2012-11-15 16:37:30

ር ሊ ጳ ሐላፊ ምምሕዳር ፕሮቶኮል ቫቲካን ሰይሞም ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ብጹዕ አቡነ ኾሰ አቨሊኖ በተንኩርት ናይ ምምሕዳር ቫቲካን ፕሮቶኮል አውራ ሐላፊ ኮይኖም ከገልግሉ ከም ዝሰየምዎም መግለጺ ቫቲካን ሐበሬታ ሂቡ ።
ብፁዕ አቡነ ኾሰ አቨሊኖ በተንኩርት ዜጋ ፓርቱጋል ብ23 ግንቦት 1962 መዓረገ ክህነት ዝተቀበሉን ህገ ቆኖና ቤተ ክርስትያን ዘጽንዑን በ1999 አብ ዓውደ መጽናዕቲ ዲፕሎማሲ ቫቲካን ዝአተዉን አብ ረፓብሊክ ኮንጎ ናይ ቅድስቲ መንበር ሐዋርያዊ ወኪል ማለት አምባሳደር ኮይኖም ዝገልገሉን ከም ዝኾኑ ተነጊሩ።
እቲ ብቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 ዝተደርሰ ስለ ኢየሱስ ሕጻን ዝትርኽ መጽሐፍ ዝመጽእ ዘሎ ሰሙን 20 ሕዳር ብወግዒ ንህዝቢ ከም ዝፋለጥ አብ ቫቲካን ዝወጸ መግለጺ አመልኪቱ ።
ነዚ መጽሐፍ”ዚ ዘፋልጡ አብ ቅድስቲ መንበር ንባህሊ ዝቆመ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ብጹዕ አቡነ ጂያንፍራንኮ ራቫዚ ከም ዝኾኑ እቲ መግለጺ አፍሊጡ ።
እቲ መግለጺ ከም ዘመልክቶ እቲ አብ ቤት ማሕተም ቫቲካን ዝተሐትመ ሕጻንነት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝትርኽ ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ዝተጻሕፈ መጽሐፍ አብ ሮማ አዳራሽ ፒዩስ መበል ዓሰርተ አዳራሽ ከም ዝካየድ አፍሊጡ አሎ።
እቲ መጽሐፍ ንህዝቢ አብ ዝላየለሉ ግዜ አብ ብራዚል ሪዮዲጃነሮ ጳጳሳዊ ዩኒቨርሲቲ ናይ ሥነ መለኮት ፕሮፈሶር ማሪያ ክላራ ቢንገመርን ካልኦት ዕድመ ዝተገብረሎም ናይ ቤተ ክህነትን ሲቪልን ሰበስልጣናት ከም ዝርከቡ እቲ ርክብ ብናይ ቅድስቲ መንበር አቀባሊ ቃል ብአባ ፈደሪካ ሎምባርዲ ከም ዝቅለስ እዚ አብ ቫቲካን ዘወጸ መግለጺ ሐበሬታ ሂቡ አሎ ።








All the contents on this site are copyrighted ©.