2012-11-17 15:11:40

ብፁዕ ኣቡነ ቶማዚ፦ ኣብ እዋን ግጭት ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት


ኣብ ጀነቭ ዝርከብ ናይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ሓቆፍ ናይ ሰብኣዊ ክብርን መሰልን ሓልዮ ማኅበር ናይ ቅድስቲ መንበር ቀዋሚ ተዓዛቢ ብፁዕ ኣቡነ ሲልቫኖ ማሪያ ቶምዚ “ምጥቃም ወግዓውያን (ቀጥዓውያን) ኣጽዋር ውግእ” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ንክዝትይ ሕቡራት መንግስታት ዓለም ኣብ ዝጠለቦ ጉባኤ ተረኺቦም RealAudioMP3 ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ፦ ኣብ እዋን ግጭትን ውግእን ኣብ ልዕሊ ንጹሓን ዜጋታት ዝወርድ ዓመጽ ፈጺሙ ተቐባልነት ዘይብሉ፣ ጸረ ሰብኣዊ ተግባር እዩ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ እንከመልክት። ብፁዕነቶም ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዓለም ሓቆፍ ጉባኤ ብስልኪ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ጋዜጠይና ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ብዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ብመሰረቱ ውግእ ኩኑን እዩ። ኮይኑ ግን ኣብ ዝኾን ይኹን ግጭትን ውግእን ውሕስነት ሕይውት ንጹሓን ዜጋታት ዝብል ውሳኔ ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግብኦ ክብሪ እዩ። ድሕሪ እቶም ዝተኻየዱ ውግኣት፣ ኣብ ከይዲ እንከለዉ ብዝተቐብሩ ዝተፈላለዩ ተፈንጀርቲ ቦምብታትን ጸረ ሰብኣዊ ቦምብታትን ካብቲ እቲ ዝሓለፈ ውግእ ዘስዓቦ ናይ ሕይወት ሰብን ንብረትን ክሳራታት ንላዕሊ ሓደጋ ሞትን ማህሰይትን ኮይኑ እዩ ዝርከብ። ኣብዚ ዓውለማነት ኣብ ዝተረጋገጸሉ እዋን እቲ ቀደም ዝነበረ ዘይምልከተኒ ውግእ ዝበሃል ዝነበረ ኣዘራርባ ኮነ ኣተሓሳስባ መሰረት የብሉን፣ ዓለም ቑሸት ኮይና እያ” ምስ በሉ፣ ኣብቲ ጉባኤ ኣብ ዘስምዕዎ ዘረባ ነዚ ሓሳብ ከምዘስመርሉን፣ ብፍላይ ድማ ኣብዚ እዋን’ዚ ግጭት ዝተባርዖ ከባቢ ከም ኣብነት እቲ ኣብ ሶሪያ ከምኡ ኣውን ብጠቕላላ ማእከላይ ምብራቕን ዝተረስዑ ግጭታት ተባሂሎም ዝግለጹ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዉ ግጭትታ ኣሚቶም ንምርግጋጽ ድሕነት ሕይወት ንጹሓን ዜጋታት ጻውዒት ከምዘቕረቡ ሓቢሮም። ኣብ ውግእ ሰዓርን ተሰዓርን ዘይኮነስ ክሉ ተሰዓሪ እዩ። ጸረ ሕይወት ዘበለ ኩሉ ስዕረት እዩ። ስለዚህ ንድሕነት ንጹሓን ዜጋታት ዕላማ፣ ሰገር ናይ ሃገራት ክሌኣዊ ስምምዓትን ክንየው ዓለም ለኻዊ ውዕላት ምጥማት ግድን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.