2012-10-30 16:02:12

ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ፦ ሲኖዶስ ንሃካይን ድኹምን እምነት ዘተባብዕን ውዕዉዕ ስምዒት ዘነቓቕሕን እዩ።


እቲ ንሰለስተ ሰሙን ኣብ ሃገረ ቫቲካን ናይ ሲኖዶስ ኣዳራሽ ዝተኻየደን ዝሓለፈ ሰንበት ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብዘዕረገዎ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝተዛዝመ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ እምነት ክርስትና” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝተኻየደ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት RealAudioMP3 ሲኖዶስ ከምቲ ቅዱስነቶም ኣብ ዘስምዕዎ ስብከት “ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ቀንዲ ተዋሳእቲ ብቓልን ሕይወትን መሰኻኽር ኮይኖም ኩሉ ብዝርድኦ ቃልን ተግባርን ወንጌል ዘበሰሩ ናይ ፍቕርን እምነት ተስፋን ኣብነት ዝኾኑ ቅዱሳት እያቶም” ከምዝበሉ እንክዝከር፣ “ሓድሽ ሱታፌ ኣብ ቅዱሳት ምስጢራትን ወንጌላዊ ኣገልግሎት ነቶም ገና ቃል ወንጌል ዘይበጽሖም ምብሳርን ከምኡ እውን ምስጢረ ጥምቀት ዝተቐበሉ ክነሶም ካብ እምነት ርሒቖም ንዝነብሩ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ምቕራብ” ዝብል እቲ ዝተኻየደ ሲኖዶስ ዘስመረሉ ማእከላዊ ሓሳብ ኣደጊፎም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ቃለ ምልልስ ዝገበሩ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ኣቡነ ሪኖ ፊዚከላ፦ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ሲኖዶስ ክጽውዑን እቲ ሲኖዶስ ተኻይዱ ኣብ መፈጸምታኡ ብዝቕረብዎ ስልጣናዊ ስብከት ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘርኣይዎ ቆራጽነት ዘቓልሔን ብሓድሽ መንፈስ ነዚ ኣገልግሎት ድልውነት ቤተ ክርስትያን ዘረጋገጸ እዩ” ኢሎም።
ናይቲ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ኣገልግሎት ንሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘቕርቦ መምርሒ እቲ ካብቲ ሲኖዶስ ዝቐረበ ሓሳብን ርእዮቶን መሠረት ዝገብር ምዃኑን ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዝበልዎ ኣቕርቦ ትምህርተ ክርስቶስ ናይዚ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሓላፍነት ከምዝኸውንን ስለዚህ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ መንጎ ኣስፍሆተ ወንጌልን ኣቕርቦ ትምህርተ ክርስቶስን ዘሎ ምትእስሳር ዝሕብር ምዃኑ ዘረድኡ ብፁዕ ኣቡነ ፊዚከላ “ቅዱስ ኣቦና ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ኣብ ናይ መንፈሳዊ ምድረ በዳነት ዝነብር ዘሎ እዋናዊ ዓለም ክርስቶስ ምቕራብ ኣገዳሲ እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ምዕዳን ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ቀንዲ ዕላማ እዩ” ኢሎም።
“ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ እዋናዊ ዓለም ማሕበራውን ሰብኣውን ፖለቲካውን ክስተትን ጸቕጥታትን ዓቢ ግምት ብምሃብ ንመንእሰያትን ንኣባይቲ ስድራ ዘጓንፉ እዋናዊ ብድሆታት ብጥልቂ ብምምርማር ከምቲ ኢየሱስ ነቲ ሳምራዊ ቀሪቢ ካልእ ይሃቦ ዘይኮነስ ገዛእ ርእሰይ ክህቦ ዝብል ኣቃልቦን ሓልዮትን ዘቐድም ተልእኾ” እዩ ኢሎም።
ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋንን ዓውሎማነት ኣብ ዝረጋገጸሉ ዘሎ ዓለም ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ኣድላይነት ልዑል ኢዩ። ማለት እቲ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ባህሊ ዝዕብልሎ ዘሎ ሃይማኖት ናይ ውልቂ ቢሉ ናይ ሃይማኖት ማሕበራዊ ጎድኑ ዝኽሕድ ምዕራባዊ ዓለም ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ከምዘድልዮ ዘመልክት ኩነት ከምዝኾነ እንክፍለጥ፦ “እቲ ሎሚ እነስተውዕሎ ዘሎና ቅልውላው እምነት ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ናይ ሕሊና ሕቶ ምዃኑ እዩ ዝሕብር፣ ስለዚ ኣነባብራ እምነትና ርክብና ምስ ቤተ ክርስትያንን ኣብ መንጎናን ኣነባብራ ጸዋዕታናን ምስ ጓሶት ነፍሳትን ዘሎና ርክብ እንታይ ከምዝመስል ክነስተንትን ዝዕድም ዓቢይ ክርስትያናዊ ሓላፍነት እውን እዩ” ቢሎም፣ “ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ናይ እምነት ዓመትን እቲ ብልምዲ ናይ ምንባር ፈተና ዘጋጥሞ ዘሎ እምነትና ብሓድሽ መንፈስ ዘተባብዕን ዘወዓውዕን ጸጋ እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.