2012-10-30 18:35:29

፫ ሰንበት ዘጽጌ 2005 ዓ.ም. ናይ መንፈስ ነጻነት ካብ ማርያም ንመሃሮ


መዝሙር፡ ወመኑ መሓሪ ዘከማከ. . . . . . . ።
ንባባት፡ ገላ 5፡1~6 ራእ 14፡1~6፥ ግ.ሓ. 4፡19~31፥ ማር 11፡37~41
ምስባክ፡ “ጻድቅሰ ከመ በቀልት ይፈሪ፥ ወይበዝኅ ከመ ዘግባ ዘሎባኖስ፥ ትኩላን እምንቱ ውስተ ቤተ እግዚአብሔር” “ጻቃን ከም ስየ ይልምልሙ፥ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዓብዩ፥ አብ ቤተ እግዚአብሔር ዝተተኽሉ እዮም” መዝ. 92፡12።
መዝሙር፡ “ከማኻ ዝበለ መሓሪ መንአሎ፥ ምስ ኖኅ ኪዳን ዘጽናዕካ፥ ንደቂ እስራኤል መና ዘውረድካሎም፥ ንምድሪ ብዕምባታት ዘገጽካ፥ ሰማይን ምድርን ዝፈጠርካ ፀሓይን ምድርን ዘሰናዶኻ፥ ኩሉ አባኽ ተስፋ ይገብር፥ ከማኻ መሓሪ መን አሎ”።
አብ ታሪክ ሕይወትናን ካልኦትን እንተ ረኤና አምላክ ዝገበረልና ርኢና ክንክእል ኢና። እሳራኤላውያን ክንዝሑ አብ አምላኽ ክምለሱ ነቲ ነቦታቶም ዝገበሮ ዘኪሮም ይምለሱ ነሮም። ከማኻ ዝበለ መሓሪ መን አሎ ክብል እንከሎ ዕብየትን ምሕረት አምላኽ ክነስተንትን እሞ ተገሩለይ ተማሒረ ኢልና አብ ሕቕፊ አምላኽ ክንምለስ ሽዑ ጣዕሚ ደቂ ቤት ክነስተማቕር። ንግንዖት አምላኽ ክንርኢ እንተ ዘይከአልና ፍቕሩ ክንርኢ ከጸግመና እዩ ስለዚ አምላኽ ዝገበረልና ክንርኢ ሎሚ ምስ ማርያም ኮና አምላኽ ዝገበረለይ ዓበይቲ ነገራት እርኢ አሎኹ እናበልና ነመስግን።
፫ይ ሰንበት ዘመነ ጽጌ ክንዝክር ከሎና እምብአር ብፍሉይ ንሎሚ ክንስተንትኖ ዝድለ ዘሎ ካብ ማርያም እንምሃሮ ብዙሕ ነገራት እኳ እንተሎ ንሎሚ አብ ማርያም ዝነበረ ናይ መንፈስ ነጻነት እዩ። ንሳ ንአምላኽ ንዝበልካኒ ሕራይ ምስ በለት ምስኡ ስለ ዝተወሃሃደ ምሉእ ነጻነት ረኺባ። አብ ሕይወታ ንኹሉ ናይ እዚ ዓለም ስቓያት አውንዚፋ ልዕሊኡ ርእያ ስለ ዝኸአለት ንአኣ ካብ አምላኽ ዝፈሊ አይተረኽበን እዚ ኸአ እዩ እቲ ዝለዓለ ነጻነት ንሕና ደቂ ሰብ ክንረኽቦ ዘድልየና።
አብ ሕይወትና አብነት እትኾናና እምብአር ማርያም እያ። ሕይወት ማርያም ክነስተማቕር እንከሎና ብዙሕ እንምሃሮ አሎና። ንሳ ልዕሊ ኩሉ ዝገብራ ምስ አምላኽ ዘልአ ርክብ እዩ። አብአ ኃጢአት ዝብልዎ አይነበረን የለን ክህሉ እውን አይኮነን። ኃጢአት አብዘይብሉ አምላኽ አሎ። ሕይወት ማርያም ነቲ አምላኽ አብአ ዝገበሮን ነቲ ንሳ ንአምላኽ ክተመስግን ዘርአየቶ ምስጋናን እዩ ዝገልጽ። አምላኽ መልአኹ ልኢኹ አደ ወዱ ክትከውን ከም ዝደሊ ምስ ገለጸላ ወላ እኳ ክትርድኦ ቀሊል አይንበር ሕራይ ኢላ ተቐቢላቶ። ከም ማርያም ክንልአኾ ክንሰምዖ ምስኡ ጥቡቕ ሕይወት ክህልወና ድላዩ እዩ።
አምላኽ ካባይ ሎሚ አብዚ ዕድመ አብዚ ሃገር፥ አብ ስድራይ ሓዳረይ፥ አብ ቁምስናይ፥ አብ ዘለኽዎ ሕብረተ ሰብ እንታይ ክገብር ይደልየኒ፡


ሕይወት ማርያም አብዚ ሰለስተ ነገራት ተመስሪቱ ይምራሕ ስለ ዝነበረ ምሉእ ነጻነት ነርዎ። ቅዱስ ጳውሎስ አብ ናይ ሎሚ መልእኽቱ ናብ ሰብ ገላትያ ዝጸሓፎ ከም ዝብሎ ብዝኾነ ነገር ተቖሪና ካብ አምላኽ ከይንወጽእ እሞ አብ ባርነት ከይንነብር። አብ ሕይወትና አብ ገለ ነገራት ጥራሕ ቀዳምነት ሂብና እንተ ነበርና ባርነት እዩ ሕይወትና። አብ ባህሊ፥ ዓለትነት፥ ሕማቕ ጠባይን አተሓሳስባን፥ ሕማቕ ልምድን ወልፍን. . . ኩሉ ባራዩ ይገብረና። ካብዚ ኹሉ ክንወጽእ አብነትና ማርያም እያ። ንሳ ንጓሂ ንስቓይ ንፈተና ንኹሉ አሸኒፋ ዝተዓወተት እያ። ንቃል አምላኽ ዝሰምዑ ዕዉታት እዮም ኢሉና ክርስቶስ (ሉቃስ 11፡27~28)። ዓወት፥ ነጻነት በቲ አምላኽ ዝደልዮ ክትጉዓዝ እንከሎኻ ጥራሕ እዩ። እሞ ከመይ ንጉዓዝ አሎና ከምህዝቢ ከም ቁምስና ከም ካቶሊካውያን ጉዕዞና ብምንታይ ይልለ አሎ። ሰባት እዚኦምስ ናይ ክርስቶስ አርድእቲዶ ይብልና ወይስ ሕብርና ጠፊእዎም አየለልዩናን። ነዚ መንፈስ ክንመልሽ ሎሚ ብፍላይ አብዚ ዓመተ እምነት ተባሂሉ ተአዊጁ ዘሎ ክንበራበር እዋኑ እዩ።
ታሪኽ ሰብ ቃልሲ ንነጻነት እዩ። ካብ መጀመርያ ፍጥረትና ነጻ ክንከውን ኢና እንደሊ ሰይጣን ክቆርነና ከማና ዝበለ ሰብ ክገዝአና አይንደልን ኢና። ነጻ ምዃና ህያብ አምላኽ እዩ። አብ ዝተፈላለየ ሃገራት ነዚ መሰል ክሕልዉ አማእት መይቶም። ምእንቲ ነጻነት ዝተኸፍለ ሕይወት ብዙሕ እዩ። ሰብ እምብአር ሥጋውን መንፈሳውን ነጻነት ከምዝድልዮ አብ ሕቶ ዝቐርብ አይኮነን። ክልቲኡ ነጻነታት ዝለዓለ ዋጋ እዩ ዝኽፈሎ።

ሰብ ሎሚ ባዕሉ ብዝመሃዞ ተገዚኡ ንባርነት ናተይ ኢሉ ኢዱ ሂቡ ዘሎ እዩ ዝመስል። ብፍላይ አብዚ ምዕቡል ዝብሃል ዓለም ዘሎና ክበዱ ብፍላይ ክርአየና ይክእል። ኢንተርነት፥ ተለፎን ተለቪዥን፥ ኩሉ ካልእ ናይ ዘመና ምህዞ ንጥቕምና እዩ ተማሂዙ እንተኾነ ሕማቕ ወልፊ አሕዲሩልና ግዙአቱ ኮና ንርከብ አሎና። ሎሚ ተለፎን አብ ኢዱ ዘይሓዘ፥ እንተርነት ዘይጥቀም ኢመይል ዘይከፈት የለን ዳርጋ ወልፊ ኮይንና ብአጋጣሚ ተልፎን ረሲዑ ዝኸደ ዓቢ ነገር ዝጎደሎ ኮይኑ ይስምዖ ተለፎን ከም ቀንዲ ክፍሊ ሕይወቱ ገይሩ ዝወስድ ውሑድ አይኾነን፥ ቆልዑት እታ ዝበለጸት ህያብ ዝጽበይዋ ስድርኦም ተለፎን ክገዝኡሎም ምስ አዕርኹቶም ክራኸቡ ተክስት ክገብሩ፥ እዚ ኹሉ ጽቡቕ ምህዞ እዩ እንተኾነ ካባና ንላዕሊ ርኢና ክንካየድ ከሎና ግዙአቱ ኮና ብዘይብኡ ዓለም ትጽልምተና እዚ ናይ ዘመና ባርነት ምህዞ ደቂ ሰብ ሓዲግና አብ እቲ ሓቀኛ ርክብ ዝህበና አምላኽ ክንምለስ ቤተ ክርስትያን ዓመተ እምነት አዊጃትልና አላ። ካብ ባርነት ድንቁርናን ናይ ዘመና ግጉይ አጠቓቕማ ተክኖሎጂ ሓዲግና ዋናታት ምህዞና ጉዕዞና ክንከውን፣
አብ ወንጌል ብውሽጥናን ብደገናን ሓደ መልክዕ ለቢስና ክንጉዓዝ ይደልየና። ፈሪሳውያን ንግዳማዊ ሕጊ አብ ምኽባር ባህሊ ስርዓት እናበሉ ዘይመገዱ አትሒዞሞ ንዝነበረ ክርስቶስ ብግሁድ ተቓዊምዎ። ብደገ ምልኩዕ ብውሽጢ ግን ዝመሽመሸ ሬሳ እዩ ኢናበለ ውሽጥና ሒዝዎ ዘሎ እዩ እቲ ቀንዲ እምበር ግዳማዊ ነገራት አይኮነን። ሰንበት ሰንበት አብ ቤተ ክርስትያን እንተ መጻእና ግን ምስጢራት ዘይንካፈል፥ አብ ቂምታን ቅርሕንትን እንነብር ሓመይቲ፥ ዓመጽቲ እንተኾና፥ ካብ ሣጋን ደምን ክርስቶስ ርሒቕና እንነብር እንተኾና አብ ቅድሚ አምላኽ ዓስቢ የብልና ስለዚ ክንምለስ መገድና ክንቅይር እሞ ንአምላኽ ክንሰምዖ ቅድስና ለቢስና ክንሕደስ ንጽዋዕ አሎና፣
ማርያም ሒዝና ክንጉዓዝ ከሎና አብአ ተስፋ ድሕነት ስለ ዝርከብ አብ ማእከልና ነሕድራ። ቀዳመይቲ ማሕበር ክርስቶስ ድህሪ ሞት ኢየሱስ አብቲ ብፍርሒ ተሸቕሪራትሉ ዝነበረ አብ ማእከላ ኮይና እተጸናንዓን ሓንቲ እትገብራ ዝነበረት ንሳ እያ። ማርያም አብ ማእከልና እንተላ ምሕረት ህድገት ሰላም አብ መንጎና አሎ። ሎሚ አደ ኩንና ኢልና አብ አደና ንመለስ፣
ኦማርያም አደና ካባኺ ክንምሃር አብነትኪ ተኸቲልና አብ ጊዜ ጽቡቕን ሕማቕን ንወድኽን ንአኽን ከምእነሓጉስ ግበርና። ነቲ ወድኺ ዝበለና ክንሰምዕ አብ ኩሉ ንሰባት አብኡ ክምዝቐርቡ ክንገብር ሓግዝና ንበላ፣
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.