2012-11-01 12:47:10

ኢጣሊያ፣ ተበግሶ ከተማ ቶሪኖ ንበዓለ ኵሎም ቅዱሳት


ናይ ከተማ ቶሪኖ ሰበኻ ናይ መንእሰያት ሓልዮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝከታተል ቤት ጽሕፈት ብምኽንያት እቲ ሎሚ ብላቲን ስርዓት ዝበዓል ዘሎ ዓቢይ በዓል ኩሎም ቅዱሳት ትማሊ ዘዳለዎ መደብ ምስክርነትን ጸሎትን መንፍሳዊ ምርኢትን መዛሙርን ከምእተኻየደ እንክምልከት፣ እዚ ኣብ ናይ ቅዱስ ምስሊ ናይ RealAudioMP3 ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ማእከል ዝተኻየደ ምዃኑን ኣብቲ መደብ ናይ ቶሪኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕእ ኣቡነ ቸሳረ ኖሲሊያ ከምእተሳተፉን ብመደብ ኣስተንትኖ ኣብ ቅድሚ ቅዱስ ቁርባን ከምእተዛዘመ ካብ ቶሪኖ ሰበኻ ዝተመሓላለፈ ዜና ሓቢሩ።
ናይ ሰበኻ ቶሪኖ ናይ መንእሰያት ሓልዮ ሓዋርያዊ ግብረ ኖልዎ ቤት ጽሕፈት ሓላፊ ኣባ ሉካ ራመሎ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እዚ ዝተኻየደ መደብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ምስክርነትን ምስ መንእሰያት እቲ ናይ ቶሪኖ ካቶሊካውያን መንእሰያት ሲኖዶስ ንምክያድ ንዝተሓንጸጸ መደብ መሰናደዊ እውን ምዃኑ ሓቢሮም፣ መንእሰይ ወለዶ ሱታፌ ኣብ ናይ ናይ ቤተ ክርስትያን ሕይወትን ሊጡርግያን መንፈሳዊ መደባትን ኣብ ቅዱሳት ምስጢራትን መታን ከነቓቕሕን ከበራትዕን ዝድግፍ እዩ። ብፍላይ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ እምነት ክርስትና ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ዝተኻይደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ናይ እምነት ዓመትን ምኽንያት ቅዱስ ኣቦና ማዕጾ እምነት እተሰምየት ዘመሓላለፍዎ ሓዋርያዊ መልኽቲ፦ “ጨው መቐረቱ ከየጥፍእ ምጥንቓቕ የድሊ ዝበልዎ” ሓሳብ ዓመታዊ በዓል ኩሎም ቅዱሳት ብዘልማድ ከይንበር ኩሉ ንቕድስና ዝተጸውዔ ምዃኑ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝገልጾ ሓሳብ መሰረት ገይሩ ዝነበሮ መንፈሳዊ መደብ እዩ ኢሎም።
ትርጉም ሕይወትን ምንባርን መሠረት ባህልን ስነ ፍልጠትን ምርምርን ዝህቦ መልሲ ምስቲ እምነት ዝህቦ መልሲ ብምንጽጻር ኣብ መንጎ እምነትን ስነ ፍልጠትን ዘሎ መሠረታዊ ምትእስሳር ብምቕላሕ፣ እምነት መላእ ህልውና ሰብ ዝምልከትን ዘጠቓልልን ከምዝኾነን ሱታፌ መንእሰያት ኣብ ቤተ ክርስትያን ንምትብባዕን ነቶም ዝረሓቑ ናብ ቤተ ክርስትያን ንክቐርቡ ንኣኣቶም ቐሪብካ ምስቲ መሰረታዊ ሕቶታቶም ገጢምካ ምልኣት ሓጎስን መልስ መን ምዃኑ ብስነ ሓሳብን ርትዓዊ ኣተሓሳስባን ንምሕባርንን ንምስካርን ዝድግፍ መንፈሳዊ መደብ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.