2012-10-30 18:21:29

ስደት፤ ንግደት እምነትን ተስፋን


ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ንመበል 99 ጊዜ ዝዝከር ዘሎ ዓለም ለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ዑቍበኛታትን ዝምልከት “ስደት፤ ንግደት እምነትን ተስፋን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ መልእኽቲ ጽሒፎም፣ ቅዱስነቶም አብ መል እኽቶም “ሽሕኳ ዓለምና ብቅልውላው ቍጠባ ትሳቀ እንተላ መሠረታውያን መሰላት ስደተኛታት ክሕሎ ከምዘለዎም ብምምልካት መንግሥታት ንዶባተን አጽኒዔን ክዓጽዋ ከምዝይብለን እንታይ ደአ ነቲ ንስደተኛታት ሓቃዪ ኮይኑ ዘሎ ንግድን ብዝበዛን ደቂ ሰባት ፍታሕ ከናድያ ከምዘለወን” ሓደራ ቢሎም፣
ስደተኛታት ክትገብረሎምን ክትህቦምን ዘሎካ ክፍሊ ሕብረተሰብ ጌርካ ምግማት ትኽክል ከምዘይኮነ ንኸረድኡ ከአ “እቶም ዝስደዱ ቈጺሮምዎ ዝጐዓዙ እምነትን ተስፋን ኢዩ” ቢሎም ናይዘን ክልተ መልዕልተ ባህርያውያን ኃይላት ተኻፈልቲ ንምዃን ከአ ዶባት አይትዕጸው ዶባትኩም ንተስፋ ክፈትዎ እንክብሉ ነታ ብዕለት 13 ጥሪ 2013 ንዝዝከር ዓለም ለኸ ዕለተ ስደተኛታትን ዑቍበኛታትን አብ ዝጸሓፍዎ መልእኽቲ አበርክቶ ናይ ስደተኛታት ንዘዕቍቦም ማኅበረሰብን ሕይወት ቤተ ክርስትያንን ገሊጾም፣
ቅዱስነቶም አብዚ መል እኽቲ ዘተኰሩሉ አብ መሰል ስደኛታት እንክኾን “ነፍሲ ወክፍ ሰብ ክስደድ መሰል አለዎ ከማኡ እውን አብ መበቈል ዓዱ ክቅመጥ ንከይስደድ መሰል አለዎ” እንክብሉ ናይ ነፍሲ ወከፍ ወዲሰብ ክብሪ ክሕሎ አተሓሳሲቦም፣ ነዚ ድሮ ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን ፍስሓን ተስፋን ጋውድዩም ኤት ስፐስ ዝብል ሰነድ ከምዘስፈሮን መንጎ እቶም መሠረታውያን መሰላት ክብሪ ወዲሰብ ዝተሓትሙ መሰላት ቢሉ ከምዝሰመዮምን አመልኪቶም፣
መል እኽቲ ቅዱስነቶም አብዚ ዘሎናዮ ዘመን ናይ ስደት ምኽንያታት እንክትንትን ስደት ሳዕቤን ናይ ቍጠባዊ ጸገም ወይውን መሠረታውያን ድልየታት ምስ ዝጐድሉ ባህርያዊ ሽግር ምስ ዘጋጥም ውግ እን ማኅበራዊ ዕግርግርን ከምዝኾነ አዘኻኺሩ፣ በዚ ከአ ስደት ክንዲ ናይ ተስፋ ንግደት ዝኸውን ብሕይወት ንክትነብር ዝግበር ጕዕዞ ቀራንዮ ኮይኑ አሎ አብዚ ከአ እቶም ትሑታትን ድኹማት ክፋል ኅብረተሰብ መሠረታውያን መሰላቶም ከምዝገሃስ ይገብር፣ ምስዚ ከአ ንግድ ደቂ ሰባት ምናዳ ከአ ሕጻናትን ደቂ አንስትዮን አደዳ ናይዚ ውጉዝ ተግባራት ፍትሒ እንተልዩ ከአ ግᎄእ መቅጻዕትን ስጕምትን ክውሰደሉ ዘለዎ ተግባራት ይኾኑ፣ ስለዚ መንግሥታት ሽሕኳ ሕጋዊ ዶብ ምስጋር ምክትታል ግድን እንተኾይኑ ዶባትኩም ንፋስ ከምዘየሕልፍ ጌርኩም አይትዕጸው እንኽብሉ ሓደራ ቢሎም፣
ሱር መሠረት ምኽንያት ስደት እንተተፈሊጡ አብቲ ዓይኑ ፈውሲ ክተናድየሉ ግᎄእ ስለዝኾነ ክንዮ ፖሎቲካዊ ዑቍባን ሓገዝን ምግባር መንግሥታት አብተን ሕዝበን ንክስደድ ምኽንያት ኮይነን ዘለዋ ሃገራት ብቀጥታ ብምኻድ ነቲ ቀንዲ ምኽንያት ክፈትሑ ክጽ ዕሩ፤ ናይ ድኽነትን ባህርያዊ ሽግራትን ምኽንያት ከአ እቲ ስደተኛ ከይነቀለ አብ መበቈል ዓዱ ክሕግዝዎ ሓደራ ቢሎም፣ቤተ ክርስትያን እውን ብግዲአ እተበርክቶ ጽቡቅ እኳ እንተኾነ ሰባት ተጻጋዕነትን ረድ ኤት አብ ምጽባይን ከይተርፉ ምጥንቃቅ ከምዘድልን ውሁድ ም ዕባሌ ብምት እትታው ነፍሲወከፍ ሰብ ናይቲ ዘለዎ ማኅበር ንጡፍ ተሳታፍን ንናይ ሓባር ጽቡቅ ንምምጻእ ኃላፍነት ክስከም ከምዝኽ እል ክገብራ አዘኻኺሮም፣ ንስደተኛታት ከም ለመንትን ተቀበልትን ጥራሕ ጌርካ ምግማት ከአ ጌጋ ኢዩ፣ ከመይ ብ አፍራይነት ይኹን በቲ ሒዞም ዝመጹ ተስፋን እምነትን ስብከተ ወንጌል አብ ምⷋያድ ብዙሕ አበርክቶ ክገብሩ ከዝምኽ እሉ አብ ግምት ብም እታው ነታ ናይ ጥንቲ ክርስትያን ማኅበረሰብ ዝኾነት ስልጥንቲ ሃገር ናይዞም ስደተኛታት ምስክርነት እምነት ከሀብትሞም ከምዝኽ እል ክግንዘቡ ከምዘለዎም አዘኻኺሮም፣







All the contents on this site are copyrighted ©.