2012-11-15 16:46:26

ሩስያ: ሂላርቶን አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብሪጣንያ አመልኪቶም ፡


አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያ አብ ዝሐልፈ ቀረባ ግዜ ንሮዋን ዊልያምስ ተኪኦም ናይ ካንተበሪ ሊቀ ጳጳስ ኮይኖም ከገልግሉ ንጃስቲን ቨልቢ ከም ዝመረጸት ክዝከር ከሎ ፡ ናይ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ፓትርያርክ ብጹዕ ወቅዱስ ክሪል ናይ እንቃዕ አሐጐሰኩም መልእኽቲ ከም ዝሰደዱ ክፍለጥ እንከሎ
ናይ ሩስያ ፕትርክና ናይ ወጻኢ ጉዳያት አውራ ሐላፊ ሜትሮፖሊታን ሂላርዮን ንአንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያን ንኦርቶዲክስ ተዋህዶ ብ ኤተ ክርስትያን ዘየቀራርብ ጉዳይ ከም ዘሎ ጠቂሶም ፡ ምኽንያቱ አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ግብረ ሰዶማውያን ክምርዓዉ ስለ ትፈቅድን ንደቀንስትዮ መዓርገ ክህነት ስለትህብን አብ ሞንጎ ኦርቶዶክስ ተውህዶ ቤተ ክርስትያን ሩስያን ኣአብ ሞንጎ አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያን ዓቢ ጋግ ከም ዘሎ ከም ዝግለጹ ሲር አገልግሎት ዜና ዝዘርግሖ ዜና አፍሊጡ ።
አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ዓሰርተ ሐደ ዓመታት ጉባኤታትን ዘተን ሊቀ ጳጳስ ካንተበሪ ዝነበሩ ሮዋን ዊልያምስን እዞም ሕጂ ዝተመርጹ ጃስቲን ቨልቢን ደቀንስትዮ መዓርገ ክህነት ክቅበላ ከም ዝተወሰነ ሲር አገልግሎት ዜና አመልኪቱ ።
ናይ ሞስኮን ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ፕትርክና ናይ ወጻኢ ጉዳይ አውራ ሐላፊ ሜትሮፖሊታን ሂላርዮን ተቂሱ ሲር አገልግሎት ዜና ከም ዘመልከቶ አብ ሞንጎ ኦርቶዶስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ሩስያን አንገሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዓባይ ብሪጣንያ ካብ መበል 15 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ጥንታዊ ምሕዝነት ከም ዝነበረ አረጋጊጾም ካብ መወዳእታ መበል 20 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ክሳዕ ሳልሳይ ሺሐኛ ዓመት ዘሎ ግዜ እቲ ርክብ ክምህምን ከም ዝጀመረ አብሪሆም።
ብናይ ሞስኮን ኩላዊት ሩስያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን መንፈሳውን ቤተ ክርስትያናውን ሕገ ቆኖናን እምነትን ክልተ ሐደ ዓይነት ጾታ ዘለዎም ሰባት ብቃል ኪዳን ከተአሳሰሩን ሐዋርያዊ ጓሶት ክኾኑን መዓርገ ጵጵስና ክቅበሉን ፍጹም ተቀባልነት ከም ዘይብሉን ፡ መዓረገ ክህነት ደቅንስትዮ ፡ ክአ ከም ዘይትድግፍ ሜትሮፖሊታን ሂላርዮን ከም ዘገንዘቡ እቲ አገልግሎት ዜና ሐበሬታ ሂቡ ።

እዚ ጉዳይ”ዚ ንኦሪታዊ ባህሊ ቤተ ክርስትያን ዝጻረር ንሐድነት ክርስትያን ዕንቅፋት ዝኽውን ከም ዝኾነ ክአ ሜትሮፖሊታን ሂላርዮን ከም ዝገንዘቡ ተፈሊጡ አሎ







All the contents on this site are copyrighted ©.