2012-10-25 14:55:01

ግብጺ፣ ሓድሽ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ቴለቪዥን መደብር


ኣብዚ እዋን’ዚ እታ ብሕውነት ምስልምና ናይ ፖለቲካ ሰልፊ እትምራሕ ኣብ ዘላ ሃገረ ግብጺ ቀዳመይትን ሓዳስን ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ቴሌቪዥን ጣቢያ ኣብ 2013 ዓ.ም. ወግዓዊ ኣገልግሎት ዝህብ ክፍሊ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ መራኸቢ ብዙሃን ኣገልግሎት ንምቛም ከምእተወጠነ RealAudioMP3 ካብ ናይ ግብጺ ብፁዓን ጳጳሳት ቤት ምኽሪ እዚ ውጥን’ዚ ንኽመርሑ ሓላፍነት ዝለበሱ ናይ እስክንድሪያ ሓዋርያዊ መስተናብር ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ኣደል ዛኪ ከምዝገለጹ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።
ናይታ ሳላም እተሰምየት ናይ ቴለቪዥን ጣቢያ ዋና መንበሩ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ናይ ላቲን ስርዓት ናይ እትኽተል ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሕንጻ ኣብ ዝርከበሉ ስፍራ ከምዝኸውንን ብናይ ኢጣሊያን ጀርመንን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ብዝለገስዎ ናይ ቁጠባ ደገፍ ዝተወጠን ከምዝኾነ ዝሓበሩ ብፁዕ ኣቡነ ዛኪ ብሓልዮትን ፍቓድ እግዚኣብሔርን ዝድገፍን ዝምራሕን እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት የመልክት።
እቲ ኣብ ሮማ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ እውን ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ተራ ካቶሊካውያን መራኸቢ ብዙሃን ዓቢ ምዃኑ ክምእተሰመረሉን፣ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን መንፈሳውን ቲዮሎጊያውን ፍልስፍናውን ሃብትታት ዝገልጽን፣ ናይ ቤተ ክርስትያን ማሕበራዊ ትምህርቲ ዘቃልሕን ካቶሊካዊ መንፈሳውነት ዘነጽር ኵላዊት ቤተ ክርስታይን ዘላልይ እዩ ከምዝበሉ ፊደስ ናይ ዜና ኣገልግሎት ሓቢሩ።







All the contents on this site are copyrighted ©.