2012-10-23 17:28:16

ወንጌል ብዘሎ መራኸቢ ብዙኃን ክዝርጋሕ አለዎ


ወንጌል ብዘሎ መራኸቢ ብዙኃን ክዝርጋሕ አለዎ እንክብሉ ንናይ ዘመንና ሓደስቲ መራኸቢ ብዙኃን ንሓዲስ ስብከተ ወንጌል ክንጥቀመሎም ከምዘለዎ አበው ሲኖዶስ አመልኪቶም፣ እዚ ከአ ኢንተርነት ተለቪዥንን ራድዮን መተሓላለፊ ወንጌል ንኪኸውን ሠራሕተኛታት ማኅበራዊ መራኺቢ ብዙኃን ንጹር መንነት ክርስትና ክለብሱ አድላዪ ከምዝኾነ ይሕብር፣ አብቲ ሲኖዶስ ዝሳተፉ ዘለው ናይ ማኅበር ን ኡሳን አኃው ካፑቺኒ ጠቅላሊ ሓለቃ ነዙይ አመልኪቶም ንረድዮ ቫቲካን አብ ዝሃብዎ መብርሂ “ማኅበራዊ መራኸቢ ብዙኃን አብዚ ግዜና ካብቲ እግዚአብሔር ዝሃበና ዓበይቲ ውህበታት ሓደ ኢዩ ኢለ እ አምን፣ ንስብከተ ወንጌል ንክትወፍርን ነዚ መጋበሪ እዚ ክትጥቀምን መንነትካ ክትገልጽ የድሊ እዚ መንነት እዚ ከአ ንጹር መንነት ካቶሊካዊ ክርስትያን ክኸውን አለዎ፣ እዚ መጋበሪ እዚ ንኩሎም ራድዮ ዝሰም ዑ ይኹኑ ተለቪዥን ዝር እዩ ከማኡ እውን ኢንተርነትን እስማርትፎንን ካል እን ንዝጥቀሙ ክንቀርቦም ክንሰብከሎም ዘኽ እሉና ጽቡቅ መጋበሪ ኢዩ፣ ብሓፈሻ ነዙይ ዝግልገል ካቶሊካዊ ካብ ካል እ ዝፈልዮ ነገር ክህሉ ከአ ግድን ኢዩ፣ ብቀዳምነት ናይ ጐይታ ኢየሱስን ንመንግሥቱን ፍሉይ ፍቅሪ ክህልዎ የድሊ፣ ንህዝቢ ሠናይ ዜና ከበሥር እዚ ብሥራት እዚ ከአ ምል አት ሕይወት ሂቡ ነፍሲ ወከፍ ሕይወተይ ምል አት ረኺባ ምስ ጐይታ ክነብራ ብቃል ወንጌሉ ክመላለስ ሕጉስ ኢየ ዘብል ክኸውን አለዎ፣ እዚ መጋበሪ እዚ አድላዪን ዓሚቍን መል እኽቲ ክተመሓላልፈሉ ዚከአል ኢዩ፣ ግን ከአ ከመይ ገቢርና ከም እንጥቀመሉን እንታይ ትሕዝቶ ንህብን ወሳኒ ስልዝኾነ ብርቱዕ ጥንቃቄ የድሊ፣ አብዚ ብብዙሕ መራኸቢታት ተጐቢኡ ዘሎ ዘመንና ሕዝቢ ነታ ሓቂ ደልዩ ሃሰው ይብል አሎ፣ ሓቀኛ ቃል ረኺቡ አብ ናይ ሕይወት አገዳሲ ነገራት ከስተንትን ይደሊ አሎ፣ ል ዕሊ ኩሉ ሕይወተይ እንታይ ትርጉም አለዎ፧ አበይ ክኸይድ እደሊ፧ ካበይከ መጺኤ፧ ሥቃይ ትርጉሙ እንታይ ኢዩ፧ ሞትከ፧ ፍቅሪኸ፤ ንዝብል አገደስቲ ሕቶታት ንኽምልስ ዝሕግዞ ይደሊ አሎ፣ አብ ሃገረ ጣልያን ናይ ካቶሊካውያን ረድዮ ዝሰምዑ ቍጽሪ እናተዓጻጸፈ ይዓቢ አሎ፣ እዚ ዘመልክተና ወላውን ውሁድን ወግ ዓውን ብዝኾነ መንገዲ ደአ አይኹን እምበር እዚ አብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ ሕቶታት አብ ልቢ ነፍሲ ወከፍ ሰብ አይን ሰበይትን ዘሎ ኢዩ፣ ስለዚኸስ ከም ካቶሊካውያን መጠን ነዚ ሕቶታት እዚ ክንምልስ እንተንፍትን ብጣዕሚ ጽቡቅ ምኾነ፣ ክንዮ አፍአውን ስምዒታውን ነገራት ኃሊፍና ክንክእል የድሊ፣ ነዚ አብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ሕቶታት ወንጌልን ቤተክርስትያንን ዝህብዎ መልስታት ብውሕሉል ጥበብ ምቅልሑ የድሊ፣ አብዚ ናይ መራኸቢ ብዙኃን ንኹሉ ዓብሊልዎ ዘሎ ጊዜ ቤተ ክርስትያን ሓፈሻዊ ዘይኮነ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ብግሉ ክበጽሖ ልቡ ክትንክፍ ታሪኹ ክትንክፍ ክኽእል አለዎ፣ ንነፍሲ ወከፍ ከም ግለሰብ ክንሰም ዖ ክነዛርቦ ክንክ እል አሎና፣ እንክብሉ አገልግሎት መራኸቢ ብዙኃን አብ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ክንጥቅመሉ ግድን ከምዝኾነ ሓቢሮም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.