2012-11-06 13:31:24

5ይ ሰንበት ዘጽጌ 2005 ዓ.ም. ( ኅዳር 4 2012)


መዝሙር፡ ጸገየ ወይን ወፈርየ ሮማን. . . .
ንባባት፡ ዕብ 7፡23~28 ፥ ራእ 12፡13~ፍ፥ ግ.ሓ. 11፡1~12፥ ማር 12፡28~34
ምስባክ፡ “አርውዮ ለትለሚሃ፥ ወአስምሮ ለማዕረራ፥ ወበነጠንጣብከ ትበቝል ተፈሢሓ” “ንነግሕታታ ተስትዮ፥ ንድንኵላታ ትምድምዶ፥ ብዝናም ተለምልማ፥ ንብቝላ ትባርኾ” መዝ. 65፡10።
መዝሙር፡ ወይኒ ዓንበበ ሮማን ከአ ፈረየ፥ ኩሉ ኦም በረኻ ቀኒሞስ ዕንዲድ ፈረየ፥ ሰንበት ንዕረፍትና ሰርዓልና። ዕምባባታት ፈረዩ ሊሊ ዓምበቡ፥ ክረምቲ ሓሊፉ በረኸት (ዝናም) ደው ኢሉ፥ምድሪ ብዕምባባታት ተሰሊማ፥ ጎይታ ሰንበትን አቦ ምሕረትን ሰንበት ንዕረፍትን ንድሕነትን ሰርዓልና” ይብል።
አብ ክርስትያናዊ ሕይወትና ክነፍሪ ከምቲ ኦም በረኻን ኩሉ አታኽልትን እዋኑ ሓሊዩ ካብ ዕምባባ ናብ ፍረ ዝበጽሕ ንሕና እውን አብ መንፈሳዊ ሕይወትና አብ ፍረ ክንበጽሕ ከምዘሎና ዘኪርና በቲ ዘሎናዮ ሕይወት ንአምላኽ ዘሓጉስ ፍረ ክነፍሪ ንዕደም አሎና። አብ መዓልቲ ሰንበት ንጽድቂ ዝበቅዕ ተግባራት ክርከበና አብ ኩሉ ናይ ምሕረት ስራሕ ተጸሚድና ክንርከብ እሞ ክርስትናና ሕይወት ሃልይዎ እሙናት መፍቀርቲ አምላኽ ኮና ክንርከብ ንሕተት አሎና። ክርስትናይ ፍረ የፍሪ ደሎ፥ ፍቕሪ አምላኽን አሕዋትን አብ መንጎ ዓዚዙ ክርከብ እንታይ አበርክት አሎኹ ኢልና ሕልናና ንሕተታ እሞ አብቲ ቅኑዕ መአዲ ክርስቶስ ንመለስ።
ጉዕዞና ምስ ማርያም ይኹን፡
ሓምሻይ ሰንበት ዘጽጌ ኢና ዘኪርና ዘሎና። ጉዕዞ ቅድስና ምስ ማርያም ሒዝና አሎና። ምስ ማርያም ኮና ክንጉዓዝ ከሎና ንሓቂ ክንፈልጥ ኢና። ማርያም ንአምላኽ ክተስምዕ ኩሉ ጊዜ ቅርብቲ ኮይና ንረኽባ። በዚ ኸአ ዝበልካዮ ይኹን እናበለት ንነገር አምላኽ ቀዳምነት ሂባ ትጉዓዝ ነራ። ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም ክትብል እንከላ ነቲ ንሳ ሒዛቶ እተጓዕዘት መገዲ ምስ ረአዩ ዝደግምዎ እያ ኢላ፥ ንአአ ብጽእቲ እንብላ አሰራ ምስ እንኽተልን ሓቀኛ መንነታ ምስ እንፈልጣን ጥራሕ እዩ። ጉዕዞ ሕይወትና አብ መገዲ አምላኽ ክኸውን እንከሎ ቅዱሳን የብለና። አብዚ ፍሉይ እዋን ዝኽሪ ማርያም እምብአር ብዙሕ አብ ሕይወት ማርያም እንምሃሮ ስለ ዘሎና ጽን ኢልና ንስምዓያ እሞ ክትሕብረና እያ።
ንአምላኽን ብጻይናን ነፍቅር፡
ንባባትና ንሎሚ አብ አምላኽ ዘቕርበና ቀንዲ ነገር እንታይ ምዃኑ ይገልጹልና። አምላኽ አብ ቅድመና ርኢና ክንክእል እሞ ነቲ ሓቀኛ መገዲ ተኸቲልና ክንክእል። እዋና ብናይ ሓሶት መዛሙር መሊኡ አብዚ እዩ ዘሎ ሓቂ አብዚ እባ፥ አነ ዝብሎ እዩ ሓቂ እናተባህለ ንሓቂ አምላኽ ዝቕይሩ ዘታልሉ ዓለምና ሎሚ መለለይአ ኮይኑ አሎ። እዚ እዩ እቲ ሓቂ እናተባህለ ዝውቃዕ ዘሎ ዳንከራ ውሒድ አይኮነን። አብዚ እዋን ኢና እምብአር አብ ኢየሱስ ብልብና ቀሪብና አየናይ እዩ እቲ ሓቂ እቲ ቀንዲ ክንክተሎ ዝግብአና ኢልና ንሕተቶ። ነዚ ከረድእና ኢሉ ናይ ሎሚ ወንጌል ሓደ ምሁር ሕጊ አብ ኢየሱስ ቀሪቡ ዝሓተቶ ነስተንትን።
ሓደ መዓልቲ ሓደ ካብቶም ጸሓፍቲ በቲ ዝህቦ ዝነበረ መልሲ ተደኒቑ አብ ኢየሱስ ቀሪቡ ዝበለጸ ርድኢትን አፍልጦን ክህልዎ ኢሉ ካብ ኩሉ ዝዓበየ ትእዛዝ አየናይ ኢዩ ኢሉ ሓቲትዎ። አብ ጥንቲ ዘመን ሕጊ መጋበሪ ድኅነት እዩ ነሩ ስለዚ ሕጊ ዘይምፍላጥን ዘይምኽባርን ጸገም እዩ ነሩ። እዚ ሰብ እዚ እዩ ነሩ ጸገሙ፥ ከምኡ አብ ጊዜ ኢየሱስ አይሁድ ንሓደ መምህር ሕጊ አየናይ ምዃኑ እቲ ዝዓበየ ሕጊ ምሕታት ፍሉጥ አገባብራ እዩ ነሩ። አይሁድ አብ እዋን ኢየሱስ 613 ዓናቕጽ ሕጊ ነርዎም። እዞም ንአሽቱ ሕግታት ንሙሴ አብርእሲ እቶም ዓሰርተ ትእዛዛት ብአምላኽ ዝተዋህብዎ እዮም ኢሎም ይአምኑ። አብዚ እዚ ምሁር ሒጊ ንኢየሱስ ዝሓትት ዘሎ ኢየሱስ ጽቡቕ አፍልጦ ከምዘልኦ አለልዩ ክፈልጥ ኢሉ ይሓቶ። ነቶም ዓናቕጽ ሕጊ በብእዋኑ ንአሽቱ ሕግታት ይውሰኽዎም ስለ ዝነበሩ አየናይ እቲ ቀንዲ ምዃኑ ክትፈልጥ ምሕታት ግቡእ እዩ ነሩ። አብ ሕይወትና አብቲ ቀንዲ ነገር አተዂርና ነቲ ቀዳምነት ዝግብኦ ቀዳምነት ክንህብ ከምዘሎና የዘኻኽረና። እዚ ምሁር ሕጊ ከምቶም ካልኦት ክውጥርዎ አብኡ ጌጋ እንተ ረኸቡ ክከስዎ ኢሎም ዝሓቱ ዘይኮነ ንሓቂ ክፈልጥ ሓቲቱ። ስለዚ አየናይ ሕጊ እዩ እቲ ቀዳማይ ወይ ልዕሊ ኩሉ ክሕሎ ዘለዎ ኢሉ ሓቲቱ።
ንኢየሱስ ሓቲትካ ምኽአል፡
ንኢየሱስ ሓቲትካ ምኽኣል አብ ሕይወትና ዓቢ ጥቕሚ አልኦ። ጉዕዞ ሕይወትና አምላኽ ይርእዮ እዩ አብ ገለ እዋን መገዲ ጉዕዞና አደናጊሩና ዓወንወን እንብለሉ እዋን አሎ ስለዚ አብ ኢየሱስ ቅርብ ኢልና አየናይ መገዲ ክጉዓዝ አብርሃለይ ክንብል ከሎና ሓቀኛ መልሲ ክንረክብ ንኽእል ኢና። አብ ሕይወት ጥቕሚ ዘልኦ ግን ህጹጽ ዘይኮነ ነገራት አሎ። ከምኡ ህጹጽ ግን ብዙሕ ጥቕሚ ዘይብሎም አለዉ። አብዚ ጸገም ዝኾነና ነቲ ጥቕምን አድላይን ነገራት በቲ ህጹጽን ዘይጥቅምን ነገራት ተኪእናዮ ንጉዓዝ።
ኢየሱስ ነዚ ብልቡ መልሲ ደልዩ ዝሓትት ምሁር ሕጊ ብቐጥታ አብ ዘዳግም 6፡4~5 ዘሎ ጠቒሱ መልሲ ይህቦ። ንኻልኦት ዝፈልጡ ሓቲቱ እንተ ዝኸውን እውን ነዚ እዮም ምጠቐሱሉ ምኽንያቱ እዚ ብኹሎም አይሁድ ፍሉጥ ምዕራፍ እዩ ነሩ። አብዚ ፍቕሪ እግዚአብሔር አብ ሕይወት ሓደ ሰብ ብምልኡ ክርከብ ከምዘለዎ ክገልጽ ኢሉ እዩ። ፍቕሪ አምላኽ አብ ሕይወት ሰብ አብ ኩሉ ክልንትናኡ እዩ ክግለጽ ዘለዎ ማለት፡አብ ልቡ፥ ነፍሱ፥ አእምሮኡን አብ ኩሉ ኃይሉን። ኢየሱስ ምስ ዝሃቦ መልሲ ከይተሓተ ሕውስ አቢሉ ካልአይ ትእዛዝ ይነግር፥ ካብ ሌዋውያን 19፡18 “ንብጻይካ ከም ርእስኻ ደአ አፍቅሮ እምበር ንሓደ ኻብ ሕዝብኻ ሕነ አይትፍደን አይትቀየምን” እናበለ ወሲኹ ነጊርዎ።
አብዚ ክልቲኡ ትእዛዛት “አፍቅር” ብዝብል ቃል ይራኸብ። ኢየሱስ ንክልቲኡ ማዕረ ገሩ አይረአዮን ወይ ብሓደ አይገልጾን። እቲ ዳሕረዋይ ናብቲ ቀዳማይ ክንጥምት ይሕግዘና። ቅ. ዮሓንስ ነቲ እትርእዮ ሓውኻ ዘየፍቀርካ ነቲ ዘይትርእዮ አምላኽ ከመይ ገርካ ክተፍቅር እናበለ ፍቕሪ ሓው መግለጺ ፍቕሪ አምላኽ ምዃኑ ይገልጸልና።
እቲ ሓታቲ ሰብ ብመልሲ ኢየሱስ ተሓጒሱ ነቲ ኢየሱስ ዝበሎ ይቕበሎ እሞ እዚ ካብ ኩሉ ዚሓርር መስዋዕትን ካብ መስዋዕቲ ሕሩድን ዚዓቢ እዩ ይብሎ። ነዚ ኸአ ካብ ሆሴዕ 6፡6 “ካብ መስዋኣቲ ኽተቕርቡለይሲ ምሕረት ክትገብሩ እፈቱ። ካብ ዚሓርር መሥዋዕቲ ኸተቕርቡለይ ከአ አምላኽ ምዃነይ ክትፈልጡ እፈቱ” ዝብል ከምኡ ካብ 1ሳሙኤል 15፡22 “ ንእግዚአብሔርሲ ዚሓርር መስዋዕትን መስዋዕቲ ሕሩድን ከም ምእዛዝ ቃሉ ገይሩዶ ይሓጉሶ እዩ፥ እንሆ ንእኡ ምእዛዝ ካብ መስዋዕትቲ ናብ ቃሉ ጽን ምባል ድማ ኻብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ” ዝብል ይጠቅስ። ኢየሱስ ቀልጢፉ ንሱን እቲ ጸሓፋይን ዝብሎ ከምዝሰማማዕ ተረዲኡ ካብ መንግስቲ አምላኽ ርሑቕ አይኮንካን ይብሎ። እዚ ክብሎ ከሎ ንሱ መን መዃኑ ንርእሱ እቲ መንግስቲ አምላኽ ንሱ ምዃኑ ይገልጸሉ አሎ።
ሓደ ምሁር አብ ሓደ እዋን ንብዙሓት ኮርፖረሽናት ብሓባር ብዛዕባ ግላዊ ጊዜ ከመይ ገርካ ክጥቀመሉ ከምዘሎካ አስተምህሮ ክህብ ተሓቲቱ። እዚ ምሁር ብሓደ ኤክስፔርመንት ገሩ ከረድእ ደልዩ። አብ ቅድሚ እኩባት ጋንታ ዝሕግዞም መዘኻኸሪ ክወስዱ ተቐሪቦም ዘለዉ ሓደ ጥርሑ ዘሎ ቫዞ ብጠርሙዝ ዝተሰርሐ አውጺኡ። ንአሽቱ ከበብቲ አእማን ክንዲ ኵዕሶ ተኒስ ዝአክል ክሳብ ዝመልኦ ገበረሉ። ዝያዳ ክገብረሉ ክሳብ ዘይክእል ምስአብጽሖ ነቶም ዝዕዘብዎ ዝነበሩ ሰባት እዚ መትሓዚ ቫዞ መሊኡዶ ይመስልኩም ኢሉ ሓቲትዎም፥ ኩሎም እወ ኢሎም መሊሶምሉ። ጽንሕ ኢሉ ርግጸኛታት ዲኹም መሊኡ አሎ ኢሉ ሓቲትዎም። ድኽም ዝበለ ጸጸር ወሲዱ ቀስ ኢሉ አብቲ ብዕብይ ዝበለ አእማን መሊኡ ዝነበረ ቫዞ መለሶ አንቅስቕስ ምስ አበሎ እቲ ንአሽቱ ጸጸር ክሳብ ታሕቲ ሰሊኹ አትዩ። እንደገና እዚ ቫዞ መሊኡዶ ኢሉ ሓቲትዎም። ካብ ቀዳማይ ስለ ዝተማህሩ ምናልባት ኢሎም መሊሶም። ጽቡቅ ኢሉ ድንን ኢሉ ድኹም ሓመድ ወሲዱ ክመልሶ ጀሚሩ ሰሊኹ ክአቱ ጀሚሩ ነቲ አብ መንጎ ዝነበረ ቦታ መልኦ። እንደገና መሊኡዶ ኢሉ ሓቲቱ ኩሎም ብሓደ ብዘይ ጥርጥር አይመልኤን እናበሉ መሊሾም። እወ አይመልኤን እናበለ ማይ ዝመልኤ ጀክ ወሲዱ አብኡ መሊስዎ እቲ ማይ ከአ ሰሊዅ ክአቱ ጀመረ።
እቲ ምሁር አብቶም ዝዕዘብዎ ዝነበሩ ምልስ ኢሉ እንታይ ክንምሃር ንኽእል ካብዚ ዝገበርናዮ ኤክስፐርመንት ኢሉ ሓቲቱ። ካብቶም ዝነበሩ ዝነፍዓ ሓደ “ናይ ጊዜ አጠቓቕማ” ኢሉ መሊስሉ። እዚ ዘስተምህረና መዓልታዊ መደባትና ብንአሽቱ ነገራት መሊኡ አብ ዘለዎ እዋን ደጋጊምና ኩሉ ጊዜ ክንውስኸሉ ከም እንኽእል ከምኡ ካልእ ነገረት ክንገብር ከም እንኽእል ይሕብረና እናበለ መሊሱ።
እቲ ምሁር አይፋልን ንሱ አይኮነን ዝሕብረና ኢሉ መሊሱ፥ እዚ ዝገበርናዮ ኤክስፐርመንት ካልእ እዩ ዝሕብረና፥ ነቶም ዝዓበዩ አእማን መጀመርያ እንተ ዘይአእቲናዮም ድሕሪኡ ክነእትዎም አይንኽእልን ኢና እናበለ ነጊርዎም። እቶም ዝዕዘቡ ዝነበሩ ንሕጽር ዝበለ ሱቕ ድሕሪ ምባል ነዚ ከረጋግጹ ክኢሎም።
እቲ ምሁር ብምቕጻል እቶም ዓበይቲ አእማን እንታይ እዮም ኢሉ ሓቲቱ፥ አብ ሕይወትና ቀዳምነት እንህቦም ነገራት ድዮም? ጥዕና፥ ስድራ፥ አዕሩኽ፥ ንርእስኻ ምክልኻል፥ ንሓደ ብልብኻ እትደልዮ ነገር ምፍጻም?
እቲ ቀንዲ አድላይን ጠቓምን ነገር ነዚ ዓበይቲ አእማን አብ ኩሉ አጀንዳኻ አብ ኩሉ ሕይወትካ ቀዳምነት ምሃብ። እንተዘይኾነ ንንአሽቱ ነገራት ከም አብዚ አብነት ንሓመድ ንሕፃ፥ ንማይ፥ ቀዳምነት እንተ ሃብና አብ ዘይጠቅሙ ጊዜና አጥፊእና ንቁምነገር ዘለዎም ነገራት ቀዳምነት ከይሃብና ክንሓልፍ ኢና። ቀዳምነታት እሞ ነቲ ዓበይትን አብ ሕይወትና አድላዪ ነገራት ሰሪዕና ምኽአል።
ሓንቲ መዓልቲ ንርእስና ከይሓተትና ከይንሕልፋ ክንጥንቀቕ አሎና፥ እንታይ እዮም እቶም ቀንዲ ነገራት አብ ሕይወተይ ዝሰርዖም፥ አብ ኩሉ መዓልታዊ መደባትና አብ አጀንዳና ክነቐምጦ ይግብአና።
አብ ርእሲ እዚ ምሁር ዝጠቐሶም ዓበይቲ አእማን አብ ሕይወት ወድሰብ ጥዕና፥ ስድራ፥ አዕሩኽ ካልኦት ካብ ኩሉ ዝዓበዩ ክልተ ነገራት ክንጠቅስ ፍቕሪ አምላኽን ንፍቕሪ ብጻይን። ንእግዚአብሔር ምፍቃር ማለት ካብ ትእዛዝ ንላዕሊ ግንዖት ህያብ እዩ። ሓደ ጊዜ ድሕሪ አብ ጉዕዞ ሕይወትና ረኺብናዮ ካብ ምምስጋኑ ካብ ምፍቃሩ ደው አይክንብል ኢና፥ ካልእ ነገር ክንገብር ከአ አይክንደልን ኢና እንታይድአ ንአኡ ክነዕቢ ክንጽዕር ኢና።
ንእግዚአብሔር ምፍቃር ማለት ናይ እግዚአብሔር ጥራሕ ኮንካ ምንባር እዩ። ሰባት አብ ቦታ አምላኽ ካልእ ነገራት ነቐምጥ ካልእ ንመርጽ፥ ቀዳሞት ወለድና አዳምን ሄዋንን ንቦታ አምላኽ ብድለቶም ክትክኡ ስለ ዝደለዩ ሞት ስቓይ መጺእዎም። ንሕና እውን ነዚ ብዝተፈላለየ እዋን ንደግሞ። ገንዘብ ሃብቲ ጥዕና፥ ጉብዝና፥ መልክዕ፥ ስልጣን፥ ፍልጠት. . . አብ ገለ እዋን ንአምላኽ ተኪኡ አብ ልብና ይሓድር ሽዑ እንገብሮ ጠፊኡና ንዓብድ። አምላኽ ባዕሉ ኦእከለ አበሎኻ ይብለና። አብዚ አሎኹ ክንብል እንተ ኺኢልና ክንምለስ ጀሚርና አሎና ማለት እዩ። ሰብ ሎሚ ዘለዎ ጠፊእዎ ከዕኖኑ ይርአ አሎ። ፍቕሪ አምላኽ ግን ኩሉ ጊዜ ምሳና አሎ ይጽበየና። ፍጡረይ ተጎዲኡኒ እናበለ ነታ መገዲ ጥፍአት ሒዙ ካብኡ ዝወጻ ብአአ ክምለሶ ይጽበ። ፍቕሪ አምላኽ እንገልጾ ተመሊስና እንተ ኸአልና እዩ።
ሰባት አፍልጦ አምላኽ፥ ፍቕሪ አምላኽ ምስ አጥፍኡ ዝገብርዎ እዚ አብ ዓለምና እንርእዮ እዩ። ንሞት ዓወት፥ ንሕሰም ምዕባሌ፥ ንምዝመዛ ከም ግቡእ ምርአይ፥ ብርሃጽ ካልኦት ምንባር ከም መሰል ምውሳድ፥ ንዓመጽ ንጭቆና ድሕር ዘይምባል፥ ንጥሙይ አጸቢቑ ክጠሚ ምግባር. . . ። ሕልና ምስ ዓወረ ኩሉ እዩ ዝዘናበል፥ ሎሚ ዓይንና ንአምላኽ ርእዩ ክኽእል ንሓግዝ።
ንብጻይካ አፍቅር ክብለና እንከሎ ንሓውኻ ንሓፍትኻ ብዓይኒ አምላኽ ርኢኻ ምኽአል። ንሰብ እነፍቅሮ ምስቲ ምሳነ ዘልኦ ርክብ ዘይኮነ አምላኽ ስለ ዝፍቅሮን አብ ቅድሚ አምላኽ ከማና ስለ ዝኾነን እዩ። ንሰብ አፍቅሮ እየ ክብል ከሎኹ ከምቲ ክርስቶስ ፍቕሪ አምላኽ ክገልጸልና ክሳብ አብ ሞት ዝበጽሐ ፍቕሪ ሓው እውን ብመንጽር እዚ ተራእዩ ክነተግብሮ ከሎና ጥራሕ እዩ ሓቀኛ ፍቕሪ ክንብሎ እንኽእል። አምላኽ ዘፍቀሮ ሓውና ክነፍቅሮ ግቡእና እዩ። ነቲ አምላኽ ዝሃቦ መግለጺ ፍቕሩ ብነጻነት፥ ምንባር፥ ሃብቲ ጥዕና፥ ስድራ፥ ህላዌ፥ ዝኾነ ከሕድጎ አይግባእን። ነዚ አምላኽ ዝሃቦ ህያባት ብሓይልና ብስልጣና ተጠቒምና ክንግህሶ ከሎና ነቲ መሰረታዊ ህያብ አምላኽ ስለ እነሕድጎ ሕይወት ትርጉም ይስእን።
አምላኽ ዝሃበና ህያብ ዘሕድጉና ብዙሓት ጸላእቲ አሎዉና። አብ ታሪኽ ደቂ ሰብ እዚ ብተደጋጋሚ ተራእዩ። ንህያብ አምላኽ ናቶም ገሮም ከሕድጉ ዝጸዓሩ ብዙሓት እዮም። አምላኽ ንዝሃቦ ህያባ ከይነሕድግ ምጥንቃቕ የድልየና። ንሓደ ሓውናን ወይ ሓፍትና ካብ አምላኽ ክነውጽኦ ከሎና ህያባት አምላኽ አሕዲግና ናትና ንህቦ እሞ ሽዑ ዝገብሮ ጠፊእዎ ከዕገርግር ይነብር። ንሓወይ/ንሓፍተይ ህያባቱ አሕዲገ እፈልጥዶ ኢልና ክንሓትት ናይ ሎሚ ወንጌል የዘኻኽረና።
አብ መአዲ ቅዱስ ቍርባን ሓደ ሥጋን ደምን ናይ ክርስቶስ ንካፈል። አብኡ ሓደ ንኸውን። እዚ ቅዱስ መአዲ ሓድነት መአዲ ሕይወት ዝህብ መሰረት ፍቕርና እዩ። አብ ሓደ መአዲ ምስታፍ ናይ ሓደ ክርስትያን መንነቱ እዩ። ቀዳሞት ክርስትያን ሓደ ካብቲ ፍሉይ ዝገብሮም ዝነበረ ካብ ሓደ መአዲ ክርስቶስ ይሳተፉ ስለ ዝነበሩ እዮም። ሎሚ ነዚ ክንሕድሶ እሞ ናይ ክርስቶስ ምዃና ዘፍልጥ ተግባር ክንለብስ ምብርባር የድሊ።
ንእግዚአብሔር ከም ልብና ክነፍቅሮ ንሓውናን ሓፍትናን ከአ ከንፍቅር ድላይ አምላኽ እዩ እሞ አፍቂርና ክንክእል ሓግዘና ንበሎ።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.