2012-10-23 17:20:17

ሲኖዶስ አበው 23.10.2012


ንሓዲስ ስብከተ ወንጌልን ዝኸውን ዕጥቅን ስንቅን ንምውዳድ አብ ሃገረ ቫቲካን ካብ ምሉእ ዓለም ተአኪቦም ብጸሎትን አስተንትኖን ዘተን ዝካየድ ዘሎ መበል 13 መደበኛ ጉባኤ ሲኖዶስ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሎሚ እውን ከምቲ ልሙድ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 ብዝመርሕዎ ጸሎተ ስብሐተ ነግህ ጀሚሩ አብ ፍርቂ መዓልቲ ብጸሎተ መል አከ እግዚአብሔር ናይ ንግሆ ጉባኤኡ አካዪዱ፣ አብቲ ጉባኤ 258 አበው ከምዝተሳተፉ ቀንዲ ናይ ሎሚ ስራሖም ነቲ አብ ዝሓለፈ ጉባኤታት ብግልን ብጉጅለን ንሲኖዶስ ዝቀረበ ሓሳባት ብምእካብ ዝሓለፈ ሶሙን በብጉጅለ ተዛቲዮም ንዘቅረብዎ ለበዋታት ትማሊ ተዓጺዮም ከጻርይዎ ድሕሪ ምውዓል ሎሚ ንመጽናዕቲ ናብ ጉባኤ ቀሪቡ፣ እዚ ከም ረቂቅ ሰነድ ብዙሕ ነጥብታት ሒዙ ዝቀረበ ጽሑፍ ከም ለበዋ ናብ ቅዱስነቶም ክቀርብ ንሶም ከአ ብግዲኦም ብጸሓፍትን ሊቃውንትን ተሓጊዞም ዝውሰኽ ወሲኾም ዝጐድል አጕዲሎም ከም ናይ ድኅረ ሲኖዶስ ሐዋርያዊ ም ዕዳን ክእውጅዎ ኢዮም፣ እዚ ረቂቅ ሰነድ እዚ ንዝመጽእ ቀዳም አብ ምልአተ ጉባኤ ቀሪቡ አበው ድምጾም ክህቡሉ ኢዮም፣
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ አበው ሲኖዶስ ነቶም አብ ዝሓለፈ ቅንያት አብ ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተጨውዩ ሰለስተ ሚስዮናውያን ብዘይ ወዓል ሕደር ክልቀቁ ተማሕጺኖም ከምኡ እውን ንቅዱስ አቦና ወኪሎም ናብ ሲርያ ናይ ምትሕብባር ተልእኾ ናይ ዝፍጽሙ ጉዳይ እውን ተዘትዪሉ፣ እዚ ናይ ምትሕብባር ተልእኾ ከገብር ዝለአኽ ጉጅለ ወከልቲ ቅድስት መንበርን ናይ ሲኖዶስ አበው ወከልትን ዘጠቃልል ኢዩ፣ አበው ሲኖዶስ ንሕዝቢ ሲርያ ምትሕብባሮም ብምግላጽ ነቶም ነዚ ግጭት እዚ ፍታሕ ከናድዩ ዝጽ ዕሩ ከአ የተባብዑ፣
ሲኖዶስ አበው አብቲ ረቂቅ ሰነድ ዘሎ ለበዋታት በብሓደ ከጽንዑ አርፊዶም፣ እቲ ቀንዲ ግድል አብዚ ዓለማውነትን ሸለልትነትን ዝ ዓብለሎ ዘመንና ወንጌል ምስባኽ ዘሸግር እኳ እንተኾነ ዝገደደ ግን ስደትን አብ ሃይማኖት አይዝሑል አይምውቍ ምዃንን ከምዝኾነ ገሊጾም ነጻነት እምነትን ክብሪ መሰል ደቂሰባትን ከይአውሓስካ ስብከተ ወንጌል አጸጋሚ ከምዝኸውን ከመይ ንባዕሉ እቲ ወንጌል ነቲ ብናይ ዘመና ኩነታት ዝተፈጥረ ባሕታውነት ክሃድም ንዝጽዕር ናይ ዘመንና ሰብ ነጻ ዘውጽእ ናይ ሰላም ብስራት ስለዝኾነ እውን ኢዩ ቢሎም፣
ዝርዝር ናይቲ ዝተኻት ዑሉ ነጥብታት ብዙሕ እኳ እንተኾነ ቀቀንዱ ግን አጠቃቅማ መራኸቢ ብዙኃን አብ ሓዲስ ስብከተ ወንጌል ናይ ስደተኛታት ጉዳይ ሰነዳት ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ትምህርተ ክርስቶስ ንዓበይቲ ከምኡ እውን ትምህርቲ ብዓንዲ ርእሱ ጉዳይ ድኻታትን ሕሙማትን ምስ ግብረ ሠናይ ብምትእሥሳር ድሕሪ ዘቲዮም ቀንድን አውራን ከአ ጉዳይ ምሥጢራት ቤተ ክርስትያንን ተሳትፎኦምን ስለዝኾነ ካብቲ መንጠሪ ባይታ ምሥጢራት ቢሎም ዝሰመይዎ ምስጢረ ንስሐ ጀሚርካ ም እመናን ተሳትፎኦም ዘዕዝዙሉ መንገዲ ምምሃዝ ከማኡ እውን ም እመናን ኃላፍነቶምን ቦታኦምን አብ ቤተ ክርስትያን ፈሊጦም ቀዳሞት ተዋሳእቲ ስብከተ ወንጌል ዝኾኑሉ አገባብ ምምሃዝ ብሕልፊ መን እሰያትን ደቂ አንስትዮን ን እምነትን ተስፋን ሕይወት ዝህቡ ስለዝኾኑ ከምዝዋስ ኡ ምግባር ዝብል ነበረ፣
አብ ጉዳይ ስድራቤት ምልስ ቢሎም እውን ክድገፉ ከምዘለዎም ብምሕባር ምናዳ ከአ ነቶም ብፍትሕን ካል እ ጸገማትን ዘይተቃደው ስድራ ቤታት ፍሉይ ጉስነትን ስብከተ ወንጌልን ክካየድ ተላቢዮም፣
አብ መወዳእታ ብዛዕባ ዘተ ውስጠ ሃይማኖታትን ናይ ክርስትያን ሓድነትን ዝድንፍዓሉ መንገዲ ምንዳይን ንተፈጥሮ እንሕልወሉ ናብራ ሕይወትን ሓላፍነታዊ አነባብራን ክዝውተር ብምትሕሥሳብ ናይ ንግሆ ጉባኤኦም ቅዱስነቶም ብዝመርሕዎ ጸሎተ መልአከ እግዚብሔር ዛዘሙ፣








All the contents on this site are copyrighted ©.