2012-11-01 12:37:40

ናይ ር ሊ ጳ ሮቡዓዊ ትምህርተ ክርስቶስ፡


ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክት ከም ወትሩ ትማሊ ሮቡዕ አብ ቅርዓት ቅዱስ ጰጥሮስ ንዕስራ ሺሕ ምእመናን ትምህርተ ክርስቶስ ሂቦም። እዚ ንምእመናን ዝተዋህበ ትምህርተ ክርስስቶስ አብ እምነተ እግዚአብሔር ዘተኮረ ኢዪ ኔሩ።
አብ ቤተ ክርስትያን ብቤተ ክርስትያን ምስ ቤተ ክርስትያን ኬንኳ ዘይካየድ እምነት ሐቀኛ እምነት ክኸውን ከም ዘይክእል ዘመልከቱ ር ሊ ጳ በነዲክቶስ መበል 16 እምነት ብሕታዊ ጉዳይ ከም ዘይኮነ አጽኒዖም አተሐሳሲቦም።
አተሐሒዞም ክአ እምነተ እግዚአብሔር አብ እግዚአብሔር ምእማን ማለት እምነት አብ ሐደ ኩርናዕ ዝቅመጥ ጉዳይ ዘይኮነስ ህዝባዊ ብርሃን ከም ዝኾነ አገንዚቦም።
ቀጺሎም አብ እግዚአብሔር ምእማን ማለት እምነት ናይ ብሕቲ ኢዩ ኢልካ ብምሕሳብ አብ ዝደለኻዮ ግዜ ቤተ ክርስትያን ትኸይድ አብ ዝደለኻዮ ግዜ ትጽሊ አብ ዝደለኻዮ ግዜ ምስጢራት ትቅበል ማለት ከም ዘይኮነ አብሪሆም።
እምነተ እግዚአብሔር ብሕታዊ ዝኸውን ንበይንኻ አብ ተስተንትነሉ ግዜን ምስ ፈጣሪ ኩሉ ዓለም አብ ትራኸበሉ ግዜን ከም ዝኾነ ክአ ገሊጾም ።
ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ መበል 16 አብዚ ትማሊ ሮቡዕ ማይ እናሀረመን ሰማይ ብደበና ተሸፊኑ ቁሪ አብ ዝነበረሉ ግዜ ንምእመናን ዝሀብዎ ትምህርተ ክርስቶስ አተሐሒዞም እምነት ብብሕቲ ምስ መድኅን ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ እንራኸበሉ ግዜ ጥራሕ ዘይኮነስ ብእግዚአብሔር ዝተዋህበና ብቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አቢሉ ዝፈሰና ፀጋ ከም ዝኾነ አመልኪቶም።
ክቡራትን ጥዑማትን ምእመናን ኩላዊት ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቤተ እምነት ከም ምንጪ እምነትን እምነት ዝዝርግሐሉ መካን ከም ዝኾነትን ክዝንጋዕ ዘይብሉ ጉዳይ ከም ዝኾነ ክነቅልበሉ ከም ዝግብአና ክአ ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ አስሚሮምሉ ።
ቅድስቲ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ክንብል ከለና ሐደ ሥነ ማሕበራዊ ተቅዋም ማለት ዘይኮነስ አብ እግዚአብሔርን አብ ኢየሱስ ክርስቶስን አብ መንፈስ ቅዱስን ዝተመሥረተት ማሕበረ ሰብ ከም ዝኾነት ክንርዳእ ይግባእ፡ ስለ ዝኾነ ክአ ካብ ቤተ ክርስትያን ተነጺልካ ዝህልወካ እምነት ሐቀኛ እምነት ስለ ዘይከውን ምስ ቤተ ክርስትያን ዝተአሳሰረ ማሕበራዊ እምነት ምስ ዝህልወካ ናይ ብሕቲ እምነትካ ክጸንዕ ይኽእል እንተዘይኮነ ኩሉ እምነትካ አጉል ይኽውን።
ቅድስትትን ኩላዊትን ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ካብ ክልተ ሺሕ ዓመታት ጀሚራ ክሳዕ ሎሚ ዕለት መጸ ብሐዋርያት ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተሰብከ ቅዱስ ወንጌል ከም ተበስር ኢየሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ድሕነት ሰብ ከም ዝተሰቃየን ሕይወቱ አሕሊፉ ከም ዝሀበን ወዲ ሰብ ብነፍስን ብስጋን ከም ዝቆመ ሕይወት ወዲ ሰብ አብ ምድሪ ተወሲኑ ከም ዘይተርፍ ትነግር ተረድእ ትገልጽ ትምዕድ ከም ዘላ አገንዚቦም።
አተሐሒዞም ክአ ባህሊ ቅድስት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ቅዱሳን መጽሐፍቲ ምዕቃብን ናይ ኩሉ ዘመናት ሰባት ምሕረት እግዚአብሔር ከም ዘሎ ንክርድኡ ትስብኽን ኢሎም።
ዝሐለፈ ሰንበት ዝተፈጸመ ሲኖዶስ ጳጳሳት ሐዲሽ ስብከተ ቅዱስ ወንጌል አተኲሩ ከም ዝዘተየ ጠቂሶም እዚ ምሕረት እግዚአብሔርን ምሥጢራቱን ዝሐዘለ ቅዱስ መጽሐፍ”ዚ እንገና ንህዝበ እግዚአብሔር ከም ዝስበክ አገንዚቦም።ቅዱስ አቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት በነዲክቶስ ቅድሚ ምዝዛም ትምህርተ ክርስቶስ ብዛዕባ”ቶም አብ ሕቡራት መንግስታት አመሪካ ሳንዲ ተባሂሉ ብዝተሰመየ ማዕበል ዝተሐወሶ ብርቱዕ አውሎ ንፋስ ሕይወቶም ዝስአኑ ሰባት ዘኪሮም እግዝአብሔር አብ መንግስተ ሰማያቱ ክቅበሎም ከም ዝጽልዩ አፍሊጦም።
አብ መወዳእታ ክአ ብሸሞንተ ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ንምእመናን ሰላምታ አቅሪቦምን ሐዋርያዊ ቡራኬ ሂቦምን ተፋንዮምዎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.