2012-11-17 15:04:17

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ብምኽንያት ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2013 ሪዮ ደ ጃነይሮ
“መንእሰያት ልብን ምናትን ናይ ኢየሱስ ኩኑ”


“መንእሰያት ንመሳትኹም ምስ ክርስቶስ ንኽራኸቡ መታን ዝዕድም ምስክነት ንምቕራብ ኣይትፍርሑ” ዝብል ምዕዳን ዝተነብሮ መልእኽቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት ነቲ ዝዳለው ዘሎ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2013 ዓ.ም. ሪዮ ደ ጃይነሮ ከምዘመሓላለፉ እንክምልከት፣ መንእሰይ RealAudioMP3 ፍረ ናይቲ ምስ ክርስቶስ ምርኻቡ ምስክርነት ብምቕራብ ምስ ክርስቶስ ንኽራኸቡ ንመሳቱኡ ካብ ምዕዳም ከይቦክር” ከምዘተሓሳቡ ዝሓበሩ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ ኣስዒቦም፦ ከምቲ ልሙድ በቢ ዓመቱ ብእንተ ላእለ ኵሉ ቤተ ክርስትያን ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ድሕሪ እቲ ናብ ማድሪድ ቅዱስ ኣቦና ናይ 2013 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 28 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ኣብ ብራዚል ሪዮ ደ ጃነይሮ፣ “እምበኣር ናብ ኵሉ ዓለም ኪዱ እሞ፣ ንኹሎም ኣሕዛብ….ደቀ መዛሙርተይ ግበርዎም” *ማቴ. 28፣19)። ብዝብል ቃለ ወንጌል ተመሪሑ ንኽካይድ ወሲኖም፣ እቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት፣ ሱታፌ መንእሰያት ኣብ ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኾ ከምዘነጸሩን፣ በዚ ምኽንያት ክርስትያን መንእሰይ ኣብ ኣገልግሎት ተልእኾ ወንጌል ክጽመድ ዘተሓሳቡ ምዃኑ ገሊጾም።
እቲ ኣብ ሪዮ ደ ጃይነሮ ንኽካየድ ተወሲኑን ኣዕጋቢ ምድላዋቱ ዘመስክር ዘሎ መደብ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ክትሓስብ እንከለኻ ነቲ ናብ ኣእምሮኻ ዝመጻእ ምስሊ ኣብታ ሜትሮጶሊ ሪዮ ደ ጃነይሮ መእተዊ ኣብ ዘሎ በሪኽ ስፍራ ዝተነብረ ካብ ርሑቕ እውን ዝርአይ ሓወልቲ መድኃኒ ዓለም፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝተሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም ነቲ ቅዱስ ሓወልቲ መድሃኔ ዓለም “ትእምርቲ እምነት” ቢሎም “ፍቕሪ እግዚኣብሔር ብዘይኣፋላላይን ኣድልዎን ንዅሉ ክፉት ከምዝኾነ ዝተዘርግሔ ኣእዳው ክርስቶስ ንዅሉ ዝበጽሕን ዝምልከት ምዃኑ የረጋግጸልና” ከምዝበሉ ጂሶቲ ሓቢሮም፣ ኣስዒቦም ቅዱስነቶም፦ “ነፍሲ ወከፍ መንእሰይ ናይዚ ፍቕሪ ምስክር ክኸውን ዝተጸውዔ እዩ እሞ በቲ ፍቕርን ንዅሉ ዘናድይ ፍቓድ እግዚኣብሔር ተነቓቒሑ ኣብቲ ኩሉ ሓደ እዩ ዝብል ክቡራት ዋጋታት ሕይወት ምህላዉ ዘይኣምንን ዝሰፍሕ ዘሎ ባህልን ግኡዝነትን ዝብልን ዓውለማነት ባህልን ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሉ ዓለም ሓድሽ ልኡከ ወንጌል ክኸውንን መንእሰያት ልቢ ናይቲ ዝተዘርግሔ ኣእዳው ክርስቶስ ኵኑ” ከምዝበሉ ገሊጾም።
“እግዚኣብሔር ክፍለጥ ምግባር ንኻልኦት ከተበርክትዎ እተኽእሉ ክግመት ዘይከኣልን መወዳድርቲ ዘይብሉ ዓቢ ጸጋ እዩ። ናይዚ እንነብረሉ ዘሎና ዘመን መንእሰይ ኣብ ጉዕዞኡ ንጹር ምርኣይ ዝጎድሎ እዩ እሞ ‘ናይ እምነት ብርሃን’ እዚዩ የድልዮ፣ እቲ እግዚኣብሔር ዝዝንግዕ ቀቢጸ ተስፋን ንብጻዩን ንኣምሳሉን ከፍቕር ብቕዓት ዝጎድሎ እዩ ዝኸውን” ቢሎም ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓስን ጳውሎስ ዳግማዊ፦ “እምነት ብምክፋል ይብርትዕ (ብርታዔ እምነት ኣብ ምክፋል እዩ)” ዝበልዎ ሓሳብ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፣ “መንእሰይ እምነቱ ክምስክርን ከካፍልን” ከምእተላበዉ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ኣመልኪቶም።
ናይ ክርስቶስ ልኡኽ ምዃን እንታይ ማለት እዩ? ዝብል ሕቶ እቲ ናይ 2013 ዓ.ም. ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት መርሕ ቃል ዘቕርቦ ሕቶ ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ መልሱ፦ “ቅድም ቀዳድም ደቀ መዝሙር ናይ ክርስቶስ ምዃን ማለት እዩ” ስለዚህ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ልኡኽ ምዃን ማለት፦ “ሓድሽ ቃል ብስራት ‘ኢየሱስ ክርስቶስ’ ናብ ካልኦት ምብጻሕ ማለት እዩ” ዝብል ምዃኑ ገሊጾም፣ መንእሰይ፦ “ሓቀይናን ተኣማኒ ምስክርን ልኡኽን ክኸውን ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን እምነት ክፍለጥ ይግብኦ፣ ማለት ናይቲ ከተቕርቦ ወይ ድማ ከተካፍሎ ኣትደሊ ተኣምኖተ ሃይማኖት ዓሚዩቕ ምፍላጥ ይሓትት እዚ ድማ ናይ ኩሉ ክርስትያን ሓላፍነት እዩ። ክርስቶስ ኣዚና ኣብ ምፍላጡ ምስ እንዓብይ ማዕረኡ ብኻልኦት መታን ክፍለጥ ኣብ እነቕርቦ ምምስካሩ እዚና ንዓብይ፣ ተኣማንነት ምስክርነትና መምዘኒ ኣሜንና እዩ፣ ምስኡ ኣብ ምዝራብ ምስ እንዓብይ ማዕሪኡ ብዛዕባኡ ኣብ ምዝራብ ንዓብይ” ምስ በሉ ብቕዓትን ክእለትን መንእሰይ፣ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ዓቢ ግምት ክወሃቦ ከምዘለዎ ድማ ኣተሓሳሲቦም፦ “መንእሰይ ናይቲ እዚዩ እናማዕበለ ዝኸይድ ዘሎ ናይ መራኸቢ ብዙሃን መጋበርያ ተጠቃሚ ክፍሊ ሕብረተሰብ እዩ። እቲ ዘለዎ ናይቲ ሓድሽ ምዕባለ መራኸቢ ብዙሃን ሰፊሕ ተጠቃምነቱን ብቕዓቱን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገልግሎት ከውዕሎ” ሓደራ ከምዝበሉ ጂሶቲ ገሊጾም።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብቲ ዘተሓላለፍዎ መልእኽቲ ብዛዕባ ተስፋን ምትብባዕን ንመንእሰያት ኣመልኪቶም፦ “ብናይ እግዚኣብሔር ሓይሊ ፍቕሪ ክትምርሑ ገዛእ ርእሱኹም ንኣኡ ኣቕርቡን ኣብኡ ገዛእ ርእስኹም ኣንብሩን እቲ ኣብ ገዛእ ርእስኻ ተዓጸው ዝብል ዓለም ዝሰብኮ ዓይነት ፍትወት ርእሲ ‘ገዛእ ርእሳዊ ዓለም’ ንዘሰንፍ ፍቕሪ ገዛእ ርእስኹም ኣቕርቡ፣ ናብ ብጾትኩምን መሳትኹምን ካልኦት እውን ምስ እግዚኣብሔር መታን ክራኸቡ ናብኣቶም ናይ ምኻድ ትብዓት ይሃልኹም። ኣብ ምስክርነትን ምብሳርን እምነት ዝህልው ወይ ድማ ዝርአይ ዘይብቑዕነትን ኣኽእሎት ዘይምህላውን ድኽመትን እዩ ከፍርሓና ዝግብኦ። ምእንቲ’ዚ ብርቱዕ ምስክርነት ንምቕራብ ኣብ ጸሎትን ቅዱሳት ምስጢራት ዝተሰረትና ክንከውን ይግብኣና። ስለምታይ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ጸሎት ዝነቕልን ብጸሎት ዝድገፍን ዝተባባዕን እዩ። ብዛዕባ እግዚኣብሔር ንምዝራብ ክከኣለና መታን ቅድም ቀዳድም ምሳኡ እንዛረብ ክንከውን ይግብኣና። “ኣብ ክርስቶስ ዘሎካ እምነት ኣብ ማኅበራዊ መዳይ ምምስካር ዘይፍቐደለን ናይ ሃይማኖት ነጻነት ኣብ ዘይክበረልን ሃገራት ዝነብሩ መንእሰያት ጠቒሶም፣ መንእሰያት ጽንዓትን ተኣማንነትን ኣብ እምነቶም ክህልዎም ዝተጽውዑ እዮም” ምስ በሉ ንዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2013 ዓ.ም. ሪዮ ደ ጃነይሮ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፦ “መንእሰያት ኣብ ናይ ክርስትና ተኣምኖተ ሃይማኖት ኑዛዜ ዝጸንዑ መታን ክኾኑ ቤተ ክርስትያን ናይ ግድን ተድልዮም፣ ምእንቲ’ዚ ወትሩ ከም ኣባላት ማኅበረ ክርስትያን እምነትና ንምስክር፣ ዋሕስ ፍርያማ ወንጌላዊ ኣገልግሎትናን ተልእኾናን እቲ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘሎናን ኣብ ቤተ ክርስትያን እንነብሮ ሱታፌ እዩ”፣ እንክብሉ ከምዘጠናቐቑ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጾም።







All the contents on this site are copyrighted ©.