2012-11-06 14:24:32

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ መልእኽቲ ናብ ሓድሽ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ “ምሕዝነት ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስታያን ግብጽን ወትሩ እናዓበየ መታን ክቕጽል”


ቅድሚ ትማሊ ኣብ ካይሮ ነቶም ዕለት 17 መጋቢት 2012 ዓ.ም. ካብዚ ዓለም ብሞት ንዝተፈልዩ ናይ ግብጺ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ሸኑዳ ሳልሳይ ተኸታሊ ንኽኾኑ ንዝተሓርዩ ሓድሽ ናይ መላእ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ካልኣይ RealAudioMP3 ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 “ኣብ መንጎ ካቶሊካዊትን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ ዘሎ ምሕዝነት ወትሩ እናዓበየ ክኸይድ” ዝብል ምንዮት ዘጉልሕ ናይ ሓጐስ መግለጺ መልእኽቲ ከምዘመሓላለፉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፦ “ሓድሽ ፓትሪያርክ ግብጺ ከምቶም ዝሓለፉ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያርክ ሸኑዳ ሳልሳይ ሓቀይና ናይ ምእመናን ኦርቶዶስካዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ መንፈሳዊ ኣቦ ክኾኑን ኣብ ግብጺ ንሕንጸት ሰላምን ሕዝባዊ ውሁድ ቅንይትን ንናይ ሃገርን ሕዝብን ንናይ መላእ ማእከላይ ምብራቅ ናይ ሓባር ጥቕሚ ክዓዩ እምነይ” ቢሎም “ኣብዚ ጽንኩር ኣዋን እቲ ናይ ክርስቶስ ጸሎት ኣብ መወዳእታ ድራር ‘ኦ ኣቦይ! ዓለም ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ምእንቲ ክኣምን…ከምቲ ንስኻ ኣባይ ዘለኻ ኣነውን ኣባኻ…’(ዮሓ. 17.20-26 ተመልከት) ዝኣምኑ ኩሎም መታን ሓደ ክኾኑ እንክብል ዝጸለዮ ጸሎት ዝተነብሮ፣ ናይ ኢየሱስ ሓቀይና ህላዌ ዝዝክር ማኅበረ ክርስትያን ነቲ ዘወሃህዶ ፍቅርን ምሕዝነትን ምስክር ኰይኑ ክርከብ” ኣላበው ከምዝበሉ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓመታት ርክብ ኣብ መንጎ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ግብጺ ምቅርራባትን በቶም ካብዚ ዓለም ብሞት ዝተፈልዩ ብፁዕ ወቅዱስ ፓትሪያሪክ ሸኑዳ ሳልሳይ መንፈሳዊ መርሕነት ዝተበጽሔ ዓበይቲ ምምሕያሻት ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ጠቒሶም፥ “እቲ ዘሎ ምሕዝነትን ምቅርራባትን ምትሕብባርን ከምቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኣቡኡን ኣቦናን ዘዕረጐ ጸሎት መሠረት ጭቡጥ ውጽኢት ክዕተርን ቀጻሊ ዕርቂ መታን ክረጋገጽ ብዝበለጸ ክብ ኣናበለ ክቕጽል ንጸልይ” ቢሎም ነቶም ሓድሽ ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ ታዋድሮስ ካልኣይ፦ “ኣብ ጸሎቶም ህውል ከምዝኾኑን እግዚብሔር ሰላሙን ሓይሉን ክዓስሎም እምነ” ከምዝበሉ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ የመልክት።







All the contents on this site are copyrighted ©.