2012-10-30 18:42:52

ዕርቡን ሰማይ ምሃብ


ንባባት፡ ጥበበ ሰለሞን 7፡7~11፥ ዕብ 4፡12~13፥ ማር 10፡17~30
ተፈጥሮና ምስ አምላኽ ምዃን እዩ።
ስላሰ ንሰብ አርአያን አምሳልን ወራሲ ሰማይ ገሮም ፈጢሮሞ፥ ንአና ዝመስል ንኹሉ ፍጡርና ከምቲ ንሕና እንደልዮ ገሩ ክመርሕ ኢሎም ስላሴ ብአምሳሎም ፈጢሮሞ። እንተኾነ ሰብ ነቲ አምላኽ ዝሃቦ ዕጫ ሓዲጉ ባዕሉ ዝውንኖ መገዲ መሪጹ ካብ አምላኽ ርሑቑ ባዕሉ ዝመርሖ ሕይወት ክሕዝ ወሲኑ። እዚ ውሳኔ ንሰብ ሞት አምጺእሉ። ካብ አምላኽ ተፈልዩ ጸልማት፥ ሞት፥ ስቓይ፥ ኮይኑ መለለዪ ሕይወቱ። ሕይወት ብዘይ አምላኽ ክመርሕ ምስጀመረ ሽዑ ፍሉይ ሕይወት ክፈልጥ ጀሚሩ። ካብዛ ኦም ጽቡቕን ሕማቕን እተፍልጥ እንተ በላዕካ ክትመውት ኢኻ ኢሉ አጠንቂቕዎ ነሩ አይሰምዐን ምኽሪ አምላኹ ስለዘይሰምዐ ኽአ ፍሉይ ሕይወት ብዘይ አምላኽ ክፈልጥ ጀሚሩ። አድምን ሔዋንን ሓዲስ ምዕራፍ ብዘይ አምላኽ ክጅምርዎ እንከለዉ ፍርሒ ሞት ዘይምትእምማን አብ ነነድሕዶ ክርእዩ ጀሚሮም ከምዚ ኢሉ ጎደና ጥፍአት አብ ሕይውቶም ክርእዩ እሞ ኩሉ ክፈታተኖም፥ ኩሉ ካብቲ አምላኽ ዝሃቦም ጸጋ ዘርሕቕ ኩነት ክርእዩ ሕይወቶም ኮይኑ።
ድኅነት ካብ አምላኽ እዩ።
አምላኽ አይጭከነን ንወዲ ሰብ ከድኅኖ ደልዩ ሥጋኡ ለቢሱ ከምኡ መሲሉ ካብ ማርያም ተወሉዱ ከድኅኖ ወሲኑ። ክፈጥሮ እንከሎ ካብ ዝነበሮ ርክብ ብዝልዐለ ብዝያዳ ንአኡ መሲሉ ከድኅኖ ስለ ዝወሰነ ፍሉይ ርክብ ፈጢሩ። አምላኽ ሰብ ኮይኑ ይብለና ቅ. ዮውሓንስ። እዚ ሓሳብ ንብዙሓት ዘይ ክርስትያን አይውሓጠሎምን እዩ ከመይ ኢሉ አምላኽ ሰብ ይኸውን እናበሉ ይሓቱ። አይሁድ ሓደ እዋን አብ ስብከቱ ካብ ሰማይ ዝመጻእኩ እየ ኢሉ ምስተዛረቦም ከመይ ኢሉ ሰብ እንከሎ ካብ ሰማይ ዝመጻእኩ እየ ይብለና፥ እዝስ እቲ አብኡን አዲኡን እንፈልጦም አሕዋቱ እውን አብ ማእከልና ዘለዉ ወዲ ዮሴፍዶ አይኮነን እናበሉ ነቲ ዝብሎ ምቕባል አብዮሞ። እንተ ኾነ ንሱ አነ ካብ አቦ እየ መጺኤ እናበለ ዘምጽኦ ምኽንያት ከአ ነቶም ዝጠፍኡ አብ ሰማያዊ ቤቶም ክመልስ ምዃኑ ገሊጽሎም። አብ ቤት አቦና ክንምለስ እሞ ሓጎስ ጎይታና ክነስተማቕር ደቂ ሰማይ ክንከውን እዩ ኢየሱስ ንአና ዝመሰለ። ብወገን ክርስቶስ ዕርቡን ሰማይ ተኸፊሉልና እዩ። ናይ ድኅነት ስራሕ ኩሉ ፈጺምዎ። “ተፈጸመ ተስፋ አበው በማርያም ድንግል ወበ ቀራንዮ ተተክለ መድኃኒት መስቀል” እናበልና እቲ ክርስቶስ አብ መስቀል መይቱ ዝፈጸሞ ናይ ድኅነት ስራሕ ዕርቡን ድኅነት ከፊሉልና።
አምላኽ ዝገበረልና ርኢና ክንክእል።
አምላኽ ዝገበረልና ርኢና ክንክእል እንከሎና ጥራሕ እዩ አብኡ ክንምለስ እንኽእል። ቅዱስ ጳውሎስ ንሰብ ገላትያ (ገላ 3፡1~7) ዝብሎ እንተረኤና ነቲ አምላኽ ዝገበረሎም ስለ ዝዘንግዑ አንቱም ዓያሹ ዝንጉዓት ሰብ ገላትያ እናበለ ካበይ ዝመጸኩም እዩ እዚ አባኹም ዝርአ ዘሎ መንፈስ እናበለ አብቲ ሓቀኛ ትምህርቲ ክርስቶስ ንሱ ዘስተምሃሮ ክምለሱ ይምዕዶም። ሰብ ካብ አቦና አዳም ዝወረስናዮ ሕማማ ኩሉ ጊዜ ዘሕዊ ፈውሲ ክንወስደሉ ዝግብአና ጸገም አሎና ንሱ ከአ ዘንጋዕቲ ኢና፥ ውራይና ሓዲግና ንህውትት ንጠፍእ አድራሻና ነጥፍእ፥ ሽዑ አምላኽ ውሉደይ አበሎኻ/ኺ እናበለ ካብቲ ተሓቢእናሉ ዘሎና ክንወጽእ እሞ ደፊርና ክፍአትና ኃቲአትና አለሊና አብዚ ተሓቢኤ አሎኹ ክብል እሞ አብኡ ገጽና ጎደና ነጻነት ሰላም ተስፋ ሒዝና ክንምርሽ ይደልየና።
ክርስትያን ብአምላኽ ዝተገብረሉ ጉንዖት ርእዩ ክኽእል እንከሎ ጥራሕ እዩ ፍቕሪ አምላኽ ዝሓድሮ። ነቲ አምላኽ ብኢየሱስ ክርስቶስ አቢሉ ዝሃበና ናይ ምሕረት ስራሕ ክነስተማቕር፥ ክፍሊ ሕይወትና ክንገብሮ እሞ ክንሰብኮ ክንምስክሮ አነ ብደም ክርስቶስ ዝደሓንኩ እየ ወዲ/ጓል ድሕነት ምዃነይ ከርኢ ሕይወትይ ኢዩ ክንብል አሎና። ሕልናና ብርሃን ክርስቶስ ከይርኢ ጅሆ ገርና እንተ ሒዝናዮ አቦ ሓሶት ዝኾነ ሰይጣን ዝመራሒኦም ሕሱማት ጸልእቲ አለዉና። ሓንሳብ ምርኮኛታት ምስ ገበሩና ንሕይወት ባርነት ናትና ኢልና ከም እንሕዝ ይገብሩና እሞ መለልይና ባሮት ይኸውን። ኢየሱስ ግን ደቂ ነጻነት ገሩና እዩ። ብክርስቶስ ሓራ ወጺእና። ዕርቡን ተኸፊሉልና እዩ ነቲ ፈቃር አቦና ዝገበረልና ርኢና ናብ ቤት አቦና ንመለስ።
ጣዕሚ ቤት አቦኻ ርኢኻ ምኽአል የድሊ።
ሰብ ዝዓበየ ጸገም አብ ሕይወቱ ዝጓነፎ ቤት አብኡ አለልዩ ዘይክእል ክኸውን እንከሎ እዩ። ቤትካ ዘይምፍላጥ አብ ገዛ ጓና ስለ እትነብር ንግዚኡ ዝጠዓመካ ኮይኑ ይርአየካ እንተኾነ ዘይ ቤትካ ዘይቤትካ እዩ። ብዙሓት ካብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን አብ ካልእ እምነታት ወይ ካልኦት ክርስትያን ዝኸዱ ብፍላይ አብዚ እዋን ምስ ስደት ዝተተሓሓዘ እንርእዮ ዘሎና እዩ። ቤት አብኦም ዝኾነት ቤተ ክርስትያኖም ሓዲጎም ‘ንክርስቶስ ረኺበዮ” “ቤተ ክርስትያን እትብሎ ዝነበረት ሓሶት እዩ” “ንኢየሱስ አየፍለጡናን” ወዘተ እናበሉ መገዲ ጸጋም ዘትሕዙ አይውሓዱን። እቲ ሓቂ ግን እቲ ቤት አምላኽ አይኮነን ዝቕይር ዘሎ እቲ ውሉድ እዩ ዝቕይር ዘሎ። ውሉድ ቤቱ ሓዲጉ ቤት ጎረበት ምስ ናፈቐ ናይ ቤት አብኡ ክትመልሶ ከቢድ እዩ ምኽንያቱ ልቡ ብግዝያዊ ሃተውቶው ተመሎኹ ክተሸንፎ ከቢድ እዩ። ነዚ አብነት ዝኾነና ታሪኽ በታኒ ወዲ አብ ወንጌል ዘሎ እዩ።
አብ ወንጌል ሉቃስ 15 ብዛዕባ እቲ በታኒ ውሉድ ይነግረና። እዚ ውሉድ አምሳል ነፍሲ ወከፍና ክኸውን ይኽእል እዩ፥ ብፍላይ ከአ ንቤት አብኦም ዝኾነት ቤተኽርስትያን ጣዕማ ፍቕራ ምስጢራ ክርድኡ ዘይክአሉ አምሳሎም ክኸውን ይኽእል እዩ። አብ ቤት አብኡ እንከሎ ፍቕሪ አብኡን ጣዕሚ ቤት አብኡን ዝግበረሉ ሓልዮትን ክርኢ አይኸኣለን። አዲኡን አብኡን ምእንትኡ ዝገብርዎ ጻዕሪ ፍቕሪ ጨሪሹ ክርእዮ አይከአለን። ስለ ዘይረኣየ ክሽፍት ክርሕቕ ካብቲ ምዉቕ ቤት አብኡ ወጺኡ አርሒቑ አብኡን አዲኡን ክርእይዎ አብ ዘይክእሉ አብ ርሑቕ ዓዲ ተሰዲዱ። ነብኡን አዲኡን ወሪኦም እውን ክሰምዕ አይደለን። ወረ ዓደብኡ ጸሊእዎ ዓዲ ጓና መሪጹ። አጋጣሚ ኮይኑ ዝመረጾ ዓዲ ንግዚኡ ናይ ሓዲስ ነገር ይኸውን ከምኡ ካብ ቤት አብኡ ዝወሰዶ ገንዘብ ሒዙ ስለ ዝነበረ አይከበዶን፥ ግዝያዊ ወኻዕካዕ እሞ አብቲ ባዕሉ ዘምጽኦ ገንዘብ ሸፋቱ አዕሩኽ ሕይወቱን ገንዘቡን ዝወሩ ፈጢሩ። እንተኾነ አብ ሓጺር ጊዜ አብ ከቢድ ጸገም ወሪዱ። እቲ ዝተቐበሎ ዝመስል ዝነበረ ሃገር ጸላኢኡ ኮይኑ ኩሉ ሓርቢትዎ ነታ መግቢ ዕለቱ ዝረኽበላ ዕድል እውን ስኢኑ። ኩሉ ስለ ዝሰአነ ሓሳሙ ክጓሲ ንሓደ ብዓል ሓሳሙ ለሚኑ፥ ካብቲ ነተን ሓሳሙ ዝውሃብ መግቢ ክበልዕ ተገዲዱ። እዚ ኹሉ ካብ ቤት አብኡ ስለ ዝወጸ እዩ። ነቲ አብኡ ዝገብረሉ ዝነበረ ነቲ አዲኡ ተርእዮ ዝነበረት ናይ ወላዲት ፍቕሪ፥ ነቲ ናይ አሕዋቱ ፍቕሪ ክርኢ ስለ ዘይከአለ፥ አብ ምዉቕ ቤት ዝነበረ በስሓይታ ክብላዕ ደገ መሪጹ። አብ ከብዲ ጽጉም ጥመት የልን ዝብሃል ሓቂ እዩ። እዚ መንእሰይ ክርኢ ዓይኑ ተጎልቢቡ ካብ ቤት አብኡ ክሽፍት ከም ሕይወት መሪጽዎ። እዚ ምሳሌ ምስ ናይ ዘመና ንአምላኽ ሓዲጎም ንቤተ ክርስትያን ሓዲጎም አብ ካልእ ሃተውቶው አትዮም አብ ጽቡቕ ዘለዉ ዝመስሎም ኮይኑ ዝርአዮም ከስምዕ ይኽእል። ሎሚ እውን ኢየሱስ ነዚ ምሳሌ ይደግመልና።
ቅዱስ ሉቃስ ምሳሌኡ እናነገረ አብ መጨረሻ ክሓስብ ጀሚሩ ይብለና። አብ ልቡ አትዩ አብቲ ናይ ስቓይ ናይ ጥመት ውርደት ከም ሓሳማ አብ ምአዲ ሓሳሙ ተዓንጊሉ እንከሎ ቤት አብኡ ክዝክር ጀሚሩ። ንቤት አብኡ አብ ሕልንኡ አትዩ ብመንፈስ ክርኢ ጀሚሩ። ሽዑ ነቲ አብ ቤት አብኡ ከሎ ክርእዮ ዘይክአለ ሓልዮት ፍቕሪ ጽጋብ ጣዕሚ ክርእዮ ጀሚሩ። አብ ቤት አቦይ ክንደይ ሰራሕተኛታት ግዙአት ዝአክል መግቢ ረኺቦም የትርፉ አለዉ አነ ግን አብዚ ናይ ሓዘን ናይ ሳቕይ ቦታ ኮይነ እሳቐ አሎኹ እናበለ ነቲ ዘጥፍኦ ዕድልን ነቲ ሕጂ ዝሳቐዮ ዘሎ ኩነትን ክርኢ ክኢሉ። እቲ ጽቡቅ ነገር ተስፋ አይቆረጸን ንቤት አብኡ አይረስዔን ወላእኳ 99% ክሒዱ እንተኾነ ጌና ሓንቲ ንእሽቶይ ጭልምልም እትብል ቁልዒ አብ ሕልንኡ ነራ። ነዚኣ ቁልዒ እዩ ከምብሓድስ ክአጉድ ዝደሊ ዘሎ። አብ ባሕሪ ሓሳብ ሕልንኡ አትዩ ዘተ ምስ ርእሱ ክአቱ ወሲኑ። አብ መብልዕ ሓሳሙ ኮይኑ ንርእሱን ዝነበሮ ክብሩን ዕቤት ቤት አብኡን ክርኢ ክኢሉ። ብዙሕ ጊዜ አብ መከራ ስቓይ ምስ ወረድና ኢና ነቲ ዝነበርናዮ ሰናይ ክንዝክርን ክንፈልጥን እንኽእል።
አብ ቤት ሓሳሙ አብ ማእከል ሓሳሙ ኮይኑ ዕቤት አብኡ ክርኢ ስለ ዝኸአለ ክምለስ ወሲኑ። መጀምርያ ውሳኔኡ ነቦይ አብ ብርኩ ተደፊኤ አብ ቅድሚ ሰማይን ምድርን በዲለካ ክብሎ እየ ኢሉ። እዚ መሰረት ሓይሊ ጉዕዞኡ እዩ። በደልካ ተአሚንካ ንርእስኻ ምሽናፍ። መንፈስን ፍቕርን አብኡ ይፈልጥ ስለ ዝነበረ ተበራቲዑ ንምሕረት አብኡ አይተጠራጠረን ስለዚ ንጎደና ንስሓ ተተሓሒዝዎ። አብኡ ብወገኑ ንታ ካብ ገዝኡ ክወጽእ እንከሎ ዝሓዛ መገዲ እናጠመጠ ሎሚዶ ጽባሕ ይምለሰኒ እናበለ ኩሉ ጊዜ ብተስፋ ይጽበ ነሩ። ወሉዱ ዝጠፍኦ ወላዲ ዝዛቐይዎ ስቓይ ኩልና እንርእዮ ዘሎና እዩ ብፍላይ አሕዋትና ዓዶም ሓዲጎም ንዓዲ ጓና ንስደት ክብገሱ ከለዉ እቲ ዝበርትዐ ስቓይ ዝሳቐዩ ወለዲ እዮም። አብ ዓዲ ጓና ዝጓነፎም ዘሎ ግፍዒ ዝሰምዑ ወለዲ ንብዓት ጓሂ መለልይኦም ኮይኑ አሎ። ወድና/ጓልና ጠፊኦምና ድሃይ ስኢናሎም ገለ ኸአ ብግፍዒ አብ ዝተፈላለየ ናይ ስቓይ ቦታ ዘለዉን ዝመቱን አለዉ እዚ ኹሉ ንወለዲ ምድራዊ ንስሓ ቦታ ኮይንዎም አሎ። እዚ ሉቃስ ዘዘንትወልና ዘሎ ወላዲ እውን ነዚ ስቓይ ዝረኸበ እዩ ዝመስል።
ካብ ዕለታት ሓንቲ መዓልቲ ከም ቀደሙ ነታ ጎደና ጥፍአት ወዱ ዝኾነት መገዲ እናጠመተ እንከሎ ወየ ዝጠፍአ ውሉድ ክመጽእ ክምለስ ርአዮ ይብልና። ወላዲ ሓጎሱ ክቆጻጸር ስለ ዘይከአለ ካብ ቤቱ ወጺኡ ተቐቢልዎ ሓቝፉ እውን ስዒምዎ። አጉሂኻና ገንዘበይ አጥፊእካ እንታይ ክትገብር ተመሊስካ አንታ ርጉም ውላድ አይበለን፥ እኳ ደአ ነቶም አገልገልቱ ወደይ ጠፊኡ ነሩ ተረኺቦ መይቱ ነሩ ሕይወት ረኺቡ እዩ እሞ ንተሓጎስ ብዓል ንግበር እናበለ ዓቢ ብዓል ገሩ ይብለና። ነቲ ወዱ እቕረታ ክሓትት ዕድል አይሃቦን። አብ ቤቱ ብዝልዓለ ደረጃ ተቐቢልዎ። ፈቃር ወላዲ እዚ ባህሪ እዩ ዘልኦ። ምምላስ ደቁ ልዕሊ ዝኾነ ንብረት ገንዘብ ይርኢ። ሓንትስ ውሉደይ አብ ቤቱ ብድሓን እንቋዕ ተመልሰኒ እምበር ኩሉ ይትረፍ ኢሉ ንውሉዱ ወዲ ቤት ከም ዝስምዖ ተማሒረ ከምዝብል ይገብሮ እሞ ሓዲስ ሕይወትን ተስፋን የልብሶ።
እዚ ኢየሱስ ዝሃቦ ምሳሌ ናይ ነፍሲ ወከፍና ሕይወት እዩ። ኩልና አብ ዝተፈላለየ እዋን ንአምላኽ ሓዲግና ካብ ቤት አቦና ንወጽእ። አብ ናይ ጥፍአት ዓለም ንነብር አምላኽ ግን ክንምለሶ ኩሉ ጊዜ ይጽበየና። ክንምለስ ካባና እዩ። ቅ. አጎስጢኖስ “እቲ ብዘይ ድላይካ ዝፈጠረካ አምላኽ ብዘይ ድላይካ አየድሕነካን እዩ ይብለና”። አምላኽ አብ ቤቱ ክንምለስ ናታትና ድለት ጣዕሳ ንስሓ ክርኢ ይደሊ።
አብ ቤት አብኦም እንከለዉ ዝጠፍኡ እውን አለዉ።
ብዙሕ ጊዜ ጠፊኡ ዝብሃል አርሒቑ ዝኸደ ወይ ወሪኡ ዘይብሉ ሰብ እዩ ዘስምዕ። ዘለዎ ቦታን ወሪኡ ስለ ዘይፍለጥ ሞቱን ሕይወቱን ንወለዱ ንሰቡ ከቢድ እዩ። ሓደ እንፈትዎ ውሉድና ሓውና አብ ከምዚ ኩነት እንተ ወረደ ጎረቤት ፈታዊ ኩሉ ገለ ናይ ወድኹም/ጓልኩም ደሃይ አይ ረኸብኩምን እናበሉ ይሓቱ። ንኹሉ እዩ ዘሳቒ። ሎሚ ንብዙሓት አጸጊሙ ዘሎ አብ ዘሎኻዮ ዓዲ ከምኡ ከባቢ እንከለዉ ብነፍስን ብስጋን ዝጠፍኡ እዩ ከቢዱ ዘሎ። ብስጋ ዓለም ወይ ሃብቲ ካልእ ኩነታት ውሒጥዎም ምስ ቤተ ሰቦም ወለዶም ርክብ ዘይብሎም ጥፉአት ዓዒ ብዙሓት እዮም። እቲ ድአ ዘይዕሩብ/ዕርብቲ እናተባህለ ብጥፍአቶም ይልለዩ። ገለ ብሃብቲ ሓሊፍሎም ካብ ኩሉ ዝፍለዩ፥ ንሃብቲ ቀንዲ ዋሕሶም ገሮም ንኹሉ ብሃብቲ መዚንኖሞ ምስ ዘልኦም ብሃብቲ ዝራኸብ እንተ ዘይኮነ ምስካልእ ብዝኾነ መገዲ ዘይግድሶም “አምላኾም ዝኸርሶም” ኮይኑም ዝነብሩ ጥፉአት ዓዲ አለዉ።
ብመንፈስ አብ ዓዲ እንከለዉ ዝጠፍኡ ኸአ አለዉ። ክርስትያናዊ ሕይወቶም ካብ መገዲ አምላኽ ወጺኦም ሰይጣን ብዝተፈላለየ መገዲ አሸኒፍዎም ዝነብሩ ብዙሓት እዮም። ካብ ሓቀኛ እምነቶም ከም ጫቚት ብሊላ እትምንጠለ ብናይ ዘመና መንጠልቲ እምነት ተመንጢሎም ዝጠፍኡ ብዙሓት እዮም። ካብ መንበረ ንስሓ ርሒቆም አብ ቂምታ ጽልኢ ንፍገት ስሳዐ ትዕቢት ዝነብሩ ኸአ ብቐትሩ መንፈስ ጸልማት ተጎልቢቦም ዓለም አይተርክበናን እያ እናበሉ ዝጠፍኡ አለዉ። እዞም ክልተ አብ ቤት አብኦም ወይ አብ ከባቢ ቤት አብኦም እንከለዉ ዝጠፍኡ ክትመልሶም ቀሊል አይኮነን። ብሓቂ ጻዕሪ ጸሎት የድሊ። ዝኽተልዎ መገዲ ገሎኦም ክርእዩ ከቢድ እዩ። ክጥዓሱ አብ ልቦም ክምለሱ ናይ ከባቢኦም ምኽሪ ጸሎት ሓገዝ የድልዮም። እሞ ዝጠፍኡ አለዉናዶ መጓሰና ክንቋመት ክንርኢ የድሊ። መገዲ ጥፍአት ገፍሕ እዩ ይብለና መምህርና ንመገዲ ጥፍአት ሒዞም ዝጉዓዙ ከአ ብዙሓት እዮም ስለዚ ነታ አብ ድሕነት እትወስድ መገዲ እሞ ጸባብ ብአአ ተጎዓዙ ይብለና።
ነዞም አብ ውሻጠ ቤትና እንከለዉ ብመንፈስን ብሥጋን ጠፊኦም ዘለዉ ዓሚ ፍቕሪ ቤት ሰማያዊ አብኦም ከስተማቕሪ እንመልሶም ዝንሕግዞም ነፍሲ ወከፍና ኢና፥ አብ ቤትካ/ኪ ተመለስ/ሲ ክንብሎም ናይ ኩልና ሓላፍነት እዩ።
ጉዕዞ አብ ቤት አቦና ከመይ ገርና ተግባራዊ ንገብሮ።

ክርስቶስ ብሞቱ መስዋዕቲ ከፊሉ ደቂ ሰማይ ገሩና እዩ። ዕርቡን ድሕነትና ከፊሉልና እዩ ካባይን ካባኻትኩምን ተሪፉ ዘሎ ንምሕረት አምላኽ ተቐቢልና ሕራይ ኢልና ምእታው እዩ። ቤት እግዚአብሔር ተከፊቱ አሎ ምእንታኻትኩም መይተ ተበጂወልኩም እየ ስለዚ ቅረቡኒ እናበለ ይልምናና አሎ። አብ ወንጌል ማርቆስ 10 ሓደ ጎበዝ ናብ ኢየሱስ ቀሪቡ ሕይወት ዘለዓለም ክወርስ እንታይ ክገብር የድልየኒ ኢሉ ሓቲቱ። ኢየሱስ ንሕትኡ ክምልሰሉ እንከሎ አጸቢቝ ርአዮ እሞ ፈተዎ ይብለና ወንጌል። ነዚ ጎበዝ አጸቢቑ ስለ ዘፍቀሮ እቲ ሓቀኛ መልሲ እሞ አብ ሕይወቱ ልዕሊ ኹሉ ሃብትን ካልእ ነገራትን አብዚ ዓለም ክህቦ ዝኽእል ዋሕስ ዝህቦ ዘዕግብ መልሲ ክህቦ ፍቓደኛ ኮይኑ። አብዚ ክነስተውዕሎ ዘሎና አብቲ ሕቶ ናይ እዚ ጎበዝ እዩ። ሓቀኛ ሕቶ እንተ ሓተትና አብቲ ሓቀኛ መልሲ ክመርሓና ይኽእል። ሕቶና ዓቢ ተራ አልኦ። ሎሚ ንኢየሱስ እንታይ ምሓተትናዮ። ዘይጠቅም ንሕይወትና ዘይርኢ ካብ አምላኽ ዝወጸ ሕቶ እንተ ሓተትና መልሲ አይውሃበና እዩ። እዚ ሃብታም ጎበዝ ከመይ ምሓገዝኩ ወይ ክንደይ ገንዘብ የድልየኒ ሕይወት ዘለዓለም ክረክብ ኢሉ አይሓተተን። ሕትኡ ዝዓበየ ሕቶ እዩ ነሩ ሕይወት ዘለዓለም ክወርስ እንታይ ክገብር የድልየኒ። ዋሕስ እዩ ዝደሊ ዘሎ እምበር ሕይወቱን ተግባራቱን ካብ መገዲ አምላኽ ርሑቕ አይኮነን። አዘራርባ አሎ “እትሓቶ ፍለጥ ክትረኽቦ ትኽእል ኢኻ” ዝብል አሎ። እዚ እዩ ነዚ ጎበዝ ገጢምዎ። ኢየሱስ ንገንዘቡ አብ ዝሓሸ ኢንቨስትመንቲ ከእቱ ሓቲትዎ። ኩሉ ዘልኦ ኩሉ ሃብቱ አብ ትሕቲ እግዚአብሔር ከንብር ሓቲትዎ። ኢየሱስ ነዚ ሃብታም ጎበዝ አብ ሃብቱ፥ አብ ስድርኡ፥ አብ ስልጣኑ ዘልኦ ዋሕስ ክሓድግ ሓቲትዎ። ሓርነቱ ሓዲጉ ነጻነቱ ኩሉ ሓዲጉ አብ ትሕቲኡ ክመጽእ ስዓበኒ እናበለ ሓቲትዎ። እግዚብሔር ናይ ኩሉ ሓላፍነት ክለብስ ንኹሉ ምሕደራ ነፍሱ አብ ኢድ አምላኽ ከውርድ እሞ ክምንን ሓቲትዎ። ሓርነቱ ነጻናነቱ አብ ኢድ አምላኽ አምቢሩ ኢሚንት ክኸውን ሽዑ ዝለዓለ ሕይወት ክመርሕ ከምዝኽእል ተነጊርዎ።
ኢየሱስ ዘቕረቦ መልሲ ነዚ ጎበዝ ካብ መጠን ንላዕሊ ኮይኑ ተራእይዎ፥ ክቡር ብዙሕ ጻዕርን ድኻምን ምናኔን ዝሓትት ስለ ዝኾነ ነዚ ክገብር ፍቓደኛ አይኮነን። ቅዱስ ጴጥሮስ ተመሳሳላይ ጸገም አብ ኢየሱስ ዝተዛረቦ ክቕበሎን ክርድኦን ገጢምዎ። “ኩሉ ሓድግና ተኸቲልናካ አሎና እንታይ እዩ ዓስብና” ኢሉ ሓቲቱ። ኢየሱስ አብ ዝሃቦ መልሲ አብ ሰማይ ብአማእት ዕጽፍታት ክትፍደ ኢኻ ኢልዎ። ከም እንፈልጦ ቅዱስ ጴጥሮስ አብ ጉዕዞ ሕይወቱ ሓላፍ ዘላፍ ዝመልኦ እዩ ነሩ፥ አብ መጨረሽታ ግን ነቲ ሓቀኛ ጉዕዞ መሪጹ። ድሕሪ እዚ ኹሉ ኸአ ከውሒ ኢኻ አብዛ ከውሒ ኸአ ቤተ ክርስትያነይ ክሃንጻ እየ ኢልዎ።
ዋጋ ዘለዎም ነገራት ወይ ቁምነገር ዘለዎ ኩሉ ብቀሊል ዋጋ አይርከብን እዩ ኩሉ ጊዜ ከቢድ ዋጋ ኽኽፈሎ አለዎ። ጽቡቕ ሕይወት ክትነብር ሱቕ ኢሉ ካብ ሰማይ ዝወርድ ጉዳይ አይኮነን፥ ክትከፍሎ ዝግብአካ ነገራት አሎ። ኢየሱስ ብዛዕባዚ አብቲ ብዛዕባ ዋጋ ናይ ሓደ ክቡር አቕሓ ዝሃቦ ምሳሌ ተዛሪብሉ፥ ኩሉ ዘሎካ ሂብካ ነቲ ክቡር አቕሓ ከመይ ገርካ ናትካ ከምእትገብሮ ምጽዓር። ንሓደ ክቡር ነገር ክትረክብ ክትውንን ክትገብሮ ዝግብአካ ዓቢ ዋጋ ጻዕሪ ድኻም አፍልጦ እኮታ ብዙሕ ነገር የድሊ። እዚ አብ ርእስና ክነቕርቦ ዘሎና ሕቶ የምጽአና። እንትይ እዩ ነባሪ ዋጋ ዘለዎ ነገር ንአይ? አብ ሕይወተይ ነባሪ ዋጋ ዘለዎ ነገር ክውንን ከገብሮ ዘሎኒ እንታይ እዩ? ሕሱር ነገራት ብዙሕ ክጸንሕ ዘይክእል ብሕሱር ነገር ክገዝኦም እክእል እየ። ክቡርን ነባርን ዝኾነ ነገር ግን እቶም ዓቢ ዋጋ ዝኸፍሉ ጥራሕ እዮም ክገዝእዎን ክረኽብዎን ዝኽእሉ። ነፍስኻ አብ ሕሱር ነገር ክትሸየጥ ትደሊዶ? ወይ ኩሉ ንብረትካ አብ ሓደ ዋጋ ዘይብሉ አቕሓ ክትሸጦ ትኽእልዶ? ወይስ ከም ሓደ ዘይግድሰካ ከምዘይሰማዕካ ከምዘይ ትሓስብ ኮንካ ክትነብር ትደሊ?
አብ አምላኽ አብ ርእስና ክንምለስ ክንውስን አሎና። ክንውስን ከሎና ሽዑ ምሕዳስ ምሕዋይ አብ መንፈስና ክንርኢ ኢና። እዚ እዩ ገሩ እቲ በታኒ ወዲ አብ ጉዕዞ ዕርቂ ምስ አብኡ። አብ ሕይወቱ ክምለስ ውሳኔ ገሩ። ሕይወትና አብ ሓቀኛ ሕይወት ክምለስ ንደሊ እንተኾና፥ ካብቲ ከም ወልፊ ማሪኹና ዘሎ ሕመቕ ካብኡ ክንወጽእ ንደሊ እንተኾና፥ ካብቲ ባራዩ ነፍስና ጥቕሚ ርእስና ጥራሕ ገሩና ዘሎ ክንወጽእ እንደሊ እንተ ኾና ሕይወትና አብ መገዲ አምላኽ ክንመልሶ ኩሉ አብ ኢዱ ክንሓድጎ አሎና። እዚ ውሳኔ እዚ ዓቢ ዋጋን ድኻምን ይሓተና ንርእስና አብዚ ፍርዲ ክነብጽሓ ዓቢ ስቓይ ጭንቀት ክንሓልፍ አሎና። ስለዚ እንታይ አሎ አብ ሕወትካ/ኪ አብ ዓቢ ውሳኔ ንጥቕሚ ርእስኻ/ኺ ከም መስዋዕቲ ክትገብሮ እትደሊ? ሎሚ ኩልና ከም አርድእቲ ተከተልቲ ክርስቶስ አብዚ ቅዱስ ቦታ መጺእና አሎና፥ መገዱ ክንክተል ቃሉ ክንሰምዕ መጺእና አሎና። አብ ሕይወትና ውፉያት ኮና ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ ክነብር ንውስን እንተኾና ተባዕ ውሳኔ እዩ። ምስ ነፍስና ክንጨኻኸን አሎና እናተዛነኻ መገዲ ክርስቶስ አይክአልን እዩ። ንነፍስና ንኢየሱስ ክትመርጽ ንስምዒትናን ድለትናን ዓለምና ዝደልዮ ሥጋና ዝደልዮ ጨኪና ክትሓድግ ክትውስን ክንግድዳ አሎና። ታሪኽ ዝምስክሮ ቍጠባ ናይ ወዲ ሰብ ጸበባ ከምዘይፍትሖ እዩ። ዘዕኑ ውግአት፥ዓለትነት፥ ድኽነት ኩሉ ጊዜ ነሩ ሕጂ እውን አብ ኩሉ ቁጠባዊ ስርዓታት አሎ፥ ወላ ሳይንሳዊ ምዕባሌን ምህዞን እውን ንጸገማት ሰብ ክፈትሕ አይክእልን እዩ። እኳድአ ሰብ መጠን ዝማዕበለሉን ብቝጠባ ዝደንፈዓሉ መጠኑ ክሳቐ ንርእዮ አሎና። ናይ ዘመና ምህዞታት ብዙሕ ነገራት ንደቂ ሰብ ዝጠቕሙ አለዉ እንተኾነ ገሊኡ ዓቢ ጥቕሚ ዝህብ ክኸውን እንከሎ ገሊኡ ኸአ ዓቢ መርገም ኮይኑ አሎ።
ዕርቡን ሰማይ ከፊሉ ዋሕስ ድሕነት ዝህበና ካብ ልብናን ነፍስና ድአ ክብገስ አልኦ እምበር ካብ አእምሮናን ኢድናን ክመጽእ የብሉን። ፍልጠት ንወድ ሰብ አብ ታሪኽ አየድኃኖን ንድሕሪ ሕጂ እውን አይከድኅኖን እዩ። ልቦና ማለት ኩልንትናና ናይ አምላኽ ገርና ልዕለና ንዝኾነ አምላኽ አብ ሕይወትና ክንሰርዕ ከሎና ጥራሕ እዩ ዋሕስ ክኾነና ዝኽእል። አብዚ (Knowledge has not and will not save us. Wisdom offers us more) ንዝብል ክንስዕብን ክንቅበልን አሎና። ልቦና (Wisdom) ንሕይወትና ቦታ ከምዝረክብ፥ ዕድላትና፥ ሃብትናን ክእለትናን ኩሉ አብ ትሕቲ ሓልዮት እግዚአብሔር ከም እንገብር ይገብረና። ልቦና ጥበብ ልዕሊ ነገራት፥ ልዕሊ ሓበሬታ፥ ልዕሊ ታሪኻዊ ሓቅታት ከም እንርኢ ይገብረና እሞ ልዕሊ ኹሉ ፍልጠት ክበጽሖ ዝኽእል ነገራት ከምእንበጽሕ ይገብረና።
ንሓቂ ምድላያ የድሊ፡
መጽሓፍ ቅዳሴና ፡”አይቴ ብሔራ ለጥበብ አይቴ ደወላ ወበ አይተ ተረክበ አሰረ ፍኖታ” እናበለ ጥበብን ሓቅን ክትረክብ ኢልካ ዝክአለካ ክትገብር ከምዝግባእ ይሕብረና።
ካብ መጀመርያ አብ ናይ ሰባት ዋጋ ወይ ንጥቕሚ ደቂ ሰብ ዝውዕል ነገራት ክትገብር ቀሊል አይኮነን። ቅኑዕ አብ ኩሉ ሞራላዊ ሕይወቱ ጥዑይ ኮይኑ ዝነብር ብዘይ ፈተነ ጸገም ክነብር አይክአልን እዩ። ኩሉ ጊዜ ንወዲ ሰብ አብቲ ስሩዕ ሕይወት ሒዙ ዝጉዓዝ እዋን እውን ፈተና ጸገም ምስኡ እዩ። ገለ አብ ሃይማኖት ጽልኢ ዘለዎም ክጸልኡኻ ከለዉ ፈሪሳዊን ናይ ግልኻ ስምዒትን እምነትን አብ ልዕሊ ካልኦት ተጽዕኖ ክትገብር እትደሊ ኢኻ እናበሉ ይጸልኡኻ። አምላኽ ዝመርሖ ሕይወት ሒዝካ ክትጉዓዝ አብ መንጎ ከምቲ ጲላጦስ ንኢየሱስ እንታይ እዩኸ ሓቂ ኢሉ ከብቅዕ እሞ ክሰቕልዎ አሕሊፉ ዝሃቦም ዘይኮነ ንሓቂ ክትፈልጣ ክትነብራ አሎካ። ሓውርያ ክርስቶስ ኮንካ ምንባር ማለት አብ ቅድሚ ኩሉ ሰብ ብዘይ ፍርሒ ሞራላዊ ምስክርነት ካብ ልብኻን እምነትካን አብ ቅድሚ አምላኽ ከምዘሎኻ ፈሊጥካ መስክር። አባኻን አብታ ሰውነት ክርስቶስ ዝኾነት ቤተ ክርስትያን ክርስቶስ ከምዘሎ ብዘይ ሓደ ፍርሕን ተጽዕኖን መስክር።
ሰብ ዘብለካ ዘበለ ኩሉ ሰናይ ግብሪ ክትነብሮ ጽዓር። አብ እምነት ቀለዓለም ንስሙ ምንባር ይቀትሎ ስለ ዝኾነ ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ዝብሎ ክርስቶስ እዩ አባይ ዝነብር ዘሎ ኢልካ ሕይወት ክርስቶስ ክትነብር ምጽዓር ንሓደ ክርስትያን መንነቱ እዩ። ሕይወትካ ከምቲ እዚ ዓለም ዝደልዮ ማለት ንስኻ ብሰንኪ እምነትካ አብ ክርስቶስ ምልክት ውድቀቶምን ትንሣኤኦምን ኮንካ ምንባር የድሊ። ናይ ደቂ ሰብ ሓቀኛ መንነትን ምኽንያት ተፈጥርኡን ብምልኡ ዝርከቦ አብ ሕይወት ክርስቶስ እዩ ተገሊጹና። አብዚ እዋን ካባ ነፍሲ ወከፍና ዝድለ ዘሎ ኩሉ ዘሎና፥ ኩሉ ክንኮና ዘሎና፥ አብ ኢድ ክርስቶስ ክነንብሮ እሞ ከምቲ ንሱ ዝደልየና ክንከውን።
ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ብዓል አሲዚ ኩሉ ሃብቲ ክብሪ ካብ አብኡ ዝብጽሖ ሓዲጉ ሓንቲ ከይወሰደ አብ ቅድሚ አብኡን ስድርኡን አቡኑን ደቂ ዓዱ ደው ኢሉ “ጥርሐይ አብ ዓለም መጺኤ ብጥርሐይ ከአ ክሓድጋ እየ” ኢሉ አብ ምናኔ ዓለም አትዩ። ንኹሉ ብምሉእ ልብና ከይሓደግና አብ አገልግሎት አምላኽ ክንጽመድ ከምኡ አብ ሕይወትና ንአምላኽ ልዕሊ ኹሉ ሕይወትና ሃብትና ጥዕናና ክንሰርዖ አይንኽእልን ኢና።
ጸሎት ገርካ ምኽአል፡
ሓንት አደ አብ ሕይወታ ብዙሕ ስቓይ ዝረአየት እሞ ገሊኡ ስቓያት አብ ቅድሚ ዓይና ኮይኑ ዝርአያ ዝነበረ እሞ ካብኡ ክትወጽእ ዝሓግዛ ሓደ ደራሲኡ ዘይፍለጥ ጸሎት ኩሉ ጊዜ ትደግም ከምዝነበረት ይንገር። እዚ ጸሎት ንብዙሓት አብ ሕይወቶም ክጸንዑ ዝሓገዘ እዩ ነሩ። ምናልባት ንነፍስሲ ወከፍና እውን ክሕግዘና ይኽእል ይኸውን እዩ። እቲ ጸሎት ናይ ሓደ ስሙ ዘይፍልጥ ወተሃድር እዩ ነሩ ከምዚ ዝብል ከአ ነሩ፡ “ ክዕወት ኢለ ንእግዚአብሔር ጽንዓት ክህበኒ ለሚነዮ እንተኾነ ብትሕትና ምእንቲ ክእዘዝ ድኹም ኮይነ፥ ዓበይቲ ነግራት ምእንቲ ክገብር ጥዕና ሓይሊ ለሚነ እንተኾነ ንነገራት ብጽቡቕ ምእንቲ ክገብር ድኽመት ተዓዲለ፥ ሕጉስ ክኸውን ኢለ ሃብቲ ለሚነ እንተ ኾነ ጥበበኛ ጎራሕ ምእንቲ ክክውን ግን ድኽነት ተዓዲለ፥ ክብርና ናእዳን ሰባት መታን ክረክብ ስልጣን ለሚነ እንተ ኾነ ናይ እግዚአብሔር አድላይነት አብ ሕይወተይ መታን ክምሃር ድኻምነት ትሕትና ተዋሂበ፥ አብ ሕይወተይ ምሉእ ሕጉስ ክኸውን ኢለ ኩሉ ነገር ሓቲተ፥ እንተ ኾነ ሕይወት አብ ኩሉ ነገር ምእንቲ ክሕጎስ ተዓዲለ። ሓንቲ ዝሓተትክዎ አይረኸብኩን፥ እንተኾነ ኩሉ ብተስፋ ዝተጸበኽዎ አሎኒ። ዳርጋ ዓው ኢለ ዝደለኽዎ ብዘየገድስ ብትሕትና ዝጸለኽዎ ጸሎት ተመሊስለይ። አነ ካብቶም ዝበለጸ ሃብቲ ካብ ዘለዎም ዝተጸገዉ ሓደ እየ” እናበለ ጸለየ ብሓቂ ኹልና ክንደግሞ ዘድሊ ጸሎት እዩ።
ኢየሱስ አብ ዕጸ መስቀል እናሞተ እንከሎ ከምዚ እናበለ ጨርሐ “ኦ አምላኸይ አምላኽይ ስለምንታይ ሓዲካኒ” እዚ ሕቶ እዚ ብብርቱዕ ቃንዛ ተሳቕዩ ተስፋ ቆሪጹ ዝበሎ አይኮነን፥ ንሕና ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ኮና አብ ሰማያዊ አቦና ብምሉእ እምነትን ጽንዓትን ከም መስዋዕቲ መታን ክነዕርግ ምእንቲ እዩ። “ኦ አቦይ አብ ትሕቲ መንፈስካ ነፍሰይ አማዕቁብ አሎኹ”። ካብዚ ንላዕሊ ዝኾነ ሰብአይ ይኹን ሰበይቲ ከቕርቦ ዝኽእል ዕርቡን ድሕነቱ የለን። ነዚ ዕርቡን ዝኸፈለ ኸአ ዝበለጸን ዝሓሸን ፍረ ጻዕሩ አብዚን አብ ዝመጽእ ሕይወትን ብዕጽፊ ክኽፈል እዩ።
አብ ውሽጢ ልብና ተመሊስና ጉዕዞ ሕይወትና ርኢና ንኽኣል እዚ አብቲ ክንኮኖ ዝግብአና ከብጽሓና እዩ። ጸሎት ምግባር ከምኡ ፍሉይ ጊዜ አስተንትኖ ንአምላኽ ሂብና ክንክእል። አብ ዝመጽእ ሰማይ ዝኸውን ስንቂ ሒዘ ደሎኹ፥ አብ ቅድሚ ፍርዲ አምላኽ ክቐርብ እንከሎኹ አብዚ ዓለም ዘሕለፍክዎ ሕይወት እሙን መገልጋሊ አብ ውሑድ እሙን ኮንካ ኢኻሞ አብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ ዘብል አሎኒዶ? ኢልና ክንሓትት እሞ ኩነትና ከም ብመስትያት ገርና ርኢና ክንእል።
ማርያም አደ መድኃኒና አብዚ ዓለም ካብአ እንምሃሮ ናይ ወላዲት ምዃን ጥራሕ ዘይኮነ ንኹሉ ከምቲ አምላኽ ዝደልዮ መሪሕካ ምኽአል እዩ። ንሳ ንአምላኽ ሓንሳብ ንድላዩ ክትቅበል ሕራይ ምስ በለት ንድሕሪት አይበለትን። ኩሎም ወለዶ ብጽእቲ ክብሉኒ እዮም ክትብል እንከላ ናይ ትዕበት ጸሎት አይነበረን እቲ ዝነበረቶ ሕይወትን እቲ ካብ አምላኽ ዝተዋህባ ጸጋ ርእያ ስለ ዝኸአለት ንፍርዲ አምላኽ ዘብቅዕ ሕይወት ስለ ዝሓዘት እዩ። ሎሚ ምስአ ኮና ነዛ ምድራዊት ሕይወትና ብቅድስና ወዳ ዝደልዮ ሕይወትና ክንመርሕ ለምንልና ደቀይ ዝሃብካኒ አብ ሕይወት ዘለዓለም ክአትዉ ሓግዞም ኢልኪ ለምንልና ንበላ።
እንኸፍሎ ዕርቡን ሓቀኛን ዋሕስ መጻኢ ሕወትና ክኸውን እሞ አብ ሓጎስ ጎይታና ከእትወና ከም መስዋዕቲ ተቐበለልና ኢልና ንመድኃኔ ዓለሞ አቦና ንለምኖ አብ ቤት አቦና ንስሓ ኃጢአትና ገርና ንመለስ ነዚ ኸአ ብጸግኡ የብቕዓና።

ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.