2012-11-06 14:31:55

ደቡብ ሱዳን
ናይ እምነት ዓመትን መበል 100 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌልን


እዚ እንነብሮ ዘሎና ናይ እምነት ዓመት ኣብ ደቡብ ሱዳን መበል 100 ኣስፍሆተ ወንጌል ዝበዓለሉ እውን ብምዃኑ ነታ ሃገር ዓቢይ ድርብ በዓል ከምዝኾነ ክምልከት እንከሎ፣ ቀዳሞት ልኡካነ ወንጌል ደቡብ ሱዳን ዝኣተውሉ መበል 100 ዓመት፣ ናይ ደም ሰማዕትነትን ጽንዓት እምነትን ስደትን መከራን ዝተነብሮ ታሪኽ ከምዝኾነን RealAudioMP3 ፣ እታ ሃገር ድሕሪ ሓደ ዓመት ካብ ካርቱንም በውሳኔ ሕዝቢ መሠረት ተፈልያ፣ ዓለም ለኻዊ ተቐባልነቱ ዝተረጋገጸ ሉኣላውነታ ኣብ ምንባርን ናብ ጐዳና ምርግጋእን ሰላም ኣብ እተምርሓሉ ዘላትሉ እዋን ዝበዓል መበል ሚእቲ ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ሱዳን፣ ደሚቑን ንናይ’ቲ ከባቢ ሰላም ምርግጋጽ ተዋሳኢት ኣብ ምዃን እትዓብየሉ ዘላትሉ እዋን ብምዃኑ፣ ብሓቂ ፍሉይ ኮይኑ ዝበዓል እዩ እንክብሉ ናይ ደቡብ ቶምቡራ ያምቢዮ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ሂቦሮ ኩሳላ ብስልኪ ምስ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ሓቢሮም፣ “እቲ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝኽሰት ዘሎ ለውጢ ጸጋ እግዚኣብሔር እዩ እሞ ነቲ ጸጋ ብሓላፍነት ክንነብሮ ክርስትያናዊ ሓላፍነትና እዩ። እቲ ዝነበረ ጭንቅን መከራን እናተሰግረ ናብ ምርግጋእ ነብል ኣለና፣ ስለዚህ እዚ ጸጋ ከነኽብሮን ፍረ ከፍሪ ክንምስክሮን ከምእተጸዋዕና እንምስክረሉ ዝኽሪ መበል 100 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌል እዩ” ኢሎም።
መንግስቲ ናይታ ሓዳሽ ሃገር ንናይ ሕዝባዊ ኣገልግሎት መዋህቢ ትሕቲ ቅርጺታት ኣብ ምርግጋጽ ተጊሁ ይዓዪ ከምዝሎን፣ ዘሰሓሕቡ ዶባት ፍታሕ ክረኽቡ ኣሚቶም ዝፍጸሙ ናይ ሰላም ስምምዓት ኣገዳሲ እዩ፣ ብዙሓት ኣብ ሰሜን ሱዳን ዝነብሩ ዜጋታት ደቡብ ሱዳን ኣለዉ፣ ናቶም ናብ ሃገሮም ምምላስ ምሉእ ብምሉእ ክትግበር ብዙሕ ጻዕሪ ይካየድ ከምዘሎ ኣውን ኣነጺሮም፣ ቤተ ክርስትያን ኣብ ናይ ግብረ ሰናይን ኣብ ኩለ መዳያዊ ሕንጸት መደብን ተልእኾን ተዋፊራ ተገልግል ከምዘላ እውን ሓቢሮም፣ ኣብዚ እዋን ዓመተ እምነት ኣብ ደቡብ ሱዳን መበል 100 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌል ዝበዓለሉ እዋን እዩ። “ኣቲ ዝሓለፈ 100 ዓመት ናይ ሰላምን ምርግጋእ ዘይኮነስ ብዙሕ መከራን ስቓይን ስደትን ዝተበራረዮ ከምዝኾነን ብዙሓት ምእመናን ተሰዊኦምን ተሰዲዶምን እዮም። ኣብ 2009 ዓ.ም. ጥራሕ 17 ኣብ ሓደ ውሽጢ ቤተ ክርስትያን ኣብ ባይታ ከም ኣብ መስቀል ዝተሸንከሩ ኮይኖም ዝተቐትሉ ምዝካሩ እኹል እዩ። ህዝቢ ደቡብ ሱዳን እምነቱ ዝነብር ዜጋ እዩ” ምስ በሉ ኣብታ ሃገር ጸዋዕታ ገዳማውያንን ተመሃሮ ዘርኣ ክህነትን ደናግልን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ እውን ሓቢሮም፣ ብሓቂ ኣብዚ እዋን’ዚ ሕዝቢ ደቡብ ሱዳን ነጻነቱ የስተማቕር ከምዘሎን፣ ኣብ ገለ ገለ ክፍሊ’ታ ሃገር ደባይ ተዋጋእቲ ስለ ዘለዉ ፍርሒ ዘይተርፍ እዩ። ምእንቲ’ዚ ኣብዚ ናይ እምነት ዓመትን መበል 100 ዓመት ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣብ ደቡብ ሱዳን እግዚኣብሔር ምሉእ ሰላም ክጽገው ንጽልይ፣ እቶም ኣባላት ደባይ ተዋጋእቲ ክልወጡን ኣብ ናይ ሃገር ሕንጸት ሰላምን ምርግጋእን ክዋስኡ ምእንታኦም እውን ንጸልይ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.