Home Archivio
2012-11-08 15:10:45
ተኸታታሊ መደብ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን
ቅድም ክብል ብምኽንያት እቲ ዝበዓል ዘሎ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምኽንያት ራዲዮ ቫቲካን ብኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባል ኣባ ዳሪዩስዝ ኮዋልዝይክ ብተኽታታሊ ታሪኽን መሰረታዊ መንቀልን ውሳኔታትን ትርጉም ውሳኔታት ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣማእኪሎም ብተኸታታሊ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ
እንክዝከር፣ ብተመሳሳሊ መልእክዕ ኣባ ኮዋልዝይክ ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተሓሳሰቦን ኣርሒቕካ ብምስትውዓል ብቕዓቱ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክዳለው እንክብል ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ተተግቢሩ እንከብቅዕ፣ እቲ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ድሮ መበል 20 ዓምቱ ይበዓል ከምዘሎን ነዚ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መዝገበ ትምህርቲ ክርስቶስ ኣደጊፉም ኣብ መባእታ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖን ከምእተሓበረ ክዝከር እንከሎ፣ ኣባ ክዋልዝይክ ብዝሓለፈ ሰኑይ፦
“ሰብ ንእግዚኣብሔር ዚፈልጠሉ ዓቅሚ ዘለዎ ምዃኑ ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዘሎ ትምንቲ እግዚኣብሔር”
ካብ ዝብል ካብቶም መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዘንበሮም ቀዳሞት ቃላት ተበጊሶም፦
“እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝተሓትመ ድልያ ወይ ድማ ሃረርታ እግዚኣብሔር ናይቲ ምስ ኢታእላው ግላዊ ርክብ ዘለዎ ሰብ ቀዋሚ ክፍለ ኣካል እዩ” ኢሎም፣ “እግዚኣብሔር ነኣዳም የፍቅረካ እየ ዝበሎን በዚ ፍቕሪ ዝፈጠሮን እዩ። እቲ ብእግዚኣብሔር ዝተፈጥረ ሰብ ከምቲ ቅዱስ ኣጎስጢኖስ ዝብሎ ‘...ኣ ጎይታይ ምእንታኻ ኢኻ ፈጢርካና’ሞ ልብና ነኣኻ ከይረኸበ ኣይከዕርፍን እዩ’…
ዝብል ዓሚይቕ ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ስነ ቅዱስ መጽሓፍን ሓሳብ ጠቒሶም፣ ኣስዒቦም፦
“እቲ ኣብ ወዲ ሰብ ዘሎ ድላይን ሃረርታን እግዚኣብሔር ፍልቀታዎ ጌጋን ዑረትን ሰብ ናተይ ዝብሎ ብገዛ ርእሱ ኣብ ገዛእ ርእሱ ናብ ኢታእላው ንምብጻሕ ዝድርኾ ዘንበሮ ዝምባለ ወይ ድማ ድላይ ዘይኮነስ፣ እቲ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከምዝብሎ፣ ሰብ ብቕዓት እግዚኣብሔር ዘለዎ፣ ብእግዚኣብሔርን ንእግዚኣሔርን ስለ ዝተፈጥረ እዩ። ስለ’ዚ እቲ ናብ ሱታፌ ምስ እግዚኣብሔር ዘብለና ‘ብቕዓት ኣብ ምዃንና’ ዘሎ ሰብኣዊ ምህዞን ወይ ድማ መሕልም ኣይኰነን፣ እንታይ ደኣ ካብ ፈጣሪናን መድሓኒንና ዝተዓደለና ሓቂ እዩ። እዚ ድማ ምኽንያት ናይ ሰብኣዊ ክብርና እዩ”
ኢሎም።
ኣባ ኮዋልዝይክ ኣስዒቦም፦
“እቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ድላይ እግዚኣብሔር ንሰምዖን ጽን ንብሎን ዶ? መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ከምዝብሎ ድማ እቲ ኣብ ምዃንና ዘሎ ትምኒት ኣግዚኣብሔር ክንዝንግዖን፣ ኣፍልጦ ዘይምሃቡን ወይ ድማ ብግልጺ ምንጻግ ከጓንፎ ዝከኣል እዩ፣ በዚ መገዲ’ዚ ነቲ ኣብ ውሽጢ ልቢ ሰብ ዘሎ ዓሚይቕ ድምጺ ክንክሕዶ ዝከኣል እዩ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ዓለም ዝረአይ ሕሰምን መከራን ብምርኣይ ዝምረጽ መገዲ ክኸውን ይኽእል፣ ስለዚ ከምቲ ወንጌላዊ ዘርኢ ኣብ ኣሿኽ መሬት ዝወድቕ በህርፋን ስልጣንን ሃብትን ብሕማቕ ኣብነት ኣመንትን ኣገልገልትን ብዝተፈላለዩ ጸረ እምነት ኣመለኻኽታ ብፍላይ ድማ እቲ ሰብ ካብ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ናብ ምኽዋል ዘብሎ ሓጢኣት ምኽንያት ነቲ ቀዳማይ ትምኒት ሰብ ክንዓብጦ፣ ከምኡ ተመሲልና ክንነብርን በዚ መልክዕ ገዝእ ርእስና ክንገልጽ ዝከኣል እዩ”
ቢሎም ኣብ መወዳእታ መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ፍቕዲ 27 ከነንብብ ዓዲሞም ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ኣጠቓሊሎም።
All the contents on this site are copyrighted ©.