2012-11-08 15:08:51

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅ.ኣቦና (7/11/2012)
ኣብ ድልያ እግዚኣብሔር ጉዕዞ ዋላ ምስቲ ዘይኣምን እውን መጓዕዝቲ ኢና


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 7 ሕዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ “ሰብ ዋላ’ኳ እንተዘየስተውዓሎ እውን ደላይ እግዚኣብሔር እዩ” ኣብ ዝብል ቅዉም ሓሳብ ዘማእከለ ናይ ዕልተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ከምዝለገሱ ነቲ ጉባኤ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተሉ RealAudioMP3 ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም “ኣብዚ ምስ ዝኣምኑን ዘይኣምኑን እውን መጓዕዝቲ ምዃንና ብምስትውዓል እንፍጽሞ ጉዕዞ ድልያ እግዚኣብሔር ብቑዕ ናይ ባህጊ/ትምኒት ስነ ምምሃር ምንቕቓሕ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ” ቢሎም፣ “ብዙሓት ናይ’ዚ ዘመን’ዚ መሳቱና ጽንታ ባህጊ እግዚኣብሔር ዝቃወሙ ኮይኖም ከምዝረከቡን ንብዙሕን ዓቢይን ክፍሊ ሕብረተሰብ እግዚኣብሔር እቲ ትጽቢት ዝንበሮን ባህጊ ከምዘይኮነን ከምኡ እውን ብዛዕባ እዚ ክውንነት ዘይግደስን ብዝያዳ እውን ኣብ ቅድሚ እዚ ሓቅነት’ዚ ሓሳባቶም ዘየድምጹ ከይኖም እዮም ዝርከቡ። ኮይኑ ግን እቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ‘ትምኒት እግዚኣብሒር’ ቢልና እንገልጾ ክውንነት ጠሪሹ ከምዘጠፍእን ሎሚ እውን ብዝተፈላለየ ኣገባብ ዝግለጽ ሓቂ እዩ” ኢሎም።
ቅዱስነቶም ቀጺሎም ነቲ ኣብ ፍጥረት ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ባህርይ ብቐጥታ እንከረድኡ፦ “እቲ ዝፍቐር እውን እንተኾነ ናይቲ ኣፍቃሪ ኣብ ልባቱ ዘጣጥሔ ዓሚዩቕ ባህጊ ናይ ምርዋይ ዓቕሚ የብሉን፣ ብርግጽ እቲ ፍቕሪ ሓቀይና ምስ ዝኸውን ብሓያሎ ነቲ ኣብ ውሳጠ ሰብ ዘሎ ንነዊሕ እዋን እውን ብዘይ መልሲ ናይ ምትራፍ ኣኽእሎ ንዘለው ሕቶ ኣብ ገዛእ ርእሱ ከይዕጾ እዩ ዝድርኽ። ስለዚ ሰብኣዊ ተመክሮ ዝኾነ ፍቕሪ ገዛእ ርእሰኣዊ ሰገር እዩ። እዚ ድማ ካብ ገዛእ ርእስኻ ወጻኢ ከተቕንዕ ዝድርኽ ሰናይ ተመክሮን ኣብ ቅድሚ እቲ ንኩለንተና ኅላዌ ዝኸብብ ምሥጢር ክትርከብ ዝገብር እዩ” ከምዝበሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።ቅዱስ ኣቦና ኣስዒቦም፦ “ምእንቲ’ዚ ነቲ ድሮ ጸጋ እምነት ዝተቐበለን ነቲ ገና ዘይኣምን እውን ንጉዕዞኡ ዘሰንዮ ነቲ ኣብ ውሳጤ ብኑባሬ ዘሎ ባህጊ ግቡእ ስነ ምምሃር ክረክብ ምንቕቓሕ የድሊ። እቲ ስነ ምምሃር’ቲ ቕኑዕን እንታይነት ሓቀይና ሓጎስ ናይ ሕይወት ዝምህርን ዳግመ ዝሓንጽን ክኸው ኣለዎ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ገሊጾም፣ “እዚ ማለት ድማ ነቲ ኣብ ውሳጠ ፍጥረት ሰብ ዘሎ ትምኒት ብቕንዕና ክንበርን ካብቲ ዘሕስሮን ብሓሶት ዝውድሶን ዘበሎ ኵሉ መከላኸሊ ዘቕርብ ስነ ምምሃር ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ እቲ ትምንቲ ንሓቀይና ሓጎስን ንሓቀይናን ቅኑዕን ክውንነት ዘተኮረ ንኸይከውን ዝድርኾ ዘይተገዳስነትን ሓዲግነት ምዃንን ዘላቕቕ ንዅሉ ሰብ ብቑዕን ሓቀይናን ሕንጸት ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ። ከምዚ ምስ ዘይከውን ግን ንግዚኡን ብደገ ክትርእዮ ዝማርኽ ዝመስል ደሓር ግን መኣዛ ከምዘይብሉ ዝግለጽን ንዝተፈላለዩ ናብ ባርነት ዝድርኹ ወልፍታትን ንዘይነጻነት ግዙእ ትኸውን። እዚ ብኣሉታዊ ኣዘራርባ ነቲ ኣብ ውሽጥና ዘሎ ሃረርታ እግዚኣብሔር ኣዚዩ ዘበራብር እዩ” ከምዝበሉ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
“ኣብዚ ምድራዊ ጉዕዞና’ዚ ምስ ኩሉ ሕውነት ዝስምዓና ኮይንና፣ እቶም ዘይኣምኑ ኣብ ምድላይ ዝርከቡን ብቕንዕና ነቲ ኣብ ውሳጠ ምዃን ዘሎ ሃረርታ ሓቅን ሰናይን ጽን ዝብሉን ዝሓትቱን ኣብ ጉዕዞ ድልያ እግዚኣብሔር መጓዕዝቲ ምዃኖም ክስምዓና ይግባእ። እዚ ናይ እምነት ዓመት እግዚኣብሔር ገጹ ነቶም ብቕኑዕ ልቢ ንዝደልይዎ ዘበሉ ኩሎም ገዛእ ርእሱ ክገልጽ ንጸሊ” ቢሎም ናይቲ ብቋንቋ ጣልያን ዘቕረብዎ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዉም ሓሳብ በቶም ዓብይቲ ዓለም ለኻዊ ቋንቋታት ድግማ ኣስሚዖም ነቶም ብማሕበርን ብውልቅን ኣብቲ ኣስተምህሮ ዝተረኽቡ ካብ ውሽጥን ወጻእን ንዝመጹ መንፈሳውያን ነጋዶ ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.