2012-11-03 15:03:44

ዓመታዊ ዝኽሪ ዕለተ ሙታን
ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ.፦ ሞት ነቲ ምስ እግዚኣብሔር ዘሎ ምትእስሳር ኣይበትኰን


ናይ ላቲን ስርዓት እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ዕለት 1 ሕዳር እተብዕሎ ዓመታዊ በዓል ኵሎም ቅዱሳት ስዒቡ ዕለት 2 ሕዳር ዓመታዊ ዝኽሪ ዕለተ ሙታን ከምተብዕል ክፍለጥ እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ትማሊ ብዝኽሪ ዕለተ ሙታን ድሕሪ ቐትሪ ብናይ ሮማ ሰዓት ኣቆጻጽራ RealAudioMP3 ሰዓት ሹዱሽተ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ቅዱስ ጴጥሮስ ባሲሊካ ትሕቲ ምድሪ ኣብ ዝርከብ በዓቲ ናይ ኣርእስተ ሊቃነ ጳጳሳት ናይ መቓብር ስፍራ በጺሖም ስሮዓተ ጸሎት ከምዝፈጸሙ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ቅዱስነቶም ሎሚ ንጎሆ ሰዓት ዓሰርተ ሓደን ፈረቓን ኣብ ባዚሊካ ቅዱስ ጴጥሮስ ምእንቲ እቶም ኣብዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ዝሓለፉ ብፁዓን ካርዲናላትን ጳጳሳትን ናይ ነፍሳተ ሙታን መስዋዕተ ቅዳሴ ከምዘዕረጉ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ኣብ ዝሓለፉ ዓመታን በዚ ዓብይ ዓመታዊ ዝኽሪ ዕለተ ሙታን ምኽንያት ኣብ ዝሃብዎ ስልጣናዊ ኣስተምህሮን ስብከትን፦ “ንእዋናዊ ሰብ ዘለዓለማዊ ሕይወት ትጽቢት ዝንበሮ ድዩ ወይ ድማ ዘለዓለማዊ ሕይወት ዝሓለፈን ዝተሓልፈ ኣፈ ታሪክ እዩ? ካብ ቀደም ብዝያዳ ናይ’ዚ ዘመን ሰብ ብምድራዊ ነገራት ኣዚዩ ዝተመሰጠ ከምዝኾነን ብዛዕባ ናይ ታሪኽን ናይ ገዛእ ርእስና ህይወት ቀንዲ ተዋሳኢ ዝኾነ እግዚኣብሔር ንኽሓስብ የጸግሞ” እንክብሉ ዕለት 2 ሕዳር 2005 ዓ.ም. ከምዘስተምሃሩ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ጂሶቲ የዘኻኽሩ።
ዕለት 2 ሕዳር 2008 ዓ.ም. ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ በሸሓት ዝቑጸርሉ ምእመናን ኣብ ዝተረኽብሉ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ስብከት፦ “ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ሞትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን ዝምልከት ስብከተ ወንጌል ኣገዳሲ ምዃኑን፣ ሞትን ዘለዓለማዊ ህይወትን ብዝብልከት እነንብሮ ዘሎና እዋን ብዝተፈላለዩ ናይ ማሪትን ናይ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታትን ኣመለኻኽታን ትምህርትታትን ዘደባለቐ ኣማኔ ዝተጸልዎ ስለ ዝኾነ ብሓቂ ብዛዕባ ሞትን ዘለኣለማዊ ህይወትን ዝምልከት ናይ ገዛእ ርእሱ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ጂሶቲ ሓቢሮ።
ሞት ንሓደ ክርስትያን እንታይ ማለት እዩ? ሞት እንታይ እዩ? እንነብሮ ዘሎና እዋን ሰገር ሞት ባዶ ዝብል እማኔ ዝዓብለሎ ከምዝኾነን፣ ነቲ ኣብ ክርስቶስን ኣብ ትንሳኤ ክርስቶስን ዝኣምን ግና መገዲ ሞት መገዲ ተሳፋ ከምዝኾነ እዩ ዝኣምን። ሞት ፍጻሜ ዘይኮነስ ፈላሚ ዘለኣለማዊ ህይወት እዩ። ነዝን ኣብዝን ዝኣምን ክንየው ሞት ዓቢይ ተስፋ የማዕድውን ዕለታዊ ህይወቱ ካብ ተስፋ ብዝነቅል ህይወት ከምዝነብሮ ዕለት 2 ሕዳር 2011 ዓ.ም. ኣብ ዘቕረብዎ ናይ ዕለተ ረብዕ ሓፈሻዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ እንክግለጹ፦ “ፍጥረት ሰብ ካልኦት ተስፋታት ኩሎም ውሱናትን ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተሓጽሩ ጐዶሎታት እያቶም፣ ስለዚህ ዘለዓለማውነት የድልዮ እዩ። እግዚኣብሔር እንተሎ ጥራሕ እዩ ሰብ ክግለጽን ናይ ምንባሩን ምፍጣሩን ህላዌኡን ዓሚዩቕ ትርጉም ዝረክብ” ከምዝበሉ ጋዜጠይና ጂሶቲ የዘኻኽሩ።
ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ቅድሚ ትማሊ ብምኽንያት ዓመታዊ በዓል ኩሎም ቅዱሳት ፍርቂ መዓልቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ቅድሚ ምዕራጎም ኣብ ዝለገስዎ ኣስተምህሮ፦ “እንነበሮ ሕይወት ትርጉም ዝህልዎ ፍቕሪ ማለት እቲ ዘይቅህምን ዘይጽንቀቕን ፍቕሪ ምስ ዝህሉው ጥራሕ እዩ። ክርስቶስ ምስዓብ ናብ ሕይወትን ዘለዓለማዊ ሕይወትን እዩ ዝመርሕ፣ ክርስቶስ ትርጉም ኅልው ኩነትናን ኩነትን ቅጽበትን ናይ ነፍሲ ወከፍ እውን እዩ። ስለምታይ ኩለንተናናን ኩለንተናን ምኣልት ፍቕርን ተስፋን ስለ ዝዓስሎ እዩ” ከምዝበሉ ነቲ ጸሎት መልኣከ እግዚኣብሔር ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ጂሶቲ ገሊጾም ኣስዒቦም ቅዱስነቶም ኣብ ሓዋርያው መንበሮም ኣብ ፖላንድ ናይ ክራኮቪያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ስታኒስላው ድስዚዊች ተቐቢሎም ከምዘዘራረቡ ኣመልኪቶም።







All the contents on this site are copyrighted ©.