለዓለማውነት ኩነት ይሰጋር ወይ ድማ ኣብ ቆስማዊ ሓዊ ይዛዘም፣ ዝብል ኣገላልጻ ፍጻሜ ዓለም የቕርብ። እቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘቕርቦ ናይ ስነ ፍጻሜ ኣስተምህሮ፣ ንሕና ናብቲ በቢ ዕለቱ ኣብ ቅዱስ ቁርናባን ክራኸበና ናባና ዝመጽእ እንኮ-ሓደ ገጽ ኣምሪሕና ኣንጓዓዝ ምዃንና እዩ ዘነጽረልና። ስለዚህ ኣቲ ፍጻሜና እቲ ናይ ጎዕዞና ብጻይ ኮይኑ ዘሰንየና ንሱ ገዛእ ርእሱ ምዃኑ የረጋግጸልና” ኢሎም።
“‘Apokálypsis-ራእይ’ ዝብል ግሪካዊ ቃል ብዙሕ ጊዜ ጉጉይ ኣገላልጻን ኣተረጋጉማን እናተውሃቦ ‘Katastrophè-ኣቡቐለምሲስ’ ብዝብል ቃል ክትርጐምን ምስኡ ብዝተሓሓዘ መልክዕ ምግላጹ ልሙድ ኮይኑ ይርአይ። ልክዕ ኣብ መንጎ ናይ ሰናይን ናይ ክፍኣትን መንፈስ ዘሎ ቃልሲ፣ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎ ናይ መወዳእታ መጽሓፈ ዮሓንስ ‘ራእይ’ ዝብል ስያሜ ዘለዎ ኣቲ ራይይ መዓስ ንዝብል መልሲ ዝህብ ዘይኮነስ፣ እንታይ ደኣ ብነብያዊ ቋንቋ መሰረተ እንታይነት ከይዲ ታሪኽ እዩ ዝገለጽ። ስለዚህ እቲ ኣብ መንጎ ናይ ክፍኣትን ናይ ሰናይን መንፈስ ዘሎ ቃልሲ ብዓወት መልኣኽ ዝድምደም ምዃኑ ዝነጽር መጽሓፍ እዩ። ኮይኑ ግን ኣብዚ መጽሓፈ ራእይ ዘሎ ነቢያዊ ኣዘራርባ ብዝተፈላለየ ምስማዐ-ምርኢታዊ እናተቀርጸ Katastrophè-ኣቡቐለምሲስ ዝብል ትርጉም ኣናተውህቦ ይቐርብን፣ ዝኾነ ይኹን ተፈጥሮኣዊ ሓደጋ ክኽሰት እንከሎ ፍጻሜ ዓለም ዶ ይኸውን ንዝብል ምጽኦታት ናብ ዝብል ናይ ሓሶት ትንቢት ይመርሕ ኣሎ” ምስ በሉ፣ መወዳእታ ዓለም ዝብል ኣዘራርባና ንመላእ ዓለም ዝምልከት ክኸውን እንከሎ፣ እዚ ድማ ድሕሪ እቲ ፍጻሜ ዘለዓለማውነት ጥራሕ ኣሎ ዝብል እዩ። ጊዚያውነት ብዘለዓለማውነት ይትካእ፣ ኣብ ቅዱስ መጽሓፍ ጥንታውያን ብድብድቡ መወዳእታ ዓለም ዝብል ዘይኮነስ፣ ናይ ሓደ ዓለም ፍጻሜ እዮም ዝዛረቡ። እዚ ድማ እቲ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወለዶ ቢሉ ዝገለጾ ቃል ዘስምዕ እዩ። “ክሳብ ኩሉ ዝኸውን እዚ ወለዶ ዚ ኣይክሓልፍን እዩ” ብዝብል ቃል ዝገለጾ ሓሳብ ዘድምዕ እዩ። ኣብ ዓለም ብዙሓት ተፈጥሮኣዊ ኩነት ከም መወዳታ ዓለም ዝብል ትርጉም ክወሃቦን ጸኒሑ እዩ ይወሃብ ኣውን ከምዘሎ፣ ታሪኽ ይገልጸልና። ኣብ ወንጌል ግን ፍጻሜ ናይ ሓደ ዓለምን ፍጻሜ ኵለ ዓለምን ዝብሉ ኣገላልጻ እንረክብ፣ እዚ ድማ ከምቲ ኢየሱስ ዝብሎ ኣቲ ዝኽሰት ዓቢይ ኩነት ኣቡቀለምሲስ ከም ፍጻሜ ዝገልጽ ዘይኮነስ፣ ከም ፍጻሜ ገርና ክንሓስቦ ማለት ምስ ምድራዊ ሕይወት ከይንጣበቕ ግኡዝነት ጥራሕ ብሉጽ ገይርና ከይንሓስብ፣ ኣብ ዓለማዊ ነገር ተጣቢቕና ብጀካኡ ንብል ከይንኸውን ነኸተሓሳስበና ኢሉ እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድማ ነዚ እዩም ዘነጸሩልና። ዝለዚህ ፍጻሜ ዓለም ወይ ድማ መደምደምታ ዓለም ንምፍላጥ ሕዪኽ ምባል ከንቱ እዩ። ንነፍሲ ወከፍና መወዳእታ ዓለም እዛ ሰዓት እዚኣ ክትኸውን ትኽእል እያ። ነቲ ኢየሱስ ብተደጋጋሚ ዝብሎ ኮይኑ ግን ኣብ እዝንና ዘይስቆረናን ኣብ ልባትና ዘይሓድርን ‘ንቕሑ’ ምስ ዝብል ቃል ዝተተሓሓዘ እዩ። ነዚ ኵሉ ርኢይኻ ብሓቂ ኣፍልጦ ፍጻሜ ወይ ድማ መወዳታ ዓለም ኮነ ኣፍልጦ ናይ ነፍሲ ወከፍና ፍጻሜ እግዚኣብሔር ጥራሕ ዝፈልጦን ንዓኡ ጥራሕ ክዕቅቦ ብሓቂ ዓቢይ ጸጋ እዩ። ፍጻሜን መደምደምታን ዓለም እንቋዕ ናይ ሰብ ኣፍልጦ ዘይኮነ" እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.