2012-11-16 16:41:42

1ይ ሰንበት ዘአስተምህሮ 2005 ዓ.ም.(11/18/2012)


መዝሙር ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማስን . . በደልና አይዘከሮን ።
ንባባት ሮሜ 510~ፍ፥ 1ዮሓ 21~18፥ ግ.ሓ. 221~12፥ ማቴ65~16
ስብከት “እትዝክር ለነ አበሳነ ዘትካት። ፍጡነ ይርከበነ ሣህልከ እግዚኦ። እስመ ተመንደብነ ፈድፋደ”። “ንዝሓለፈ በደልና አይትቝጸረልና፤ ቀልጢፍካ ምሕረት ግበረልና፤ ከመይ ተስፋ ቆሪጽና አሎና”። መዝ 79፡8 ( ቅዳሴ ዘእግዚእነ፤ ነአኩተከ)።
ካብ ኅዳር 7 ክሳብ 7 ታሕሣሥ ወይ 13 ዘሎ ጊዜ ዘአስተምህሮ ይብሃል፥ አብ ቀዳማይ ሶምን ናይ አምላኽ ሕያውነት፥ ትዕግስቲ፥ ክብርን ምስጋናን ነቕርብ። ሎሚ ቀዳማይ ሰንበት ዘአስተምህሮ ዘኪርና አሎና። ዘአስተምህሮ ሓምሽተ ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ። አብዚ ሓምሽተ ሰናብቲ ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ትምህርትን ዝገበሮ ናይ ምሕረት ሥራሕን ክነስተንትን የዘኻኽረና። አበሳና አይዘከረን (ዘኽታማት ክንከውን አይሓደገናን) ክንጠፍእ አይሓደገናን እናበለ መዝሙር ናይ አምላኽ ቅሩቡነት ንደቂ ሰባት ይነግረና። ኢየሱስ ንደቂ ሰባት ቃል ሃይማኖት የስምዖም ነበረ፥ ኩሉ መገዲ ድሕነት ነገሮም፥ ኮይኑ ግን ሰባት ልቦም አይከፈቱሉን ርሓቕዎ፥ እኳ ድአ አብ መጭረሽታ ቀተልዎ። ሎሚ ነፍስ ወከፍና ተቐበልቲ ቃል አምላኽ ክንከውን ዕዱማት ኢና። ንመገዲ አምላኽ ክንፈልጥ እሞ አብ ጉዕዞ ድሕነት ክንጸንዕ።
ቀዳሞት ወለድና አዳምን ሔዋንን ንምሕረት አምላኽ ስለ ዝፈርሑ ክሕብኡ ክሃድሙ ተረኺቦም አምላኽ ግን ደልዩ ረኺቡ ተዓሪቕዎም። ምሒረኩም አሎኹ እንተኾነ ግዚኡ ክሳብ ዝበጽሕ ዘመን ንስሓ ዘመን ምቅርራብ ክኾነልኩም ብተስፋ ተጸበዩ እናበለ እሙን ቃሉ ሂብዎም። አብ ሕይወትና ሓደ ዝበደልናዮ ሰብ እሞ ቀሊል ዘይኮነ በደል ፈጺምና እንተ ኾና ክምሕረና ክዕረቐና እንከሎ ዝስምዓና ሓጎስ ወሰን የብሉን። ናይ አምላኽ ምሕረት መግለጺ የብሉን። ኢየሱስ ክርስቶስ ኩሉ ሕይወቱ ምሕረት አምላኽ ብቃሉ ብተአምራታቱ ብምሳሌኡ ገሩ ገሊጹልና።
አብ ምሕረት አምላኽ ክንርከብ እንታይ የድልየና፡

ናይ ሎሚ ወንጌል ምስ አምላኽ ብግልና ክንገብሮ ዝግብአና ብፍላይ ሰብ ዝርእዮ ዘይኮነ አምላኽ ዝርእዮ መገዲ ሒዝና ክንጉዓዝ ከም ዝደሊ ይነግረና። ዕላልና ምስ አምላኽ ብሕቡእን ብልብን ክኸውን ከምዘለዎ ከምኡ ምስ ሓውናን ሓፍትናን ዘሎና ርክብ አብቲ ምስ አምላኽ ዝህልወና ርክብ ወሳኒ ከምዝኾነ ይነግረና። አብቲ ኢየሱስ ዘስተምሃረና ሰማያዊ ጸሎት “ ንሕና ንዝበደሉና ከም ዝኃደግናሎም በደልና ኅደገልና” እናበልና ክንጽልን ሕይወትና ክንመርሕ ከምዝደልየና ንርኢ።
ሕድገት ምምሓር መሰረታውያን ነገራት አብ ክርስያናዊ ሕይወትና እየን። መለልይና ፍቕሪ ምምሓር ሰላም እዩ ክኸውን ዘለዎ። ብምንታይ ንልለ አብ ስድራና አብ ሓዳርና አብ ቍምስናና ከመሎና ኢልና እንተ ረኤና ርአዩለይ ዘድልዮ ጉዳይ አይኮነን። ሰብ ሎሚ ንሰብ ክሓሚ ክጸልእ ከካፍእ ናተይ ኢሉ ዝሓዞ እዩ ዝመስል። ናይ ኃጢአት ትርጉምን ዘስዕቦ ጉድአትን ዝዘንጋዕናዮ ኢና እንመስል። አነ ዝብል ስምዒት ወሪሱና ልብና እና ሃረምና ከይንትንከፍ አነ ጎብለል እዩ መለለይና። ጥልመት ኽሕደት ጽልኢ አብ ነነድሕድካ ሕሜት፥ ንዕርቂ ንሰላም ደሪቕካ ምእባይ፥ ምንዕዓቕ ዳርጋ መለልዪ ሰብ ኮይኑ አሎ። ክንምለስ እንታይ ንግበር። ኢየሱስ አብ “አብ ቤትካ እቶ ማዕጾኻ ዓጺኻ ናብቲ ብሥዉር ዘሎ አቦኻ ጸሊ፥ እቲ ብሥዉር ዚርኢ አቦኻ ድማ ብግልጺ ኪፈድየካ እዩ” (ማቴ 6፡6) ይብለና። አብ ውሽጥና አቲና ዘተ ምስ አምላኽ ክንጅምር ይግብአና። አምላኽ ንልብና ክብሕቶ ክነፍቅደሉ ቅሩባት ንኹን።
ዕለት ዕለት ንአምላኽ ዝኸውን ጊዜ ክንህብ ዓቢ ጥቕሚ አልኦ። ንጋሆ ክንትንስእ ከሎና ክንጽሊ እሞ ነዛ ዝሃብካኒ ዕለት ከምቲ ንስኻ እትደልዮ ከውዕላ ሓግዘኒ ክንብሎ። ምሸት ቅድሚ ምድቃስና እውን ነቲ በዛ መዓልቲ ዝሃበና ክነመስግኖ ናይ ሕልና መርመራ ገርና ሕይወትና ክንፈልጥ እንገብሮ ንዕብየት መንፈስን እምነትን ዓቢ ተራ አልኦ። ስድራታት ብሓባር አብ ገዝኦም ምስ ደቆም ዝጽልዩሉ ጊዜ ክውስኑ ዓቢ ጥቕሚ አልኦ። ጸሎት እንተገበርና አምላኽ ንፈልጦ አሎና ማለት እዩ። መምህርና ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ከየቋረጽኩም ጸልዩ ይብለና። ብሓባር አብ ዝግበር ጸሎት ብፍላይ ቅዳሴ ሰንበትን በዓላትን ግድነት ክንሳተፍ ይግብአና። ንክርስቶስ ክንረኽቦ እሞ ጸገምና ክነካፍሎ። አብ ዝተፈላለየ ንመንፈሳውነትና ዝሕግዘና ነገራት አፍልጦ ክህልወና እዚ ንርድኢት እምነትና የዕብዮ እዩ ነቲ ብቍምስና ዝውሃብ ሓበረታን መምርሕን ክነተግብሮ እንከሎና ፍቕሪ አሕዋትን ማሕበርን አብ መንጎና ይዓቢ።
መልእኽቲ ዮሓንስ ናይ ኩሉ መሰረት ፍቕሪ ከም ዝኾነት እሞ አብ ፍቕሪ ክነብር ይነግረና። ፍቕሪ አምላኽን ፍቕሪ ብጻይናን ክልተ አዕኑድ አብ ሕይወትና ከም ዝኾና እሞ ንክልቲኤን ክንሕልወን መሰረት ድኅነትና ከምዝኾነ ይነግረና። ንሓዉ/ሓፍቱ ዘየፍቅር አምላኽ አብኡ የለን ይብለና። መምዘኒ ፍቕሪ አምላኽ ምስ ሓውናና ሓፍትናን ዘሎና ርክብ እዩ። ነዚ እንርእዮ ሰብ ዘየፍቀርና ነቲ ዘይንርእዮ አምላኽ ክነፍቅር ዘይክአል እዩ። ስለዚ ምስ ሓወይ ሓፍተይ ከመሎኹ ክንብል እሞ አብ መንጎ ዘየፋቕሪ ዝፈላሊ እንተሎ ክንፈትሖ ይደሊ አምላኽ። ክተፍቅር ቀሊል አይኮነን ንስምዒትካ ክትመልኽ ንድለትካ ክትክሕድ እሞ ምእንቲ ሓወይ/ሓፍተይ ኢልካ ምስዋእ የድሊ። ሰባት ስለ ዝኾና ነዚ ክንገብር ደም እዩ ዝጥዕመና ምስ ገበርናዮ ግን ሰላም ቅሳነት ርግአት እዩ ዝፈጥረልና። ቅ. ዮሓንስ አብ ብርሃን ተመላለሱ ይብለና። እቲ አባና ዝበርህ ብርሃን ነቲ ብሰይጣን ተሸኒፉ ዘሎ ወገና ክመልሶ እዩ ሓንትስ ንሕና ናይ ክርስቶስ ብርሃን ክመልከና ነፍቅድ።
ሰብ ሎሚ ካብ ኩሉ ከቢድዎ ዘሎ ፍቕሪ አብ ነነድሕዱ ምግዳሉ አዩ፥ አብ መንጎ አሕዋት አብ መንጎ ደቂ ዓዲ አብ ከባቢ ከምኡ ብሃገር ደረጃ እንተ ረኤና ካብ ዝፋቐር ዝጻላእ ይበዝሕ። ፍቕሪ ካብ ሰብ ርሒቁ ነነድሕድና ጸሊእና አብ ቅትለት አሕዋትና ክንውዕል ዘይከብደና ኮና ንነብር አሎና። አብዛ ንእሽቶይ ሃገርና እንተ ረኤና ዘሎ ጽልእን ቅርሕንትን ሓመታን ደረት የብሉን። ዓለት ወገን ሃብቲ ቀንዲ መፈለለዪ ኮይኑ ንሕውነት ቀቢርናያ ከም እንስሳ ንባላዕ አሎና። ሰብ ንሰብ ገለ ብዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ገለ ኸአ ጊዜ ሂብዎ ንሰብ ዝገፍዕ አይወሓደን፥ እዚ ኹሉ ፍረ ኃጢአትን ፍቕሪ ምስጎደለ ዝመጽእ እዩ። ሰብ ክቡር ፍጡር አምሳል አምላኽ እዩ ክነፍቅሮ ናታትና ውሳኔ አይኮነን አምላኽ እዩ ወሲንዎ። ኢየሱስ ንቅዱስ ጴጥሮስ ዝሓተቶ ተፍቅረኒዶ? ዝበሎ ሎሚ ንነፍሲ ወከፍና ተፍቅረኒዶ እናበለ ይሓተና አሎ። መልሲ ካብ ነፍስወከፍና ብግልና ክንህቦ ኢየሱስ ይጽበ አሎ። ፍቕሪ እንተሎ አብ ምሕረት ሕድገት እዩ ዝወስድ እሞ ንፍቕሪ ኩልና ነናድያ አብ መንጎና ነሕድራ ሽዑ እሙናት አርድእቲ ኢየሱስ ምዃና ክርኤ እዩ።
ቅዱስ ጳውሎስ አብ ሰብ ሮማ አብ ዝጸሓፋ ንሎሚ ዝተነበትልና ሳዕቤን ኃጢአትን ብክርስቶስ ዝተዋህበ ጸጋ እና አወዳደረ ሕይወትና ክንመርሕ ይምዕደና። ድኽመትና ባህርና ፈሊጥና አብ ምሕረት አምላኽ ክንምለስ ምዃኑ እቲ እንኮ ምርጫ ይሕብረና። ሥጋና ድኹም ባህሪ ስለ ዘልኦ ነቲ ካብ ክርስቶስ ዝተረኽበ ጸጋ እናንነጸገ እዩ ዝነብር ስለዚ ክንበራበር ንሥጋና ከይንምለኽ እሞ ካብ ሕጊ አምላኽ ወጺእና አብ ናይ እዚ ዓለም ሓሸውየ ከይንርከብ ከነስተውዕል ይነግረና።
ዋጋ ድኅነትና ደም ክርስቶስ እዩ ንሱ አብ መስቀል መይቱ ደቂ ሰማይ ገሩና እዩ። “ ብደሙ ዝጸደቕና ካብ ኮና መዋርስቱ ኢና”። አነ ድኂነ እየ ኢልና አብ ጎደና ድኅነት ክንመላለስ እዩ ዕድሎትና። ነቲ አረጊት ባህሪኹም ቅበርዎ ሓዲስ መንፈስ ክርስቶስ ልበሱ ይብለና አሎ። ልብና ንአምላኽ ከፊትና ንሓዲስ ሕይወትን መንፈስን ቅሩባት ክንከውን ንዕደም አሎና።
አበሳና ኃጢአትና ዘይርኢ አምላኽ ኩሉ ጊዜ ክምሕረና አፍደገ ምሕረቱ ምስከፈተልና እዩ። ሎሚ በዚ ብሩኽ ሰንበት እውን አብኡ ተመሊስና እሙናት ደቍ ኮና ክንርከብ እዩ ዝደልየና ዘሎ። ኩሉ ቆልዓ ምስዲኡ ምሰብኡ ዘሎ ዋሕስ ስለ ዘልኦ ርእሰ ተአማንንነት አልኦ፥ ብፍላይ ሕፃን ከሎ ናይ አደ ህላዌ ወሰን የብሉን። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ዋሕስ ኮይና አብ ጉዕዞ ሕይወትና እትሕግዘና ማርያም እያ። ንሳ ጥፍአት ደቃ አይትደልን እያ። አብቲ ወዳ ዝደልዮ ተጸሚድና ሕይወትና ክንመርሕ እያ እትደልየና። ሎሚ እምብአር አብዚ መገዲ ወድኺ ጠፊእና ፍቕሪ አድሕድ አጉዲልናሉ ዘሎና እዋን ለምንልና ምስ ወድኺ ዕረቕና ንበላ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.