2012-10-27 15:53:42

ሲኖዶስ፣ ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ፦ “ጽድያ ክርስትና”


ናይ ሚላኖ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ኣንጀሎ ስኮላ ብዛዕባ ከይዲ ሲኖዶስ ኣመልኪቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ እቲ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ እምነት ክርስትና ብዝብል ኣርእስቲ ተማእኪሉ ዝካየድ ዘሎ ጽባሕ ዝጠቓለል ሲኖዶስ ሰፊሕን ዓሚዩቕን ጥልቅን ከምዝነበረን እቲ RealAudioMP3 ሲኖዶስ ዘካየዶ ዘተን ርእይቶታቱን ናይ ፍጻሜ ሰነዱ እውን ርኢኻ ክሳብ ክንደይ ዓሚዩቕ ምዃኑ ንምስትንታኑን ንምስትምቓሩን ግዜ ከድሊ እዩ። እቲ ሲኖዶስ ተፈጺሙ ኢይ እሞ ኩሉ ኣዕሚዩቕካዮን ፈሊጥካዮን ማለት ኣይኮነን፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ከም ክኢላ ቲዮሎጊያን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ብምስታፍ ብርቱዕ ምውዕዋዕ ዘነቓቓሓሎም ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተመክሮኦም ዘኪሮም እዚ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ርክስትያን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ እውን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ብፁዓን ጳጳሳት ውዕዉዕ ወንጌላዊ ስምዒት ከነቓቕሕ ዝበልዎ ሓሳብ ብፁዕ ካርዲናል ስኮላ ጠቒሶም፣ እዚ ሲኖዶስ ብዙሓት ሕቶታት ኣልዒሉን፣ ኣብ መንጎ ህያባት ስልጣን ቤተ ክርስትያንን ጸጋታት መንፈሳውነትን ዘሎ ርክብን ብዛዕባ ስድራ ቤትን ርክብ ምስ ሃይማኖት ምስልምናን ዝብሉ ነጥብታት ዝዳህሰሰ ብሓቂ ዝተመያየጠሎምን ዝቀረቡ ሓሳባትን ናይ ፍጻሜ ሰነዱ ዕምቆቱ ርኢኻ ምስ ትዕግስቲ ኣብ ዝቕጽሉ ዓመታት ብሓቂ ዓቢይ ምልክታ ዘንብር ምዃኑ ንጹር እዩ። ብኻልእ መዳይ ድማ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ዘራኸበ ብምንባሩ፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ኵላዊነት ባህርይ ዘነጸረን እቲ ኣብ መንጎ ብፁዓን ጳጳሳትን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ዘሎ ውህደት ዝሓደሰን ዝመስከረን ብፁዓን ጳጳሳት ብቐረባ ክላለዩ ዝገበረ ጸጋ እውን ኢዩ ኢሎም።
ኣብዚ እንነብረሉ ዘሎና እዋን እቲ ዓቢይ ሽግር ኮይኑ ዘሎ እቲ ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን መሠረት ዝኾነ ናይ ሃይማኖት ነጻነት ምግሃስ እዩ። ናይ ሃይማኖት ነጻነት ናይ ሕሊና ነጻነት እምነትካ ናይ ምልዋጥ ነጻነት ኣብ መላእ ዓለም ክኽበር ይግብኦ፣ እዚ ብዛዕባ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ዘሎ ህሉው ኩነታት ዝምልከት እውን እዩ። ኣብ ኤውሮጳ ዝርአይ ዘሎ ምትሕንፋጽን ምትሕልላኻትን ባህልታት ንምብዳህ ባህልኻን ናይ ባህልኻ መሠረት ዝኾነ እምነትክ ምፍላጥን ምልላይን ይግብእ። እዚ እቲ ሲኖዶስ ዘስመረሉ ሓሳብ ምዃኑ ጠቒሶም፣ ማሕበረ ክርስትያን ኣብዚ እዋን’ዚ ዝነብሮ ዘሎ ናይ እምነት ዓመት ናይ እምነት ውበትን ውህበትን ምሉእነትን ናይ እምነት ሓቅነት ንኽነብር ዝድግፎ ጸጋ እዩ። ብፍላይ ድማ ኣብታ ብእምነት ዝደኸመት እተመስል ኤውሮጳ ኣዚዩ ኣገዳሲ እዩ ኢሎም።
እዚ ኣብ ቤተ ክርስትያንን ከም ቤተ ክርስትያንን ኣንነብሮ ዘሎና እዋን ጽድያ ክርስትና ክበሃል ዝከኣል እዩ ቢሎም፣ ኣነ ናይ እምነት ዘይኮነስ ንሕና ናይ እምነት ዝብል ክርስትያናዊ ሱታፌ ዘቃልሕ ናይ እምነት ዓመትን ሲኖዶስን እዩ። ስለዚህ እዚ ዅሉ ድማ ንዕምባበ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓድሽ ኩነት ዝፈጥር እዩ ኢሎም ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.