Home Archivio
2012-11-02 12:56:50
4ይ ትእዛዝ እግዚአብሔር
ሰብ ብፍጥረቱ ማሕበራዊ ፍጡር እዩ። እዚ ማለት ከአ አብ ህላዌ ክበጽሕ ወይ አብ ምዕባሌ ክበጽሕ ብዘይ ሓገዝን ምትሕብባርን ናይ ካልኦት ክገብሮ አይክእልን እዩ። ናይ ሰባት ብሓደ ምዃን ማሕበራት ንብሎም። ቆልዓ ብምውላዱ ጥራሕ አብ ዝተፈላለዩ ማሕበራት ይአቱ፥ እታ ቀዳመይቲ፥ ስድራ ቤት እያ ድሕሪኡ ሃገር፥ ቤተ ክርስትያን ይመጽእ። ማሕበራዊ ሕይወት ከምቲ ዝድለ ዝሰርሕ ብሓላፍነት ወይ ብሥልጣን አብዚ ወይ አብቲ አብ መንጎ ዝመርሕዎም ግለሰባት ምስ ዝህልዉ ጥራሕ እዩ። አብዚ ስልጣን ክንብል ከሎና ሞራላዊ ሓላፍነት ምውሳድ እሞ አብቲ መወዳእታ ዓላማ ምብጻሕ እዩ።
ስድራ ንእሽቶይ ማሕበር እያ ስለዚ ብመጠኑ ሓላፍነት ትለብስ። ስድራ ካብ አምላኽ ዝለዝኾነ መበቆላ እቲ ዘልአ ስልጣን ወይ ሓላፍነት ከአ ካብ እግዚአብሔር እዩ። ናይ ስድራቤት ስልጣን አብ አቦን አደን እዩ ዘሎ። እግዚአብሔር እምብአር ብአፍ ሙሴ ገሩ አቦናን አደናን ክነኽብር ይእዝዘና። ቤተ ክርስትያን ካብ መጀመርያ “ምኽባር” ዝብል ምፍቃር፥ ምኽባር፥ምእዛዝ ከም ዘስምዕ ንዘመናት ተረዲአቶ። ስድራ ቤት አብ ህንጸት ቤተ ክርስትያን ዓቢ ተራ አልአ። ቤተ ክርስትያን ከአ ንስድራ ቤት ብዓቢ አትኩሮ ትሕልዋን ትከናኸናን። ሓደ ካብቲ መጋበሪ ድኅነት እትጥቆሞ ንዓሰርተ ትእዛዛት እግዚአብሔር ካብ መጀመርያ ክፍሊ ሕይወት ስድራ ኮይኖም ክርከቡ ብብዙሕ መገዲ ተስተምህር።
አብ ዓሰርተ ትእዛዛት እግዚአብሔር አብ ነፍሲ ወከፎም እንተ ረኤና ፍሉይ ንሕይወት ደቂ ሰብ ዝትንክፍ አልኦም። ነፍስወከፍ ትእዛዝ አብ ተግባር ክተውዕላ ክትሓልፎ ዝግብእ ጸገማት ጽንዓት አሎ። አብዚ እዋና ሓደ ካብቲ ብዝያዳ ክትሕልዎ አጻጋሚ ኮይኑ ዘሎ ሰብ ጸረ ሰበ ስልጣን ዝኾነ መንፈስ ነጊሱ አብ ዘለዎ እዋን ራብዓይ ትእዛዝ ክንርኢ ከሎና ዓብን አገዳሲ ነገርን እዩ። እቲ ትእዛዝ ሙሴ ከም ዝአወጆ ከምዚ ይብል “አብታ አነ እግዚአብሔር አምላኽካ ዝህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ኺነውኅሲ አቦኻን አደኻን አኽብር” (ዘፀአት 20፡12)። እግዚአብሔር ንምድራውያን ወለድና ክነኽብር ይደልየና።
አቦኻን አደኻን አኽብር
ቀዳሞት ሰለስተ ትእዛዛት ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ዘለዎ ርክብ ይገልጹልና። እግዚአብሔር ከም ጎይታናን አምላኽናን ክንፈልጦ ስሙ አብ ዘረባን አብ ኩሉ ክንዝምርን፥ አብ ኩሉ ብግሁድ ከም ህዝቡ ክነኽብሮ ክንምስክሮ እሞ ናቱ ብኹሉ ኮና ክነብር ይእዝዙና።
ካብ ራብዓይ ትእዛዝ ንድኃር ዘለዉ ኩሎም ግን ምስ ብጻይና ክህልወና ዝግብኦ ነገራት ይእዝዙና። ብራብዓይ ትእዛዝ ሓዲስ ርክብ ምስ አምላኽ ንጀምር። ነተን ሰለስተ ቀዳሞት ትእዛዛት “እምነት” ኢልና እንተ ጸዋዕናየን ነተን ዝተረፋ ሾውዓተ ከአ “ሞራላዊ መምርሒ” ኢልና ክንሰምየን ንኽእል። ካብ ራብዓይ ክሳብ ዓስራይ ዘለዉ ትእዛዛት ዘሎና ግቡእ አብ ልዕሊ ካልኦት ከም ግብራዊ ግቡእ ወሲድና ብመንጽር እግዚአብሔር ክንርእዮ ከምዘሎና የዘኻኽሩና።
4ይ ትእዛዝ ብሕጽር ዝበለ ክንርእዮ ከሎና ንወለድናን ንዓበይትን ነቶም ከም ወለድና ኮይኖም ዘዕቡናን ዝሓልዩልናን ዝናብዩናን ከነኽብሮምን ከነፍቅሮምን ንወለዲ ኃጢአት አብ ዘይኮነ ነገር ክንእዘዞም አብ ጸገም ክንረድኦም ነቶም አብ ልዕሌና ሥልጣን ዘለዎም ከአ ከነኽብሮም ይእዝዘና።
ሕይወት ሰብ መበቆሉ ካብ አቦን እኖን እዩ ካብ ወለዲ ሕይወትን እቲ ንሕይወት ዘድሊ መነባበሪ ነገራትን ኵሉ ተቐቢልና ኢና። ንሕና ተቐበልቲ ንሳቶም ወሃብቲ እዮም። ስለዚ ንሳቶም አኽብሮት ይግብኦም እዩ፥ ንወለዱ ዘየኽብር ንፈጣሪኡ እውን አየኽብርን እዩ። ንወለዱ ዘየክብር ዝወርዶ መከራ ከረድአና ኢሉ አብ ሉቃስ 15 ዘሎ ብዛዕባ በታኒ ውሉድ ይነግረና። ንሱ ቃል ወላዲኡ ስለ ዘየኽበረን ነብኡ ስለ ዝሓደገን አብ መከራን ውርደትን ወሪዱ። እቲ አብ እግዚአብሔር ዘሎና ፍቕሪ ብፍቕሪ ወለዲ እዩ ዚግለጸ፥ አብ ሕብረተሰብ ከአ ፍቕርን ሰላምን ዚነግስ ንወለዲ ብምኽባርን ብምእዛዝን እዩ።
ወለዲ ሞያኦም ምውላድን ምዕባይን ጥራሕ አይኮነን፥ “አቦ የዋርስ እኖ ተቋርስ” ከምዝብሃል መሬት፥ ቤት፥ ቋንቋ፥ ባህሊ፥ ሥነስርዓት፥ ጽቡቕ ልማድ ካብ ወለድና ኢና እንወርሶ። ከምቲ ደቂ ንወለዶም ኪሓልዩሎምን ኪናብዩዎምን ኬፍቅሩዎምን ይግባእ ዝበልናዮ ከምኡ ከአ ወለዲ ንደቆም ብሥነ ሥርዓት ኬዕብይዎም ኬፍቅርዎም ብነፍሶምን ብስጋኦምን ኪኹስኵስዎም ብአምላኽ ሓላፍነትን ሓደራን ተቐቢሎም እዮም። ከመይ ቆልዑ ደቂ ወለዶም ቅድሚ ምዃኖም ደቂ እግዚአብሔር እዮም። ወለዲ ስፍራ እግዚአብሔር እዮም ሒዞም ዘለዉ። ንወለዲ ኪትክእ ዚኽእል ብዓል ሥልጣን የልቦን፥ ምሳሌ ሃገር “ሓውቦ አይከውንን ክንዲ አቦ፥ ሓትኖ አይትኸውንን ክንዲ እኖ” ይብል። ወለዲ ንደቆም በቲ ንሳቶም ዝመረጽዎ መገዲ ኬዕብይዎም መሰል አለዎም። ብዘይፍቓድ ወለዲ ብዘይፍታዎም ብሓይሊ ብዘይፈትውዎ መገዲ ከም ሓሳቡ ኬዕብዮም ዚፍትን ብዓል ስልጣን አብ ልዕሊኦምን አብ ልዕሊ ወለድን ዓመጽን ግፍዕን ይፍጽም።
ወለዲ ንደቆም ክሳብ ዓቕሚ አዳም ዝበጽሑ ብኹሉ ክሕግዝዎም ክከታተልዎም አበይ ከምዝኸዱ ዝሓድሩ ክፈልጡ ምስ መን ከምዝኸዱ ክፈልጡ ሓልፍነት አለዎም። ቅ. ጳውሎስ “አቱም አቦታት ንደቅኹም ብናይ እግዚአብሔር ተግሣጽን ምዕዶን ደአ አዕብይዎም እምበር አይትኾርዩሎም” (ኤፈ 6፡4) ይብል። ወለዲ ብቐዳምነት ንደቆም ብፍርሃት እግዚአብሔር ኬዕብይዎም ሓሳባት ልቦም ናብ ሕይወት ዘለዓለም ኬዘምብልዎ የድሊ።
4ይ ትእዛዝ አብ ትምህርቲ ቅዱስ መጽሓፍ፡
አብ ዘጽአትን ዘዳግምን ዘሎ ብዛዕባ ራብዓይ ትእዛዝ ዝዛረብ ተመሳሳላይ እዩ።ዘዳግም ነቲ አብ ዘጽአት ዘሎ ይደግም እንተኾነ ብንጹር ይገልጾ።
“አብታ እግዚአብሔር አምላኽካ ዝሃበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኪነውኅ ምእንቲ ኪጽብቐልካ’ውን ከምቲ እግዚአብሔር አምላኽካ ዝአዘዘካ አቦኻን አዴኻን አኽብር” ኦሪ ዘዳግም 5፡16”።
ንሙሴ ከምዝተዋህቦ ራብዓይ ትእዛዝ ንውሉድ ጥራሕ ንወለዶም ክእዘዙ ይነግር። እንተ ኾነ አብ ብሉይ ይኹን አብ ሓዲስ እዚ ትእዛዝ ንኹሎም አብ ሓላፍነትን ካባና ዝዓብዩን ክንእዘዝ ክነኽብር ከምዝግብአና ይገልጽ። ውሉዳት ንወለዶም ክእዘዙን ከኽብሩን ዝብል ሓሳብ ብዝያዳ ክጽቀጠሉ እንከሎ ፍሉይ ምኽንያት አሎ እዚ ኸአ ውሉዳት ንወለዶም ነብኦምን አዲኦምን እንተ አኽበሩ ንመጻኢ ዕድሚኦም ዝኸውን መሰረት አንጺፎም አለዉ ማለት እዩ። ኩሉ መጻኢ ሕይወትና ካብታ ዝዓበናላ ስድራ እዩ ዝውሰድ። ካብ ወለድና ቤተ ሰብና ደቂ ዓድና ካብኦም ዝወሰድናዮ እዩ ንሕወትና ዝጸልዎ። ምስ መዕበይኻ ጥፍእ ዝብል ናይ ከባቢና ጽልዋ ክጎድአና ከምዝኽእል ዝገልጽ እዩ።
4ይ ትእዛዝ ከም ትምህርቲ ብሉይ ኪዳን፡
ብሉይ ኪዳን ብንጹር ቆልዑት አብኦምን አዲኦም ከኽብሩ ከምዝግባእ ይነግረና። መሰረት ናይ እዚ ትእዛዝ አብቲ እግዚአብሔር ዝአዘዞ እዩ ዝምስረት። ዓስቢ ናይ እዚ ትእዛዝ ክንፍጸም እንከሎ ኸአ ነውሕ ዕድመን፥ አብ ምድረ ተስፋ አብቲ እግዚአብሔር ነቲ ሕሩይ ህዝቢ ዝሃቦ ክትባረኹ ኢኹም ዝብል እዩ።
ንወለድኻ ምእዛዝ ማለት ምኽባሮም ማለት እዩ፥ ዕድሚኦም ይኹን አካላዊ ኩነታቶም ብዘየገድስ ክተኽብሮም ይግባእ ማለት እዩ። ምስ ድላይን ትእዛዝን እግዚአብሔር ዝሰማማዕ ክሳብ ዝኾነ አብ ኩሉ ክንእዘዝ አሎና ማለት እዩ። አብ ጊዜ ሕማም አብ ጊዜ ስእነት አብ ዕድመ ብዝሸምገሉሉ ጊዜ ውሉድ ንደቆም ክናብዩ ክእዘዙ ክኽብሩ እዙዛት እዮም።
ንወለድኻ ምኽባር ማለት ነቲ ምንጪ ኹሉ ዝኾነ እግዚአብሔር ምኽባር እዩ ነዚ ዘተሓሕዞ ኸአ ንምድራውያን ወለድና ክነኽብር ከሎና ንሶም ነቲ ናይ ኩሉ ፈጣሪ ዝኾነ አምላኽ አምሳል እዮም። ወሉዳዊ ተአምኖ ነቲ ምስ እግዚአብሔር ክህልወና ዝግብኦ ርክብ እዩ ዝገልጽ።
ወለድና ምስ አረጉ ወይ ምስተጸገሙ ብነፍሥን ብሥጋን ክንርድኦም ብጉድልነቶም ክንጾሮም የድሊ። ቅ. ጳውሎስ “አቱም ደቂ ቅኑዕ እዩ እሞ ንወለድኹም ከም ንጎይታና ተአዘዝዎም” ይብለና።
አብ ብሉይ ኪዳን ውሉድ ጥራሕ ንወለዶም ከኽብሩን ክእዘዙን ከምዘለዎም ጥራሕ አይኮነን ዝገልጽ፥ ወለዲ ምስ ደቆም ክህልዎ ዘለዎም ርክብ እውን ይገልጽ እዩ። ቆልዑት ንወለዶም ክእዘዙን ከኽብሩን እንተ ኾይኖም ወለዲ ንደቆም ብግቡእ ከዕብይዎም ዝኾነ ዘድልዮም መሰረታዊ ነገራት ዓቕሞም ዘፍቅደሎም ክገብሩ፥ ከምህርዎም፥ ሕጊ አምላኽ ከኽብሩ ከምህርዎም ይግባእ።
ነዚ መሰረት ገራ እትምራሕ ስድራ ጥራሕ እያ ክትዓብን ክትስስንን እትኽእል። አብ ብሉይ ኪዳን ስድራ ከም ሓደ ክፍሊ እምነት እያ እትርአ፥ እዚ ማለት ምስ እምነት ዘተሓሓዝ ነገራት አልኦ ካብ እምነት ፈሊኻ ክትርእዮ የብልካን። ስድራ ብዘይ እምነት ክህሉ አይክአልን እዩ። በዚ መሰረት ፋሲካ አይሁድ አብ መንጎ ስድራ እዩ ዝብዓል ነሩ፥ ናይ ስድራ ሓድነት እምነ መሰረት ናይ ሕሩይ ህዝቢ እግዚአብሔር እዩ ነሩ። ሰብ ብውልቁ ዝገብሮ የብሉን ንዝኾነ ንድኅነትን ንዝኾነ ሓገዝን አብ ስድርኡ እዩ ዝምርኮስ። ስድራቤት አብ ጽቡቕን ሕማቕን ናይ አባላታ ትካፈል። ብሉይ ኪዳን ነዚ ደጋጊሙ ክገልጾ ንርኢ።
ግልጸት 4ይ ትእዛዝ አብ ሓዲስ ኪዳን፡
ራብዓይ ትእዛዝ ብምጽአት ክርስቶስ ብዝያዳ ዓብዩን ምልአት ረኺቡን። ክርስቶስ አብ ስድራ ተወሊዱን ዓብዩን። ቅድስት ስድራ ንብላ። ምስ ወለዱ እናተአዘዘ አብ ናዝሬት ዓብዩ። አብ ዋዜማ ናይ ጥምቀት “እምድንግል ተወልደ ክሱተ ኮነ እንዘ ይትኤዘዝ ለአዝማዲሁ ከዊኖ ሰብአ በዮርዳኖስ ተጠምቀ” “ካብ ድንግል ተወሊዱ ግሁድ ኮይኑ፥ ንአዝማዱ (ወለዱ) እናተዘዘ አብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ” ዝብል ንረክብ። ሉቃስ 2፡51 አብ ኩሉ ሕይወቱ ንወለዱ ይእዘዝ ከም ዝነበረ ነንብብ። ካብዚ ዓለም ቅድሚ ምፍላዩ ቤተ ክርስትያን መስሪቱ እዚአ ኸአ መልዕልተ ባሕርያዊ ስድራቤት ናይ ሓዲስ ኪዳን እያ። በዚ ኸአ ናይ መንግስቲ ሓላፍነቱን አብዚ ምድራዊ ሕይወት ምምሕዳር ስልጣኑን ንጹርን ቅቡልን እንከሎ ቤተ ክርስትያን ካብ መንግስቲ ብዓላምአን ምምሕዳራን ፍልይቲ ገሩ መስሪትዋ።
ክርስትያንዊ ስድራ፡
ወዲ አምላክ ክርስቶስ ሰብ ምስ ኮነ ሕፃን ኮይኑ አብ መንጎና ሓዲሩ። አብ ሉቃ 2፡51” ምስአታቶም ወረደ. • . . . ይእዘዞም እውን ነበረ ይብለና። ድሕሪ አብ ቤተ መቕደስ ምርካቡ ኢየሱስ ምስ ዮሴፍን ማርያም አዲኡን ናብ ናዝሬት መጺኡ አብኡ እናተአዘዞም ዓብዩ ይብለና። አብዚ ኢየሱስ ንኹሎም ውሉዳት ምስ ወለዶም ዘልኦም ርክብ ተአዝዞን አኽብሮትን አብነቶም ኮይኑ። ንሱ ሰብአዊ ባህርይ ለቢሱ ንወለዱ ክእዘዝን ከኽብርን ፍቓደኛ ኮይኑ። ቅዱስ በርናርዶስ አብዚ ንቆልዑት ጥራሕ ዘይኮነ ንኹልና ዝኸውን አብነት ክርስቶስ ከም ዝሃበና ይገልጽ፥ ነቲ አብ ናዝሬት ከም ማንም ሰብ ኮይኑ ዘሕለፎ ሕይወት ክገልጽ እንከሎ ከምዚ እናበለ ኸአ ይሰብኽ ነሩ፡ “መን እዩ እዚ ዝእዘዝ ዘሎ? ንመን እዩኸ ዝእዘዝ ዘሎ? እግዚአብሔር እዩ ንሰብ ዝእዘዝ ዘሎ፥ እግዚአብሔር እቲ መላእኽቲ ዝእዘዝዎ፥ እቲ ሊቃነ መልእኽትን ስልጣናትን ዝእዘዝዎ፥ እግዚአብሔር ንማርያም ተአዚዙ፥ ንማርያም ጥራሕ ዘይኮነ ብሰንካ እውን ንዮሴፍ ተአዚዙ” (አብ ስብከት “ተላኢኹ” ዝብል ቀዳማይ) ይብል።
አብ ቅድስቲ ስድራ ማለት ማርያምን ዮሴፍን ንኹሎም ወለዲ አብነት ክኸተልዎ ዝግብኦም ሓላፍነት ንርኢ። አብ ሓንቲ ስድራ ፍቕሪ ሓልዮት ዝዓቕምኻ ምብርካት፥ ምምሕሓርን ምክብባርን፥ ዘምጽኦ ሓጎስን ተስፋን አብ ቅድስቲ ስድራ ክንርእዮ ንኽእል። ዮሓንስ ጳውሎስ ፪ ነዚ አብ “Familiaris consortio, 26” ብዛዕባ ስድራ ቤት አብ ዝጸሓፍዎ ይገልጽዎ።
“አብ ስድራ ቤት፥ ናይ ሰባት ማሕበር ዝኾነት ፍሉይ አትኩሮ አብ ቆልዑት እተድህብ ክትከውን ይግባእ እዚ ኸአ አብቲ ግላዊ መንነቶም ከዕብይዎ ኢሎም መሰረታዊ ምዕባሌ ከምኡ ዓቢ አኽብሮትን ሕያውነትን ንምሰሎም ብምግዳስን ዘድህብ ክኸውን ይግባእ። እዚ ንዝኾነ ቆልዓ ዝምልከት እዩ እንተኾነ መጠን ብዕድመ ዝነአሰሉ እቲ ግድነት ብዝያዳ አድላይ ኾይኑ መጠን ናይ ዝኾነ ነገር አድላይነት አብ ዘስዓበሉ አብ ዝሓመሙሉ እዋን አብ ዝሳቐዩሉ ወይ ዝሰንከሉሉ እዋን አድላዪ ይኸውን” ይብሉ።
አብ መንጎ ወለድን ሕፃንን ዘሎ ርክብ ካብቲ ብሓፈሻ እንሓስቦ ንላዕሊ ማለት ናይ ወለዲ አኽብሮት አብ ወሉዶም ወይ ናይ ውሉድ አኽብሮት አብ ወለዲ አሎ። ተአዝዞ ንወልዲ ዝግባእ እዩ እንተኾነ ወለዲ እውን አኽብሮቶም መጠን ንውሉዶም ዘኽበርዎ ዘፍቀርዎ እዮም ዝረኽቡ። ቆልዑት ንወለዶም ከኽብሩ ወይ ክፈትዉ እንተ ኾይኑ ናይ ወለዲ ፍቕሪ ወይ አኽብሮት አብ ልዕሊ ግላዊ መንነት ውሉዶም ግድነት እዩ።
ቆልዑት ንወለዶም ከኽብሩ ከመስግኑ መሰረታዊ ነገር አብ ሕይወቶም ክኸውን ይግባእ። አብዚ ክርስቶስ አብነት ናይ ቆልዑት እዩ፥ አብነቱ ርእዮም ክኽተሉ ከምቲ ንሱ ንማርያምን ዮሴፍን የኽብሮም ይእዘዞምን ዝነበረ ንሶም ከአ ንወለዶም ከኽብሩ ክእዘዙ ይግባእ።
ንዓበይቲ ምኽባር፡
አብ ቅዱስ መጽሓፍ ኮነ ብልምዲ ሃገርና ንዓበይቲ ምኽባር ዝተሓለወ እዩ። አብ ልማድ ሕዝብና ዘይዘመድና እንተኾነ እውን ንዓብይ አቦ ንዓባይ አደ ኢልካ ምጽዋዕ አቱም አንትን ንስኹም ንስኽን ኢልካ ምዕጻፍ ናይ አኽብሮት ጽቡቕ ልምዲ እዩ። ቅ.ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ወዱ እንክጽሕፈሉ “ንሽማገለ ከም አቦኻ ምዓዶ እምበር አይትዝነፎ ንአረገውቲ አንስቲ ከአ ከም እኖታትካ ንናአሽቱ ከአ ከም አኅዋትካ ብኵሉ ንጽሕና መዓደን” (1ጢም 5፡1~3) ይብል። አብ ኦሪት ከአ “አብ ቅድሚ ሰብ ተንሥእ ገጽ አረጋዊ አኽብር ንአምላኽ እውን ፍርሓዮ” ይብለና (ዘሌዋ 19፡32)። ንጽጉም ንአረጊት ምሕጋዝ አምላኽ ዝፈትዎ ሰናይ ግብሪ እዩ። ንዓበይቲ ምኽባር ካብ ወለድና ኢና እንወርሶ። ብሩኽ ውሉድ ነብኡን ነዲኡን የንእዶም አቦኻ ጽቡቕ ጠባይ እንተ አውረሰካ እዩ እምበር ሃብትን ክብርን ዚዓብስ የብሉን።
መንፈሳዊ ውሉድነት፡
ነቲ አብ ብሉይ ኪዳን ዘሎ ርድኢት ርክብ ወለድን ደቆምን ዘሎ ብዝያዳ ዓዚዙ ክርአ ክርስቶስ አብቲ ብዛዕባ ቆልዑት ዘስተምሃሮ ክንረኽቦ ንኽእል። ቆልዑት ክፍቀሩ አልኦም። አብ ሓደ አጋጣሚ ኢየሱስ አብ ቅድሚ ሓዋርያቱ ሓደ ቆልዓ ወሲዱ አብ ማእከሎም አቖሞ ሓቝፉ ኸአ “ካብዞም ከምዚአቶም ዝበሉ ቔልዑ ንሓደ ብስመይ ዚቅበል ዘበለ ንአይ እዩ ዚቅበል፥ እቲ ንአይ ዚቕበል ከአ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ እምበር ንአይ አይኮነን ዚቕበል” በሎም ( ማር 9፡35~36)።
አብ ካልእ አጋጣሚ እውን ሓዋርያት ነተን ኢየሱስ አብ ልዕሊ ደቀን ኢዱ ከንብር ወይ ክትንክፎም ኢለን ዘምጽአ ዝነበራ ይግስጽወን ነሮም፥ ኢየሱስ ነዚ ምስ ረአየ ተቖጢዑ ንሓዋርያቱ ከምዚ በሎም፥ “ ሕፃናት ናባይ ይምጽኡ ሕደግዎም መንግስቲ አምላኽ ነዞም ከምዚአቶም ዝበሉ እያ እሞ አይትኸልክልዎም” ድሕርዚ ንድኅነት ግድነት ዝኾነ ቅድሚ ኹነት ነጊርዎም “እቲ ንመንግሥቲ አምላኽ ከም ሕፃን ኮይኑ ዘይተቐበላ ከቶ ኸም ዘይአትዋ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ ሓሓቝፉ ድማ ኢዱ አንቢሩ ባረኾም” ( ማር 10፡13~15) ይብል።
አብዚ ዓለም ብሕይወቶም እንከለዉ ክድኅኑ ዝደልዩ ከምቲ ታሪኽ ደቂ ሰብ ምስ ሕፃናት ዘወዳድሮ ርድኢት ከም ናይ ሕፃናት ሕይወት ትሕትናን ተአዝዞን፥ ገርሃኛታትን ቅኑዓትን ክኾኑ ይግባእ።
ቅ. ጳውሎስ አብ ሰብ ኤፈሶን ዝጸሓፋ “አቱም ውሉድ ቅኑዕ እዩ እሞ ንወለድኹም ብጎይታ ተአዘዝዎም” (ኤፈ 6፡1)፥ ንኹሎም አመንቲ ክርስትና ኸአ “ኢንታ ዘይብሎም ንጹሓትን አበር ዘይብሎም ውሉድ አምላኽ ኮንኩም አብርሁ” ይብሎም (ፍሊጲስዩስ 2፡15)። ውሉዳት ንስድርኦም ክገብርዎ ዝግብኦም ነገር እንተ ደኣ አልዩ ኩሎም ተኸተልቲ ክርስቶስ ንእግዚአብሔር ክገብርዎ ዝግብኦም ነገር ከአ አለዎም። አብ ኩሉ ሕይወቶም እሙናት ኮይኖም አብትሕቲ እቲ ሓደ ከአል ኩሉ ዝኾነ ብዘይ ናቱ ፍቕርን ፍቓድን ሓንቲ ክገብሩ ዘይክእሉ ስለዝኾኑ ከም ሕፃናት ኮይኖም ክካየዱ ይግባእ።
ንሰበስልጣን ቤተ ክርስትያን ምእዛዝ፡
ክርስቶስ ነታ ንሱ ዝመስረታ ቤተ ክርስትያን ዝመርሑ ክእዘዙ ንኹሎም አመንቱ ደጋጊሙ ገሊጹ። ንሓዋርያቱ ካብዚ ዓለም ቅድሚ ምኻዱ ክፋነዎም እንከሎ ኪዱ ነቲ ኹሉ ዝመሃርኩኹም ክሕልዉ ንኹሉ ዓለም ምሃሩ እናበለ ልኢኽዎም። እዚ ትእዛዝ እዚ ንኹሉ ነቲ መድኅኒና ንህዝቢ ክምህር ከገልግል እንከሎ ዝበሎ ዘጠቓለለ እዩ። ንሱ ካብዚ ዓለም ንሰማይ ምስዓረገ ንሓዋርያትን ተከተልቶም ብስሙ ንኻልኦት ክመርሑ አዚዝዎም። “እቲ ንአኻትኩም ዝሰምዕ ንአይ እዩ ዝሰምዕ እቲ ንአኻትኩም ዝአቢ ንአይ እዩ ዚአቢ፥ እቲ ንአይ ዚአቢ ድማ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚአቢ” በለ (ሉቃ 1፡16)።
ዝኾነ ምስ ራብዓይ ትእዛዝ ዝተተሓሓዘ ብዛዕባ ሕፃናት ንወለዶም ክእዘዙ ከኽብሩ ዝብል አብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ነቶም ብስም ክርስቶስ አብ ስልጣን አገልግሎት ዘለዉ ክእዘዙን ከኽቡሩን ትሑዛት እዮም ዝብል እውን የስምዕ እዩ። ልክዕ ከምቲ ናይ ወልድን ውሉድን እዩ። እዚ ኸአ እናተቓባበልካ ዝግበር ፍቕሪ እዩ ማለት ምእመናን ንሰበ ስልጣን ሰበ ስልጣን ከአ ንምእመናን ከኽብሩ ይግባእ ማለት እዩ።
አብ ላቲናዊ ሕገ ቆኖና 212 እንተ ረኤና “ኩሎም ምእመናን ብዛዕባ ሓላፍነቶም አፍልጦ ዘልኦም ንኹሎም አብ መንፈሳዊ ሓላፍነት ዝርከቡ ክእዘዙ ትሑዛት እዮም። እዚ ኸአ ንሳቶም ንክርስቶስ ዝውክሉን መማህራን እምነት ስለዝኾኑን መራሕቲ ቤተ ክርስትያን እዮም” ይብል።
እቶም አብ ሓላፍነትን ስልጣንን ዝርከቡ ኸአ አብ ምእመናን ክገብርዎ ዝግብኦም አሎ። ንአቡናት ጥራሕ ዝርኢ አብ ሕጊ ቆኖና ብዙሕ ተጠቒሱ አሎ። ንዓምዲ እምነት ንሞራላዊ ነገራት ዝርኢ ንስርዓተ ሉቱርግያ ዝርኢ ንምእመናን ብግቡእ ከግልግሉ ክመርሑ እሞ ከፍልጡ ይግባእ። ንኹሎም አብትሕቲ ሓላፍነቶም ዝርከቡ ምእመናን ቃል አምላኽ ከምቲ ክርስቶስ ዝሃቦም ገሮም ከስተምህሩ ክነግሩ ምስ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ብምስማር ከስትምህሩ ግቡኦም እዩ። “ምእመናን ክርስቶስ ብአገልገልቶም ነቲ ናይ ቤተክርስትያን ሃብቲ ክሳተፉ መሰል ግቡእ አልኦም ብፍላይ ብቃል አምላኽን ምስጢራትን ክቕበሉ መሰሎም እዩ”(ቆኖና 213)።
ናይ መንግስቲ መራሕቲ ምእዛዝ፡
ክርስቶስ ካብ ልደቱ ክሳብ ጊዜ ሞቱ ንሰበስልጣን መንግስቲ ናይ ግዚኡ ተአዚዙ። አብ ጊዜ ልደቱ ትእዛዝ ብአጉስጡስ ቄሳር ቆጸራ ንኩሉ ህዝቢ አብ ዓዓዱ ክምዝገብ ስለ ዝአዘዘ ማርያም ብጽሕቲ ነፍሰጾር እንከላ ምስ ዮሴፍ ንኢየሩሳሌም ከይዱ። ክርስቶስ አብ ኢየሩሳሌም ሞት ክፍረድ እንከሎ ብዘይ ቅኑዕ ፍርዲ ብመራሕ ሃገር እዩ ተዋሂብዎ።
አብ ሓደ አጋጣሚ ጥበብ ብዝመልኦ ግቡእ ሃገርን ግብኡ አምላኽን ገሊጹ። ሊቃነ ካህናትን ጸሓፍትን አብ ገለ ጌጋ እንተ ረኸቡ ኢሎም ክፍትንዎ ልኡኻቶም ሰዲዶም፥ እዚ ክአ አብ ቤት ፍርዲ መጋብያአ ሃገር ክኸስዎ መርትዖ ክረኽቡሉ ኢሎም እዮም። ንሱ ንስልጣን መራሕቲ ሃገር ዘየኽብር እንተ ኾነ ክኸስዎ ኢሎም እዮም።
እዚ ሕቶ አቕሪቦምሉ፡ “መምህር ብሓቂ ድአ መገዲ አምላኽ ትምህር እምበር ገጽ ሰብ ርኢኻ ከምዘይ ተዳሉን፥ ሓቂ ከም እትዛረብን ከም እትምህርን ንፈልጥ ኢና፥ ንቄሳር ግብሪ ክንህብሲ ግቡእ ድዩ ወይ አይፋልን ኢሎም ሓቲቶሞ፥ ጉርሖም ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፥ እቲ ዲናር አርእዩኒ ምስሉን ጽሕፈቱን ናይ መን እዩ በሎም፥ ንሳቶም ከአ ናይ ቄሳር በሉ፥ ንሱ ድማ ናይ ቄሳር ንቄሳር እቲ ናይ አምላኽ ድማ ንአምላኽ ሃቡ” በሎም (ሉቃ 20፡21~25)።
እዚ መሰረት ትምህርቲ ካቶሊካዊ እምነትና ንመንግስትን ቤተክርስትያንን ዝርኢ እዩ። መራሕቲ ሃገር አብ ቅድሚ አምላኽ አብዚ ሕይወት ዘድሊ ንግዝያዊ ነገራት ክመርሑ ካብ እግዚአብሔር ሓላፍነት አልኦም። ኩሎም ደቂ ሃገር ንሰበ ስልጣን መንግስቲ ክእዘዙ አልኦም። እንተኾነ ተአዝዝኦም ቅድሚ ኩነት አልኦ፥ ማለት ግቡእ አምላኽ ቀዳምነት ዝህብ መምርሒ ክኸውን ይግባእ። ሕጊ መንግስቲን ስርዓታት ናይ ሰበስልጣን መንግስትን ሕልናዊ ሓላፍነት ዝለብሱ ምስቲ ሕጊ አምላኽ ክሰማማዕ እንከለዉ ጥራሕ እዮም።
ቅ. ጴጥሮስ ነቶም ቀዳሞት ክርስትያን “እግዚአብሔር ቅኑዓት ደቂ ሃገር ክትኮኑ ይደልየኩም” (1ጴጥ 2፡15) ይብል። ቅ. ጳውሎስ እውን “ ነፍስ ወከፍ ነቲ አብ ልዕሊኡ ዘሎ ብዓል ስልጣን ይገዝአዮ” (ሮሜ 13፡1) ይብል። ክልቲኦም ጴጥሮስን ጳውሎስን ትምህርቶምን እምነቶምን ምስ አረመናዊ መንግስቲ ሮማ ስለ ዝይከደ ሕይወቶም ምእንቲ እምነቶም ሂቦም።
መራሕቲ ሃገር ክንእዘዞም ይግባእ። እንተኾነ አብዚ እዋን ንብዙሓት ተኸተልቲ ክርስቶስ ዝገጥሞም ዘሎ ዓለም ለኻዊ ጸገም መሰል ምንጻግ እምነቶም ብመራሕቲ ሃገር እዩ። ንሱ ጥራሕ ዘይኮነ ርኡይ ግፍዕን ውርደትን ክርስትያን ጥራሕ ስለዝኾኑ አብ ብዙሓት ሃገራት ዘሎ እዩ። ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን “አዋጅ አብ እምነታዊ ነጻነት” አብ ዝብል ነዚ አልዒሉ ክገልጽ እንከሎ “ገለ ዓይነት መንግስታት አለዉ አብ ትሕቲኦም ንዝርከቡ ናይ እምነት ነጻነት ዝግህሱ እሞ ሕይወት ሕማቕ ዝገብሩን ንሕይወት አስጋኢ ኩነት ዝፈጥሩን” (Declareation on Religious Liberty,15) ይብል።
ክንክተሎ ዝግብአና ካብ መጀመርያ አትሒዙ ዘይቅየር እዩ። እቲ ጴጥሮስን ሓዋርያትን ነቶም አብ መጋባእያ ምስ ቀረቡ ዝበልዎ ናይ ሎሚ መልስና እውን ንሱ እዩ። “ካብ ንሰብሲ ንአምላኽ ምእዛዝ እዩ ዚግባእ” (ግ.ሓ. 5፡29)። ዋጋ ናይ እዚ ሓሳብ ሰማዕትነት እዩ።
ትምህርትን መምርሕን ቤተ ክርስትያን ክንሰምዕ ክንፈልጥ ይግብአና። ፍርሒ አሕዲርና ወይ ጥቕሚ ደሪኹና ንሓቂ እምነትና ክንጥሕስ አይግባእን። ንሰበ ስልጣን ምኽባር ማለት ነቲ ምስ እምነትና ዘይጻረር ነገራት ማለት እምበር ንዝኾነ ንሶም ዝብልዎ ምኽባር ማለት አይኮነን። ከም አብነት አብዚ እዋና ብፍላይ አብዚ ዓዲ ዘሎናዮ፥ ጽንሲ ምስዳድ፥ ንአረጋውያን ጥቕሚ የብሎምን ኢልካ ምቕታል፥ መከላኸሊ ጽንሲ ምጥቃም፥ ናይ እምነት ነጻነት ምግሃስ ዝአመሰሉ መንግስትን ገለ ፓርቲታትን ሕጊ ክኸውን ይጽዕሩ አለዉ ካቶሊካዊ እምነት ዝኽተል ነዚ ክቕበል ቤተ ክርስትያን ካብ መምህራ ክርስቶስ ብዝተቐበለቶ ሓላፍነት ትኽልክሎ እያ ስለዚ ንቤተ ክርስትያን ክንሰምዕ አሎና።
ናይ ዘመና ጸገማት ፡
ራብዓይ ትእዛዝ አብዚ እዋን ብብዙሕ መገዲ ተጋሂሱ ንረኽቦ። ወለዲ ንደቆም ዝፈርሑሉ እዋን ኢና ዘሎና እንተበልና ምግናን አይኮነን። ዘሎናዮ ዘመን ንግላዊ ነጻነት ቀዳምነት ዝህብ አብ ገለ እዋን ብሰበ ስልጣን ብእዉጅ ፍቓድ ዝውሃቡሉ አሎ። ቆልዑት አብ መራኸቢ ብዙኃን ብዝርእይዎ ከምኡ አብ ገለ አብያተ ትምህርቲ ብመማህራን ብዝውሃብ መምርሒ ናይ ወለዶም ሓላፍነት ስልጣን ክነጽጉ ይርኤ። በዚ ዝሳቐያ ስድራቤታት ማእለያ የብለንን ብፍላይ አብዚ ምዕቡል ክፍሊ ዓለም አብ ሃገርና እውን እናጸለወና እዩ። እዚ ርድኢት ዝቕየረሉ ቆልዑት ካብ ንእስነቶም ንወሊድ ምኽባር ዝብል ትእዛዝ ክምሃሩን ክፈልጡን ክንገብር ናታትና ሓላፍነት እዩ።
አብ መንጎ ስድራ ቆልዑት አብ ዓቕሚ ስድራ አብ ዝበጽሑሉ ነዚ ናይ ዘመና ጸገማት ብግሁድ ክዛረብዎ ከዕልሉሉ ነቲ ሓቂ ትምህርቲ እምነቶምን ባህሎምን ክዛረቡሉ ይግባእ። ወለዲ ናይ ኩሉ አብ ትምህርቲ ዝውሃቦም ሓበረታ አፍልጦ ክህልዎም ይግባእ።
ንአረጋውያን ዝግብኦም ክብሪ ዘይምሃብ ሓደ ክብቲ ናይ ዘመና ጸገም እዩ። አብዚ ምዕቡል ዓለም ዝብሃል ንአረጋውያን አብ ገለ ቤት አረጋውያን ደርቢኻ አብ ገለ አጋጣሚታት ጥራሕ ምርአዮም እሞ ብጽሞና ካልእ ዝተፈላለየ ጸገም ዝጓነፎም ሽማገለታት ንርኢ አሎና። ኩሉ እንዳ አረጋውያን ሕማቕ ማለት አይኮነን እንተኾነ መብዝሕትኡ ዓይነት ቢዝነስ ስለ ዝኾነ ገንዘቦም እዩ ዝግድሶም እምበር ናይቲ አረጊት አይግድሶምን እዩ። ክመውት አይድሉን ገንዘብ ከይተርፎም። ብሓቂ ዘሕዝን እዩ። ንስድራኻ አብ ቤት አረጋውያን ምእታው ኃጢአት አይኮነን ግን ከም መስጎጊ ተጠቒምካ ምርሓቖም ዓገብ እዩ። ወለድና ክሳብ ጊዜ ሞቶም ዝግብኦም ክብሪ ክንህቦም ትሑዛት ኢና። ንወለዲ ቅድሚ አብ ቤት አረጋውያን ምስዳድና አቐዲምና ክንርኢ ክንዛረበሉ ኩሉ ምስ ረኤና ዝሓይሽ ንኹሉ ኢልና ምስ ወሰና ኢና ክንገብሮ ዝግብአና።
አብ ዓድና ብዕድመ ንዝሸምገሉ ክሳብ ሎሚ ክብሪ አሎ። ዓቢ ነቢ ከምዝብሃሉ ብሓፈሻ ንወለድና ነኽብር ኢና ጽቡቕ ባህሊ። ክሳብ ዕለተ ሞቶም ብኽብሪ ዝሓለፉ ብዙሓት እዮም። እዚ ቅዱስ ባህሊ አብ ደቅና ክነሕልፎ ሓላፍነትና እዩ። ራብዓይ ትእዛዝ ንደቅና እቲ ዝግባእ መዕበያን ክስኮሳን ክንህቦም ብእምነቶምን ባህሎምን ክነዕብዮም ግቡእና እዩ ስለዚ ፍቕሪ ወለዲ አብ ጊዜ ጉብዝና ጣራሕ ዘይኮነ አብ ኩሉ ክኸውን ክንሕብሮም አሎና።
ናይ ቤተ ሰብ ፍቕሪ፡
ራብዓይ ትእዛዝ ንወለድና ክንእዘዝ ክነኽብር ይእዝዘና። አብ ትሕትዚ ትእዛዝ ብዙሕ ካልእ አሎ ክንእዘዞም ክነኽብሮም ዝግብአና። አብ ላዕሊ ከም ዝተጠቕሰ ንሰብ ስልጣን፥ ቤተ ክርስትያን፥ ንመራሕቲ መንግስቲ ክንእዘዝ ግቡእ እዩ። ብሥጋ መቕርብና ደቂ ዓድና ክነኽብር እውን ሓደ ካብቲ እዚ ትእዛዝ ዝእዝዞ እዩ። ምስ ናይ ቀረባ አዝማድና ዘሎና ርክብ አብ ሕይወትና ወሳኒ እዩ፥ ብፍላይ ምስ ሓውና ሓፍትና ዘሎና ርክብ። ንአና እቶም ዝቐረቡ አባላት ቤተ ሰብና እዮም። አሕዋት ክፋቐሩ ክተሓባበሩ ክትርኢ ክንደይ ጽቡቕ እዩ።
ብአንጻሩ አሕዋት ክጻልኡ አዝማድ ክፈላለዩ እንከለዉ ክንደይ ሕማቕ ነገር እዩ። አዝማድና መቕርብና ስለ ዝኾኑ አብ ኩሉ ጽቡቕን ሕማቕን ጉዳይና ብዝያዳ ዝሳተፉ ዘማዕርጉና ስለ ዝኾኑ ክነኽብሮም ክንከባበር ጠቓሚና እዩ። ሰቡ ዘየኽብር ንኻልእ ከኽብር አይክእልን እዩ። ክብረት ምስ መቕርብካ እዩ ዝጅምር። አብ መዝ. 133፡1 አሕዋት ሓቢሮም ኪነብሩስ አዝዩ ሰናይን ጥዑም እዩ” ይብለና። ምስ አዝማድና አብ ጊዜ ድኽመቶም ክንምሕር ክንሕግዞም እንከሎና ሰናይ እዩ። ዓበይቲ አሕዋትን አሓትን አብ ትሕቲኦም ንዘለዉ ንአሽቱ ክሕግዙ ይግባእ። አብ ስድራ ሓደ ቆልዓ ክውለድ እንከሎ ነታ ምልእቲ ስድራ በረኸት ካብ አምላኽ እዩ። ሓደ ንበይኑ ዝገብሮ የብሉን እንተ ገበረ ከአ ጎደሎ እዩ፥ ናይ ኩሎም መቕርብ ፍቕሪ ሓልዮትን ምሕብሓብን የድልዮ።
ክንተሓጋገዝ ግቡእይ እዩ፥ እዚ ማለት ግን ብገንዘብ ጥራሕ ማለት አይኮነን አብ ኩሉ መንፈሳውን ንዋታውን ሓገዝ እዩ ዘስምዕ። አብ ዓበይቲ ብዓላት ከምኡ አብ ገለ ናይ ስድራ ጉዳያት አብ ሞት መርዓ ክንተሓጋገዝ ሰናይ ትምኒትና ክንገላለጽ ይግብአና። ካብ ሰብካ ወጺእካ ምስ ካልእ ምጥቓዕ ግዝያዊ እዩ ፍቕሪ ካብ ቤትና ክጅምር እንከላ ፍረ አልኣ።
መደምደምታ፡
ራብዓይ ትእዛዝ ንወለድና፥ ንሰበ ስልጣን፥ ነዝማድና፥ ንኹሉ ክንኽብር ይእዝዘና። እዚ ትእዛዝ ገፍሕን ብዙሕ ሓላፍነት ዝተቓልል ስለ ዝኾነን ቀሊል አይኮነን። ነዚ ዕዉት ክኸውን ወለዲ ናይ ኩሉ መጻኢ ሕይወትና ቀዳሞት መማህራን ስለ ዝኾኑ ሓላፍነቶም ፈሊጦም ንደቆም እቲ ዝግባእ ኩስኮሳን አፍልጦ ሃይማኖቶም ክህብዎም ከምኡ ሕግን ስርዓትን ሕብረተ ሰብ ክነግርዎም ይግባእ። አብ ቤትና ዝተመሃርናይ እያ አብ ሕይወትና እትስዕበና።
ሰብ ከምሰብ ክቡር ፍጡር አምላኽ እዩ፥ ዕድመ ዓለት ሃይማኖት ብዘየገድስ ንሰብ ክነኽብር ትሑዛት ኢና። አብ ታሪኽ ሰብ ግን ሰብ ንሰብ ክገፍዕ ክቀትል ከጨንቕ ርኡይ ፍጻሜ እዩ። ቤተ ክርስትያን አሰር መምህራ ክርስቶስ ኮይና ተፋቐሩ ተምሓሓሩ፥ ዓገብ አብ መንጎ እንተ ተረኽበ እቕረ ተበሃሃሉ ትብለና። ብፍላይ አብ ሞንጎ ስድራ ቤት አዝማድ ሰላም ፍቕሪ ሕድገት ክነግስ ሓደራ ትብለና። ሰላማ ፍቕሪ ምምሕሓር እንተ አልዩ ኩሉ ጽቡቕ ክኸውን እዩ። ንዓበይቲ ክነኽብርን ክንእዘዝን ድላይ አምላኽ እዩ።
ነዚ አምላኽ አብ ልቢ ኩልና ዝሰዅዖ ትእዛዝ ሎሚ እውን ሓዲስና አብ መንጎና ዝንአሰ ንዝዓበየ ከኽብርን ክእዘዝን ዝዓበየ ኸአ ንዝነአሰ ክምርቕን ክሕግዝን እንተ ኸአለ አምላኽ አብ መንጎና አሎ ማለት እዩ እሞ ሕጉን ትእዛዛትን ተከቲልና እንነብር ይግበረና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ
All the contents on this site are copyrighted ©.