Home Archivio
2012-10-25 17:21:40
መበል 13 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ካቶሊካዋያን ጳጳሳት
ብዛዕባ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ንክዛተ ተጋቢኡ ዘሎ መበል 13 ሓፈሻዊ ጉባኤ ሲኖዶስ ካቶሊካዋያን ጳጳሳት ሎሚ እውን ቀጺሉ ዉዒሉ፣ ናይ ሎሚ ዉዕሎኡ አብ ዕጹው ማዕጾ ኰይኑ ነቲ ንድሕሪ ጽባሕ አበው ድምጾም ክህቡሉ ክቀርብ ዘለዎ ንድፊ ሰነድ ንምምትዕርራይን ምእራምን ኢዩ፣ እዚ ናይ ኩሎም አበው ሲኖዶስ ርእይቶታት ዝሓቆፈ ንድፊ እዚ በብደርጃ እናተጻፈፈ ዝመጸ ኰይኑ ብመጀመርያ አበው በቲ መርሐ ግብር ኮይኑ ከስርሖም ዝተወጠነ ኢንስትሩመንቱም ላቦሪስ መሠረት በብረኪበ ጳጳሳዊ ጉባኤታቶም ብግልን ብተናጸልን ተሰናድዮምሉ ዝመጹ ነጥብታት ናብ ሓፈሻዊ ጉባኤ አበው ምስ አቅረቡ አብ ነናአሽቱ ጉጅለታት ተኸፋፊሎም ንኩሉ ጸሚቆም ዝተፈላለየ ለበዋታትን ርእይቶታትን አቅሪቦም፣ ናይዚ ሲኖዶስ ጸሓፊት ኮሚቴ ከአ ብጊዲአ ንኩሉ ብሓንሳብ ጠርናፋ አብ 326 ዓናቅጽ ጸሚቋ ንምልአተ ጉባኤ አረኪባ፣ ምልአተ ጉባኤ አብ ናይ ሰኑይን ሰሉስን ዕጹው ጉባኤኡ ንኩሉ መርሚሩን ጸሚቁን ናብ 57 ዓናቅጽ አውሪድዎ፣ ነዚ ኸአ እንደገና አብ ናይ ቅድሚ ትማሊ ዉዕሎኦም ንምልአተ ጉባኤ ቀሪቡ በብሓደ ምስ ተነበ ንኩሉ እተጻሪ ካብ ኩሉ ክፍላተ ዓለማት ዝተወከለ ቤት ምኽሪ አቝሞም፣ አብ ናይ ሎሚ ዉዕሎኦም ዕጽው አኼባ ብምክያድ ነዚ ንዝመጽእ ቀዳም አበው ድምጾም ከስምዑሉ ዝቀርብ ንድፊ ሰነድ ከጻርዩ ዉዒሎም አለው፣
All the contents on this site are copyrighted ©.