2012-10-27 15:50:10

ሲኖዶስ፦ ህጹጽ ኣድላይነት ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንዓለም


እቲ ካብ ዕለት 7 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ ዕለት 28 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ብቕዱስ ኣቦና ብዝተመርሔ መስዋዕተ ቅዳሴ ዝዛዘም “ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ እምነት ክርስትና” ብዝብል ኣርእስቲ ተመሪሑ ንኽካየድ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝጸውዕዎ ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ትማሊ “መልእኽቲ ንሕዝበ እግዚኣብሔር” ብዝብል ኣርእስቲ ዘቕረቦ ናይቲ ሲኖዶስ መጠቕላሊ ሰነድ ጽማሬ፦RealAudioMP3 ነቲ ብዝተፈላለየ ሓደገይና ብዝኾነ ኣቃልቦኡ ብዘዘንብልን ብዘደናግርን ተግባር ዝተጠቕዔ ሕዝቢ ዘማእከለ ኮይኑ ብላቲንን ጣልያንን ፍረሳን ስፓንሽን ኢንግሊዝን ጀርመንን ቋንቋ ከምእተነበን መላእ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ነቲ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ብምሉእ ጣቕዒት ብምቕባል ደስታኦም ከምዝገለጹ እንክፍለጥ፣ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሕጹጽ ኣገዳስነት ናይ ዓለምን ማኅበረ ክርስትያን ንፍርሃት ኣሰኒፎም ብርጉእ ትብዓት ወንጌል ከበስሩ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ነቲ ዋዕላ ዝተኸታተላ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።
እዚ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ሕዝበ እግዚኣብሔር ብመልክዕ ኣታ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕራፍ ኣርባዕተ እትጥቀስ ሳምራዊት ሰበይቲ ብምምሳል፣ ከምቲ ንሳ ኣተሰከመቶ ባዶ ዝኾነ መቕድሒ ማይ ወይ ድም ዕትሮ እዚ ድማ እቲ ኣብ ውሽጢ ሰብ ዘሎ ጽምኣት እግዚኣብሔርን ዝውክል ኮይኑን፣ ቤተ ክርስትያን ናብቲ ባዶ ዕትሮ ተሰኪሙ ናብ ዘሎ ብምኻድ ጎይታ ከተቕርበሉን ከተበስሮን ዝተጸውዔት ምዃና የመልክት። ልክዕ ከምታ ሳምራዊት ሰበይቲ ንኢየሱስ ብሓቂ ዝተርኽበ ሰብ ላንጋ ላንጋ ኮይኑ ዝተርፍን ዘይግደስን ዘይኮነስ ናይ ድሕነትን ወንጌላዊ ተስፋን ኣብሳሪ እዩ ዝኸውን። እቲ ህጹጽ ኣገዳስነት ንዓለም ዝብል መላእ ሰብኣዊ ናብ ኢየሱስ ምምራሕ ማለት እዩ።
ኣብሰርቲ ቅድሚ ምዃን ዝተበሰሩ ምዃን ከምዘድልን (ወንጌል ቅድሚ ምብሳር ብወንጌል ዝስተሰብኩ ምዃኑ የድሊ) ስለዚህ እቲ ናይ ብፁዓን ሲኖዶስ ኣበው ናይ መጠቓለሊ ሰነድ ናይ ደቀ መዛሙርቲ ኢየሱስ ውልቃዊ ድኽመትን ግድፈትን ኣብቲ ናይቲ ተልእኾ ተኣማንነት ከበድ ዘስዕብ ብምዃኑ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ገዛእ ርእሳ ብምጅማርን ብምልዋጥን ከተቕርቦን ማሕበረ ክርስትያን ንፍርሓት ብእምነት ስዒሩ ነቲ ምግርጫውን ብዶሆን ዝኾነ ዓለም እውን እንተኾነ እግዚኣብሔር ዘፍቕሮ ስለ ዝኾነ ብህዱእ ትብዓት ክምልከቶ የተሓሳስብ።
ዘይትስፍውነት ብምውጋድ ዓውሎማነትን ግብረ ገብን ትምህርትን ብዘይ ሃይማኖት ዝብል ሃይማኖት ዝንጽል ባህልን ስደተይናታትን ኢእግዚኣብሔርነትን ቅልውላው ዓብላሊ ፖሊቲካን መንግስትን ጸገምን ስቓይን ኩሉ ንናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ምቹእ ኣጋጣሚ ኮይኑ ክርአ ኣለዎ፣ ስለዚህ አወንታዊ ጎድንታቱ ብምርኣይ ንናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ከም ባይታ ምጥቃም ኣገዳሲ እዩ። ኣስፍሆተ ወንጌል ወንጌል ከም ናይ ንግድ ምህርቲ ምቕራብ ማለት ዘይኮነስ ሰብ ናብ ክርስቶስ ዘቕረብ ሜላ ምርካብ ማለት ምዃኑ እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ከምዘመልክቶ ጋዜጠይና ፒሮ ሓቢሮም።
እቲ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ፣ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ባህርያዊ ስፍራ ስድራ ቤት ከምዝኾነን፣ ብቤተ ክርስትያንን ብፖለቲካን ብሕብረተሰብን ክድገፍ ከምዘለዎ ብምትሕስሳብ ኣብ ስድራ ቤት ተራ ደቂ ንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ማለት ሓላፍነት ኣደነትን ኣቦነትን ብምትንታን ብዘይ ቃል ኪዳን ብሓደ ዝነብሩ ሰብኣይን ሰበይትን ዝተፋትሑን ተፋቲሖም ሓድሽ ሓዳር ዘቖሙን ደቃቶምን ብጎይታ ርሱዓት ዝተሰንጉዑ ከምዘይኮኑን ቤተ ክርስትያን ንዅሉ እተእንግድ ኣደ ምዃና የመልክት።
ቁምስናታት ንኣስፍሆተ ወንጌል ኣዚዩም ዘገድሱ ቤተ እግዚኣብሔር ከምዝኾነን ኣገዳስነት ሕይወት መናንያንን ቀጻሊ መደብ ሕንጸት ናይ ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ብሱታፌ ኣብ ቤተ ክርስትያን ወንጌል ከበስሩ ዝተጸውዑ እያቶም። ነቲ ናይ ሰብኣውን ቤተ ክርስትያንን ህልውን መጻእን ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ፍሉይ ቆላሕታ ክግበርን እዚ ድማ ኣቲ ዘለዎም ውዕዉዕ ስምዒት ንምድሃል ዘይኮነስ፣ ነቲ ውዕዉዕ ሓይሊ ዓቢይ ግምት ንምሃብ ምስማዑን ምሳኡ ብምዝታይ ተስፋ ምንባር ኣገዳሲ ምዃኑ እቲ ናይ ሲንዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ጽማሬ ከምዘመልክቶ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ሓቢረን።
ዓቐን ኣስፍሆተ ወንጌል ልክዕ ከምቲ ስፍሓት ዓለም እዩ፣ ስለዚህ ምስ ባህልን ነቲ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ዘሎ ርክብ ንምግላጽን ሓድሽ ቃል ኪዳን ክቐውም መታን ብኩለ መዳያዊ ክፍልታቱ፣ ምስቶም ናይ ምስትውዓል ቅርጺ ዝህቡ ትምህርትን ምሉእ ሰብኣዊ ሕንጸትን ምስ ስነ ፍልጠትን ምስ መራኸቢ ብዙሃንን ዘተ ምርግጋጽ መሠረታዊ እዩ። ሰብ ብጉእዝነት ጥራሕ ካብ ምጥማት ተላቒቖም ሕይወት ናብ ሰኣውነት ኣብ ምምራሕ ዝዋስኡ መታን ኽኾኑ፣ ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ሓድስ ርክብ ዝብል እውን ምዃኑ ኣብቲ ሰነድ ከምእተመልከተ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን፣ ምስቲ ብውበትን ውህበትን ኣቢሉ መንፈሳውነት ዝገልጽ ስነ ጥበብን ከምኡ እውን ኤኮኖምን ስራሕን ንፍጥረት ሰብ ጸቕጢ ወይ ድማ ተስፋ ዘይንበረሉ ዘይተረጋገጸ መታን ኮይኑ ከይርአይ፣ በንጻሩ ንስብኣዊ ምንቕቓሕን ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብምስጢረ ተክሊል ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ዝቐውም ስድራ ቤትን ናይ ሰብኣዊ ናይ ሕንጸትን ሃይማኖትን ነጻነትን ሓልዮን ኢፍትሓውነትን ዘይማዕርነትን መንቀልታቱ ንምውጋድ ምዝታይ ከምዝግባእ፣ እቲ ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ዓቢ ግደ ዘለዎ ተግባር ኣኽራርነት ኣይፋል ዝብልን፣ ዓመጽ ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ምግሃስ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ንምቅዋም ኣብ መንጎ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ኣገዳሲ እዩ ከምዝብል ሓቢረን።
ቃል ኣምላኽ ብብሉጽነት ንምእንጋድን ንሕዙናትን ስኡናትን ብዓይኑ ክርስቶስ ብምርአይን ኣብኣቶም ምስ ክርስቶስ ብምርኻብ ንምግልጋሎም ምቹእነትን ጥጡሕ ባይታን ዝፈጥር ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዓቢ ትርጉም ዘለዎም ክልተ ናይ እምነት መግለጺ ንሳቶም ድማ ኣስተንትኖን ጽሞናን ዝብሉ ኩነታት ዝጠቀሰ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ቀጺሉ፣ ኣብ መወዳእታ ክፍሉ፣ ነተን ኣብ መላእ ከባቢ ዓለም ዝረከባ ዝተፈላለያ መግለጺ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ዝኾና ኣቢያተ ክርስትያን ኣማእኪሉ፣ ኣብ ብስራተ ወንጌል ክተብዓን ክነቕሓን ኣብ ማኣከላይ ምብራቕ እትርከብ ቤተ ክርስትያን እምነት ሰላምን ናይ ሃይማኖት ነጻነትን ንምርግጋጽ ኣሚታ ክትነብሮ ብምትሕስሳብ፣ ነታ ኣብ ኣፍሪቃ እትርከብ ቤተ ክርስትያን፣ ምስ ጥንታውያንን ሓደስቲ ባህልታት’ታ ክፍለ ዓለም ንምዝታይ ዝድግፍን ዓመጽን ግጭትን ክውገድ መታን መንግሥታት ኣብ ጎደና ሰላም ዘተባብዕ ኣስፍሆተ ወንጌል ምንቕቓሕ ከምዘድልን፣ ኣብታ ዝተፈላለየ ካብ ወንጌል ዝረሓቐ መግለጽታት ዝመልኦ ባህሊ ዝንጸባረቓላ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብሩ ማሕበረ ክርስትያን ምልዋጥን ስደተይናታትን ተመዛበልትን ንምእንጋግ ቅሩባት ኮይኖም ክሕነጹን ላቲን ኣመሪካ ድኽነትን ዓመጽን፣ ሓድሽ መልክዕ ዘለዎ እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ኅብረ ሃይማኖት ዘተኣታትዎ ብድሆታት ንምስናፍ ኣብ ቀጻሊ ሕንጸት ዘማእከል ተልእኾ ወንጌል ኣገዳሲ ምዃኑን፣ ኣብ እስያ ድማ ማሕበረ ክርትያን ውሁድ ክፍሊ ሕብረተሰብ እውን ብምዃኑ ተነጺሉ ኣብ ጠርዚ ሕብረተሰብ ክነብር ዝተገደ እውን እንተኾነ ጽንዓት ኣብ እምነትን ገይሩ ክነብርን፣ ከምኡ እውን ነታ ኢየሱስ ዝተወልደላን ዝሞተላን ካብ ሞት ዝተንሳኣላ ቅድስቲ መሬት ቅርበት ናይ መላእ ዓለም ሕዝበ ክርስትያን ዘረጋገጽ ሓሳብን ከምኡ እውን እታ ሃይማኖትን ግብረ ገብን ዝንጽል ሕሉፍን ኣጥቃዕን ዓለማውነት ዝሰፍሓላ ናይ ዝዓለፉ ዓሰርተታት ዓመታት ብዝነበሩ ስርዓት መንግሥታትን ጸረ እግዚኣብሔርን ጸረ ሰብኣውን ኮይኑ ግና ንናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ሓድሽ መልክዕ ዘልብስ ሰብኣውነትን ናይ ሓባር ጥቕምን ዝብል ኣረኣእያ ዘነቓቕሔ ባህሊ ዘተኣታታወ ፖለቲካዊ ስነ ሓሳባ ዝማዕበለላ፣ እዚ ባህሊ’ዚ ድማ ሰብ ብዘይ እግዚኣብሔር ገዛእ ርእሱ ንገዛእ ርእሱ እኹል እዩ ዝብል ብዘተኣታተዎ ኣመለኻኽታ ዝተሃሰየ ማሕበረ ክርስትያን ኤውሮጳ ነዚ ባህሊ እምነት ብምምስካር ከሰንፍዎ ከምዘለዎምን ኣብ ኦቻይና ድማ ወንጌል ክሰፍሕ ከምዘለዎ ዘመልከተ ናይ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ጽማሬ ኣስዒቡ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንቅድስቲ ድንግል ማርያም ብምምሕጻን ከምዘጠቓለሎ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።







All the contents on this site are copyrighted ©.