2012-10-27 15:59:42

ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ.፦ ስነ ጥበብን እምነትን


ብምኽንያት ናይ እምነት ዓመት ከምኡ እውን ዝኽሪ መበል 500 ዓመት ካፐላ ሲስቲና ዝተደርሰ ጥበብን እምነት፣ ጎዳና ውበትን (ጽባቐ) ውህበትን ዘርእስቱ ሰነዳዊ ፊልም ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ኣብ ዝተረኽብሉ ትማሊ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንምርኢት ከምዝቐረበ ነቲ RealAudioMP3 መደብ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ሓቢረን።
እዚ ብናይ ፖላንድ ቲቢኤይ እተሰምየ ናይ ቴለቪዥን ጣቢያ ምስ ናይ ሃገረ ቫቲካን ምሕደራን ምስ ናይ ቫቲካን ቤተ መዘክር ክፍሊ ምምሕዳር ብምትሕብባር ዝተቐርጸ ኮይኑ ካብ ዝመጽእ ዘሎ ወርሒ ሕዳር 2012 ዓ.ም. ኣብ መላእ ዓለም ክዝርጋሕ ምዃኑ ገሊጸን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ድሕሪ እቲ ዝቐረበ ፊልም ዘረባ ከምዘስምዑን፣ ቅዱስነቶም፦ ኣብ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ስነ ጥበብ ቅርሲ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንሕዝቢ ዓለም ዝዛረበሉ ምሳሌኣዊ ቋንቋ እዩ። ስለዚህ ንገዛ እርእሱ ዝኸኣለ ናይ ድሕነት መልእኽቲ ዘበስር እዩ። እቶም ሃብትታት ስነ ጥበብ ፍክሊ ባህልን ሃይማኖትን ምዃኖም እውን ገሊጾም፣ ልብን ኣእምሮን ናብ እግዚኣብሔር ዝመርሕ ጥበብ እዩ፣ ስለዚህ እዚ ናይ ስነ ጥበብ ጽባቔ ጎዳና ውበትን ውህበት ፍሉዩ ኩላውነት ምክፋት ከምዘሎ ዝገልጽን ካብቲ ውሱን ግዜ ናብቲ ዘለኣላማውነት ክትኮር ዝድግፍ እዩ” ምስበሉ ኣስዒቦም ስነ ጥበብ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዘለዎ ተራ እንከመልክቱ፦ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ዘኪሮም፦ “ኣብ መንጎ እምነትን ስነ ፍልጠትን ዘተ ከምዘሎን እዚ ድማ ጎሊሑ ክርአ መታን ከይተሓለሉ ዘነቓቕሑን ሊቕነቶምን ሓደ ክፍሊ ቅዱስ ጴጥሮሳዊ ኣገልግሎቶም ነዚ ኣብ ምብራህ ተጸሚዶም ዝሃብዎ ኣገልግሎት ኣርሒቑ ዝጥምት ዓብይ ኣስተዋጽኦ ብሓቂ ስነ ጥበብ ኣብ ናይ ፖላንድ ባህሊ ዘለዎ ተራ ዝነጽር እዩ እግዚኣብሔር ጽባቔን ኢታእላው ፍቕሪ ምዃኑ ስነ ጥበብ የበስሮ” እንክብሉ ነቶም ነቲ ሰነዳዊ ፊልም ዘዳለዉ ኣመስጊኖም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእንተፋነዉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ሳባቲነሊ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.