2012-10-25 14:44:32

ሲኖዶስ፣ ምስክርነት ተሳታፊ ካብ ኣሌፖ (ሶሪያ)፦ ቅዱስ ኣቦና ንሶርያ ንዘለዎም ቅርበት ነመስግን


ቅዱስ ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንመላእ ሕዝቢ ሶሪያ ቅርበት ቤተ ክርስትያንን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ናይ መላእ ካቶሊክ ማሕበረሰብ ሕውትነታዊ ምትሕብባር ንምምስካር ልኡኻት ቅድስቲ መንበርን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስን ዝጥርንፍ ጉጅለ ብፁዓን ጳጳሳት ናብ ሶሪያ ክልእኹ ምዃኖም ቅድም ክብል ከምእተገልጸን፣ RealAudioMP3 እቲ ዝተመዘ ጉጅለ ብፁዓን ጳጳሳት ተልእኾኡ ንምቅናዕ ኣብ ምቅራራብ ከምዘሎ እንክሕበር፣ በዚ ምኽንያት ኣባል ናይ ካቶሊካዊ ምንቅስቓ ሃደሽቲ ስድራ እተሰምየት ኣብ ሶሪያ ናይ ዝርከብ ጨንፈር ሓላፊት ተወላዲት ሶሪያ ኣብ ሲኖዶስ ብፁዓን ኣበው ብመሰል ሰማዒ ዝሳተፋ ዘለዋ ጂሰለ ሙካቲ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንሶሪያን ሕዝባን በቢ ዕለቱ ቀረባ ምዃኖም ዝገልጹን ምእንቲ’ታ ሃገር ሰላምን ምርግጋእን ዝጽልዩ ምዃኖም ዘረጋገጽዎ ቅርበት ምኽንያት ነመስግኖም፣ ብሓቂ እታ ሓቀይና ተስፋ ናይ ቤተ ክርስትያን ዝምስክር እውን ብምዃኑ ሶሪያ ኣብ ተኣሊኻቶ ዘላ ቅልውላው ንመላእ ሕዝብን ነቶም ኣብታ ሃገር ኣብ ምስፋሕ ወንጌል ዘገልግሉ ዘለዉ ካቶሊካውያን ኣባይቲ ስድራ ዘነቓቕሕን ዘተባብዕን እውን እዩ ኢለን።
ቅድም ቀዳድም ኣብቲ ፍቕሪ ዝኾነ እግዚኣብሔር ጽኑዕ እምነት የድሊ፣ ንሱ እዩ ንኹሉ ናብ ሰናይ ዝመርሕ፣ ኣብዚ ናቱ መርሕ ድማ ኩላትና ምስ እንሓበር ሰላም ክህሉ ከምዝኾነ ዝተረጋገጸ እዩ። ኣቲ ሓደስቲ ኣባይቲ ስድራ እተሰምየ ካቶሊካዊት ምንቅስቓስ ብቃለ ወንጌልን ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ተተባቢዑን ብብፁዓን ጳጳሳት ተደጊፉን ነቶም ኣብ ጸገም ንዝርከቡ ኣባይቲ ስድራ ሶሪያ ብቐረባ ደገፍ የቕርብ ኣሎ። እቲ ዘቕርቦ ደገፍ ናይ ኩላዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ደገፍን ቅርበትን ዝምስክር እዩ ምስ በላ፣ እቲ ኣብ ሲኖዶስ ከም ሰማዒት ዝነብርኦ ዘለዋ ሱታፌ፣ ብትብዓት ናይ ፍቕሪ ወንጌል ንምብሳርን ምምስካርን ዘተባብዔን ከምዝኾነን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንሶሪያ ኣዚዩ ኣድላዪ እዩ እብክብላ ዝሃብኦ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊለን።







All the contents on this site are copyrighted ©.