2012-11-15 14:48:17

ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት 2013 ሪዮ ደጃነይሮ


እቲ ካብ ዕለት 23 ክሳብ ዕለት 27 ሓምሌ 2013 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ብራዚል ከተማ ሪዮ ደጃነይሮ ንኽካይድ ዝወሰንዎ ብኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዝዳለው ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ምኽንያት ናብ ብራዚል ዝነቕል መንፈሳዊ ነጋድን ተሳተፍትን ካብ ዝርከብሉ ዓዲ ካብ ዝርከብ ናይ ብራዚል ቤት RealAudioMP3 ጽሕፈት ልኡከ መንግስቲ ዝሓቶ ናብ ብራዚል መእተዊ ፍቓድ ዝኽፈል ግብሪ ናጻ ክኸውን ናይታ ሃገር መንግስቲ ዘጽደቖ ውሳኔ ከምዘመልክቶ ናይ ረፓብሊካዊት ብራዚል ወግዓዊ ጋዜጣ ሓቢሩ።
እቶም ኣብቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ክሳተፉ ዝደልዮ ናይቲ ካብ ግብሪ ናጻ ዝገብር ውሳኔ ተጠቕምቲ ንኽኾኑ ሕቶ ዘቕርብሉ ቀጥዒ ኣብ ናይ ብራዚል ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒ. ወግዓዊ ድረ ገጽ ተነቢሩ ከምዝሎን፣ እቲ ናብ ብራዚል ናይ መእታዊ ፍቓድ ን90 መዓልቲ ኣብ ብራዚል ቅንዮት ዝፍቕድ ከምዝኾነን እዚ ዓይነት መእንተዊ ናብ ብራዚል ክሓቱ ዝደልዩ ክሳብ ዕለት 28 ሓምለ 2013 ዓ.ም. ዕድል ከምዘለዎ ድማ ናይቲ ኣብ ብራዚል ንኽካይድ ኣብ ዝተወሰነ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ተሳተፍቲ ጉዳይ ዝከታተል ናይ ብራዚል ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ ድርገት ሊቀ መንበር እናቴ ማሪያ ሻኢኣነ ማቻዶ ገሊጸን ቅድሚ እቲ ግብሪ ዘይክፈሎ ናብ ባራዚል መእተዉ ፍቓድ ንምሕታት ኣብቲ ናይ ብራዚል ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንእሰያት ንኽትሳተፍ ከምእተመዝገብካ ዝገልጽ ሰነድ ክህልወካ ይግባእ እንክብላ ከምዘነጸራ ናይቲ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ መንሰያት ኣሰናዳኢ ኮሚቴ ዝመሓላለፎ መግለጺ ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.