2012-11-10 10:27:34

ማርያም ጸግዒ ጽጉማት ፮ ዘጽጌ 2005ዓ.ም. (11 ኅዳር. 2012)


ማርያም ቍስቋም
መዝሙር፡ ክርስቶስ ሰንበት ሰርዓ. . . . . ።
ንባባት፡ ሮሜ 11፡13~25፥ ራእ 12፡13~ፍ፤ ግ.ሓ. 11፡1~12፤ ማቴ 2፡13~18።
ስብከት፡ “ዓፀደ ወይን አፍለስከ እምግብጽ፤ ሰደድከ አሕዛበ ወተከልከ ክያሃ፤ ወጼሕከ ፍኖተ ቅድሜሃ”።
“ካብ ግብጺ ወይኒ ጉንዲ አምጻእካ፤ ንአሕዛብ አባሪርካ ንአኣ ተኸልካ አብ ቅድሚአ መገዲ(ቦታ) ጸረግካ (አሰናዶኻ”። መዝ። 80፡8
መዝሙር፡ ክርስቶስ ሰንበት ሰርዓልና ብአኡ ሓቢርና ክንሕጎስ ዕረፍቲ ክትኮነና ሃበና። አዕጫው ወይኒ ዓምበቡ ቀኒሞስ(ቃርፋ) ፈረየ፥ ሰለሙን እኳ ከምዚኦም ግርማ አይለበሰን።
መጨረሽታ ሰንበት ዘጽጌ ወይ ፮ ሰንበት ዘጽጌ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ማርያም ካብ ምድረ እስራኤል ምስ ዮሴፍን ኢየሱስ ሕፃንን ንምድሪ ግብጺ ዝሃደሙሉ የዘኻኽረና።
መልአኽ ብስራት ልደት ክርስቶስ ከበስራ እንከሎ “ማርያም አብ ቅድሚ አምላኽ ጸጋ ረኺብኪ ኢኽሞ አይትፍርሂ እንሆ ክትጠንሲ ወዲውን ክትወልዲ ስሙ ኸአ ኢየሱስ ክትስምይዮ ኢኺ. . . . . . . ንሱ አብ ሕዝቢ እስራኤል ንዘለዓለም ኪነግስ እዩ መንግስቱ ኸአ መወዳእታ የብሉን በላ (ሉቃ 1፡30~38)። ዕሞቕ ምስጢር ትስብእቲ ክርስቶስ ማርያም ክትርድኦ አይከአለትን እንተኾነ ካብ አምላኽ ዝተላእከ ስለ ዝኾነ ተቀቢላቶ። ከም ዝበልካዮ ይኹን ኢላ እሽታአ ብዘይ ጥርጥር ገሊጻ አምላኽ አብ ከርሳ ሓዲሩ።
ብዓይኒ ሰብ ክርእዮ ከሎና አምላኽ አብ ዘልኦ ኩሉ ሰናይ አሎ ስለዚ ሕይወት ማርያም ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ብሓጎስ ክተሕልፎ ኢኻ እትጽበ እንተኾነ ኩሉ ሕይወታ ብጸገም እያ አሕሊፋቶ። መምህር ወይ ምሉእ ተምክሮን አፍልጦን ጸገም እትፈልጥ እያ ስለዚ ንኹልና ትርጉም ጸገምን ምስጢር አጸዋውራ ጸገምን ክትሕብረና እትኽል ፍልይቲ አደ እያ።
ጸገማ አብ ሕርሲ እዩ ጀሚሩ እቲ ንቡር ዝኾነ ሰብ ዝረኽቦ ገዛ እትሓርሰሉ ስኢና አብ በረኻ አብ ብዓቲ እሞ አብ ጊዜ ቍሪ ንበይና ምስ ዮሴፍ ሕጹያ ክትሓርስ እንከላ ቀሊል አይነበረን፥ እትኽበድ ስቓይን ኩሉ እትሓርስ አደ እትረኽቦ ስቓይ ከምስእሊ አብ ዓይንና ክንርእዮ ንኽእል። እዚ ሓሊፉ ስምኦን ነብይ ሰናይ ብስራት አይሃባን “ እንሆ እዚ ሕፃን እዚ አብ እስራኤል ንብዙኃት ምኽንያት ምውዳቖምን ምትንሣኦምን ከምኡውን ዘይቕበልዎ ምልክትን ኪኸውን ዝተመደበ እዩ፥ንአኺ ኸአ ሓሳባት ልቢ ብዙኃት ምእንቲ ኪግለጽ ኃዘን ንልብኺ ከም ሰይፊ ኪስንትቖ እዩ በላ” (ሉቃ 2፡34~35)። እዚ ንሓንቲ አደ ዕሸል ክበዱ ብቐሊል ክንርድኦ ንኽእል። መድኃኒ ዓለም ዝብል ብስራት ዝሰምዔት ማርያም ሕጂ ነቢይ አምላኽ ሽማገለ ሰብ ነዚ ክብላ እንከሎ ዝስምዓ ስቓይን ጓህን ክንግምቶ ንኽእል።
ነውሕ ከይጸንሔ ጌና ሓራስ እንከላ መራሕ ሃገር ምስ ሰራዊቱ ንበዂሪ ወዳ ክቐትሎ ደልዩ ሃዲንዎ። እቲ ብስራት ዝነገረ መልአኽ ህደሙ ነዚ ሕፃን ክቐትሉ ዝደልዩ ይመጽኡኽም አለዉ ዝብል ሓበረታ ንአአን ንዮሴፍን አብርእሲ ጸገም ጸገም ወሲኽዎም። መራሕ ሃገር ክቐትለካ ክአስረካ ምስ ደለ አበይ ከምእትኸይድ ይጠፍአካ። ብዙሓት አሕዋትና ነዚ አብ ሕይወቶም ዝገጠሞም አለዉ ብፍላይ አብ ጊዜ ሃገርና አብ ኢድ ገዛእቲ ዝነበረትሉ እዋን፥ ሕጂ እውን እቲ ፍርሒ አሎ፥ መንእሰያት ዓዶም ሓዲጎም አደዳ ስደት ዝኾኑ ንርኢ አሎና። ሕይወትካ ክተድሕን ዘይግበር የለን። እዚ ሎሚ ደቅናን አሕዋትና ዝሳቐዩሉ ዘለዉ በረኻ ሲናይ ማርያም ምስ ወዳ ቅድሚ ክልተ ሽሕ ዓመት ረኺባቶ። ምስ ዕሸል ወዳ እሞ ምስ ጽምእን ጥመትን ክትጐዓዞ ከቢድ ከምዝኾነ ኩልና ክንግምቶ ንኽእል። አብ መገዲ ዝጓነፈካ አይትፈልጥን እሞ አብ ዓዲ ጓና ክትስደት እንከሎኻ ናይብሓቂ ምረቱ ብዙሓት አብ ሕይወትኩም ርኢኽምዎ ኢኹም። ንሞት ትእትምነየሉ ጊዜ አሎ አብ ዓደይ መይተ እንተ ዝኸውን ይሕሸኒ ትብል ኩሉ ከቢድኳ ትብሎ ይጠፍአካ። እዚ እያ ምርያም አብ ሕይወታ ተጓኒፍዋ።
ናብራ ስደት ኩሉ ጊዜ ምስሓሰርካ ምስተሰከፍካ ምስ ፈራሕካ እዩ። ልብኻ ቀልብኻ ኩሉ አብ ዓድኻ ምስ ጠመተ እዩ። ንዘሎኻዮ ዓደይ ከይበልካ ኩሉ አብ መንጎ ሰንፈላል ኢልካ ከሎኻ ይውዳእ። አብ መንፈሳዊ ሕይወትና ኩልና ስደተኛታት ኢና እዚ አይኮነን ዓድና አብ ጉዕዞ ኢና ዘሎና ስለዚ ንሰማይ ዝኸውን ስንቂ የድልየና።ቅድስት ስድራ አብ ዓዲ ግብጺ ድሕሪ ምጽናሕ ንዓዶም ተመሊሶም አብ ስደት አይዓረቦምን። አብዚ እውን ስለ ዝፈርሑ አብታ ንእሽቶይ ዓዲ ናዝሬት ከም ማንም ሰብ ኮይኑ ዓብዩ። ግዚኡ ምስ አኸለ ንስብከት ወፊሩ።
አብ ተልእኮኡ ኩሉ ጊዜ ማርያም አዲኡ ምስኡ ትጉዓዝ ነራ እዚ ቀዳመይቲ ረድእ ይገብራ። ንሳ ወዳ አብ ዓዲ ተመሊሱ እቲ ዘምጽኦ ጉዳይ ድኅነት ክገብር እንከሎ ዝጓነፎ ዝነበረ ተጻብኦ ውርደት ድፍረት ኩሉ ትርኢ ነራ። ኩሉ ሰናይ እናገበረ እንከሎ ዝወርዶ ድነበረ ውርደት የሳቕያ ነሩ። አብ መጨረሽታ ብአይሁድ ክዋረድ ክሳቐ አብ መወዳእታ ኸአ ከም ሓደ ሰራቒ ምስ ሰረቕቲ ዓመጽቲ ክመውት ክትርኢ ኢንከላ እቲ ስቓይ ናይ ብሓቂ መሪር እዩ ነሩ። ንኹሉ ከም ፍቓድካ ይኹን ኢላ ተቐቢላቶ።
ማርያም እታ መጀመርያ መስዋዕቲ ቅዳሴ ዝሰውዔት እያ ክንብል ንኽእል ምኽንያቱ ንወዳ መድኃኔ ዓለም አብ ጎቦ ቀራንዮ ክስዋዕ እንከሎ ንሳ ነቲ መስዋዕቲ ብመንፈሳ ምስኡ ሓቢራ ተዕርጎ ነራ። ንዝስምዓ ዝነበራ ስቓይ ቃንዛ ወላዲት ከም መስዋዕቲ ብትዕግስቲ ተዕርጎ ነራ። ሓንትስ ደቀይ ምስ ፈጣሪኦም ይተዓረቑ እምበር አነስ ንኹሉ እቕበል ኢላ ቃል አትያ ስለ ዝነበረት አብ ጎቦ ቀራንዮ ዝተወፈየ መስዋዕቲ ንአአ ክብሪ ዓወት እዩ ነሩ። ምስ ወዳ ኮይና ተፈጸመ ኩሉ ትብል ነራ።
ካብ ስቓይ ማርያም እንታይ ንምሃር፡

ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ምድራዊ ሕይወቱ ብስደት ጀሚርዎ ዓዲ ጓና መዕቆቢኡ ገሩ ጀሚርዎ። አብቲ ዝተመደቦ ዕለት ክሳብ ዝበጽሕ ከም ማንም ሰብ ኮይኑ አብ መንጎ ሰብ ናዝሬት ተቐሚጡ፥ ንወለዱን ቤተ ሰቡን እናተአዘዘ ከም ማንም ሰብ ኮይኑ ዓብዩ። እዝስ እቲ እንፈልጦ ወዲ ዮሴፍ ወዲ ማርያምዶ አይኮነን እናበሉ ይግረሙሉ ነሮም፥ ማርያም እውን ነዚ ኹሉ አብ ልባ ትሕዞ ነራ እናበለ ሉቃስ ይነግረና። ትሕትና ትዕግስቲ አብ ሕይወትና መሰረታውያን መለልይና ገርና እንተ ተጎዓዝና ኩሉ መሊኽና ክነብር ንኽእል ኢና።
ምስ ማርያም አብ ኩሉ ክንጉዓዝ እሞ ምስጢር ድሕነትና ክንርድኦ ክንፈልጦ ዝግብአና ዝግብአና ኩሉ ክንፈልጥ። እምነቱ ዝፈልጥ ክስዕቦ አየጸግሞን እዩ። ጸገም ዝበዝሕ አፍልጦ ክጎድል እንከሎ እዩ።
አብዚ ህውከት ጥለመት ስቓይ ዝመልኦ ዓለም ኩልና አብ ስደት ኢና ዘሎና። ዓደቦና ሰማይ እዩ። እንተኾነ አብ ዓዲቦና ክንአቱ ዘድሊ ነገራት አሎ።

አብዚ ዘመነ ጽጌ አብ እንዛዝመሉ ዘሎና ምስ ማርያም ክንጉዓዝ፥ ንስዕበኪ አሎና አብ ተስፋ አብ ፍቕሪ ክንበጽሕ ሓግዝና ነበላ። ንሳ ብወገና ብርታዔ ስቓይ ውርደት ስደት ብዝያዳ ስለ እትርዳእ ሓግዝና ንበላ። ብፍላይ ነቶም አብቲ ንሳ ዝተዋረደቶ ዝዋረዱ ዘለዉ ወገና አርህውሎም ንበላ። ካብቲ ዝነብዕዎ ዘለዉ ካብቲ ዝሳቐይዎ ዘለዉ ሓራ አውጽእዮም ኢልና ፍሉይ ጸሎት ነዕርገሎም። ማርያም ቍስቋም አደ ስደተኛታት አደ ግፉዓት እያ እሞ ነዛ ብሰብ ዝሰርሖ እትሳቐ ዘላ ዓለም ራህዋ ሰላም ክነግሳ ለምንልና። ንስኺ ዝለመንክዮ ከይተሰምዐ አይተርፍን እዩ እሞ ንልምነኪ አሎና ንበላ።
ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነዚ ዓመት ብእምነት ተሓዲስና ምእንቲ ክንርከብ ኢሎም ዓመት እምነት አዊጆምልና አለዉ። እዚ ንእምነት አብ ከመይ አሎ በርቲዕና ዘሎና ንነብሮ ዘሎና እምነተይን ዝነብሮ ሕይወተይን ብሓደዶ ይኸይድ አሎ ኢልና ምስ ሕልናና ክንጸባጸብ ምእንቲ እዩ። ሎሚ ሰብ ሥጋ ስዒርዎ ናይ ነፍሱ ጉዳይ ዳርጋ ካልአዊ ገርዎ ይጉዓዝ አሎ። ሰይጣን ንልቢ ብዙሓት አሸኒፉ ዓለምና አብ ግፍዒ አብ ቅትለት ተሸሚማ ንርእያ አሎና/ ካብዚ ዓዘቕቲ ክንወጽእ ኢሎም እዮም ክቡር አቦና ጉዳይ ነፍስኹም ዘንጊዕኩም አሎኹም እሞ እስከ ጊዜ ሃብዎ ይብሉና አለዉ። ክንበራበር ብድኽመትና ብዝንጋዔና ተአሚና ንሓዲስ መንፈስን ዕጥቅን በብወገና ንሕተት አሎና። ሓባራዊ መልሲ አይኮነን ዘድሊ ዘሎ ነንበይናና ኢና ክንሕተት ስለዚ ንነፍስና መጀመርያ ክንርኢ አሎና። አበሎኹ ከመሎኹ ጉዕዞይ ከመሎ ምባል የድሊ። ሰባት ስለ ዝኾና ግድን ድኽመት አሎና ስለዚ አብ ቤት አምላኽ አቲና ምስ ሕልናና ንዛረብ።
አብ አምላኽ ዝተመልሰ ሕይወት መለልይኡ ሰላም ፍቕሪ ምሕረት እዩ ስለዚ ንመለስ። እዚ እንርእዮ ሓላፊ ነገራት ልብና አደንዚዙ አብ ነነድሕድና ይኹን ምስ አላኽና አረሓሒቑና ዘሎ ሓዲግና ደቂ እቲ ሓደ ክርስቶስ ኮና ደቂ ብርሃን ንኹን። እዚ ንደቂ ክርስቶስ መለልይኦም እዩ።
ኦ ማርያም አደናን አደ ምደኅኒናን መንጎኛ ኮንኪ ዕርቂ ሰላም ፍቕሪ አብ ኩሉ ሕይወትናን ዓለምናን ብፍላይ አብ ሃገርና አብ ህዝብና አውርድልና ንበላ። ጸሎታን አማልድነታን ኩሉ ጊዜ ይሓግዘና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.