2012-11-01 12:52:52

ንዝኽሪ መበል 20 ዓመት ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መዝገበ ሃይማኖት ተኸታታሊ ሓድሽ መደብ ራዲዮ ቫቲካን


ቅድም ክብል ብምኽንያት እቲ ዝበዓል ዘሎ መበል 50 ዓመት ዝኽሪ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ምኽንያት ራዲዮ ቫቲካን ብኢየሱሳውያን ማሕበር ኣባል ኣባ ዳሪዩስዝ ኮዋልዝይክ ብተኽታታሊ ታሪኽን መሰረታዊ መንቀልን ውሳኔታቱን ትርጉም ውሳኔታት ሰነድ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ብተኸታታሊ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡ እንክዝከር RealAudioMP3 ፣ ብተመሳሳሊ መልእክዕ ኣባ ኮዋልዝይክ ቀጺሎም ነቲ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘተሓሳሰቦን ኣርሒቕካ ናይ ምስትውዓል ብቕዓቱ መሰረት መዝገበ ሃይማኖት ትምህርቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክዳለው ዝሃቦ መተሓሳሰቢ ተተግቢሩ እቲ ሰነድ ድሮ መበል 20 ዓምቱ ይበዓል ከምዘሎን ነዚ ናይ ካቶሊክ ቤተ ክርስትያን ናይ ትምህርቲ ክርስቶስ መዝገብ ኣደጊፉም ኣብ መባእታ ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ኣስተምህሮ ከቕርቡ ምዃኖን ንሕብር።
ኣባ ዳሪዩስዝ ኮዋልዝይክ ቅድሚ ትማሊ ኣብ ዘቕረብዎ መእተዊ ኣስተምህሮ፦ “ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዝኣወጅዎን ድሮ ዝተጀመረን ንናይ እምነት ዓመት ምኽንያት ‘Porta Fidei-በሪ እምነት’ ዘርእስታ ዘመሓላልፍዎ ሓዋርያዊ መልእኽቲ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መዝገብ ሃይማኖት ትምህርቲ ክርስቶስ ብተኸታታልን መስርዕ ብዘለዎ መገዲ ክንበብ” ከምዘተሓሳሰቡ ገሊጾም፣ “መዝገበ ሃይማኖት መጋበርያን ድጋፍን እምነትን እዩ” እንክብሉ ቅዱስ ኣቦና ዝገለጽዎ ሓሳብ ዘኪሮም፣ እዚ መበል 20 ዓመቱ ዝዝከር ዘሎ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መዝገበ ሃይማኖት ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ኣስተዋጽኦ ዘለዎ ምዃኑን በዚ መሰረት ድማ ‘CatechismoYouCat-ትምህረት ክርስቶስ ንመንእሰይ ወለዶ’ ብዝብል ኣርእስቲ ተደሪሱን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንመላእ መንእሰያት ዝዓደልዎን ብዝተፈላለዩ ቋንቋ ተተርጉይሙ ዝተሓትመ ኣብ ኩለን ሰበኻታትን ቍምስናታትን ዝተባጽሔ እዩ። “ትምህርተ ክርስቶስ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብማሕበርን ኣብ ቤተሰብን ብግልን ክንበብን ክስትንተንን መንእሰያት ኣብዚ መዝገበ ሃይማኖት ዝተደገፈ ምይይጥን ርክብን ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙኃን ክዝትይሉ” ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከምዘተሓሳሰቡ ኣባ ዳሪዩስዝ ኮዋልዝይክ ገሊጾም፣ ቀዳማይ ክፍሊ ዘቕርብዎ መደብ ኣስተምህሮ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.