2012-10-23 14:32:52

ሲኖዶስ ናብ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ርእይቶ ምጥንቓቕ
ብፁዕ ኣቡነ ጋደኪ፣ ኣድላይነት መምሃራን ትምህረተ ክርስቶስ ንበጽሒ ክፍሊ ሕብረተሰብ


እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ እምነት ክርስትና” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመርኵይዙ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ትማሊ ኣብ ዘካየዶ ዕጽው ዋዕላ፣ እቲ ሲኖዶስ ካብ ዝጅምርን ብሓባርን ብነእሽቱ ጉጅለ ብፁዓን ኣበው ሲንዶስ ተመዳዲቡ ካብ ዘካየዶ RealAudioMP3 ዕጹው ዋዕላ ዝተኣከቡ ርእይቶታት መሠረት ናይ ፍጻሜ ናይ ሲኖዶስ ርእይቶ ሰነድ ናብ ምጥንቃቕ ገጹ የምርሕ ከምዘሎ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ናይ ሲንዶስ ግዚያዊ ሰነድ ርእይቶ ሎሚ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ቀሪቡ ምይይጥ ከምእተገበረሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣብ ዝተኻየደ ሲኖዳዊ ዋዕላ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ትምህርተ ክርስቶስ ንእኹል ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘተኩር ኮይኑ እውን ክቐርብ ሓሳብ ከምእተውሃበን ስለዚህ ብዙሕ ግዜ ብዛዕባ ሕንጸት ንበጽሒ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝተዘንግዔ ከምዝመስል፣ ምእንቲ’ዚ በጽሒ ክፍሊ ሕብረተሰብ መስካሪ እምነት ኮይኑ መታን ክሕነጽ ነዚ ዘብቕዖ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ትምህረተ ክርስቶስ ክቐርበሉ ከምዝግባእ ሲኖዶስ ብፅዓን ኣበው ከምዘተሓሳሰበ ናይ ቦዝናን ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቡነ ስታኒስላው ጋደኪ ከምዝሓበሩ ኣመልኪቱ።
ብፁዕነቶም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ “ብዙሕ ጊዜ ንናይ ሕጻናትን ንመንሰያትን ትምህረተ ክርስቶስ ሕንጸት እዩ ዝሕሰብ ኣድላዪ እዩ፣ ኮይኑ ግን ንበጽሒ ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝተፈለላዩ ናይ ሕንጸት መደባት ዝቐርብ እውን እንተኾነ፣ ከም ዝግብኦ ብቑዕን ቀጻልን ኮይኑ ኣይቀርብን፣ ስለዚህ ኣቶም ካብ እምነትን ቤተ ክርስትያንን ብዝተፈላለየ ምኽንያት እቲ ሕጻናት እንከለዉን ከም መንሰያትን ዝተቐበልዎ ናይ እምነት ሕንጸት ክደክምን እንተዘይገደደ እውን ክመክን ይርአይ፣ እምነት ምስ ትሕዝቶኡ ክሰፍሕ መታን ክቐርብ ኣለዎ እዚ ድማ ካብቲ በጽሒ ክፍሊ ሕበረተሰብ እንተዘይተበጊሱ ክጠፍእ እዩ” ኢሎም።
ወለዲ ካብ ሓላፍነት ሕንጸት ንደቃቶም ዝበኾሩ ኮይኖም እዮም ዝረኣዩ፣ ብዛዕባ’ዚ እንታይ ትብሉ ንዝብል ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፓውሎ ኦንዳርዛ ንዘቐረበሎም ሕቶ እንክምልሱ፦ “ሓቂ እዩ ወለዲ ካብ ሓላፍነት ሕንጸት ንደቓቶም ክበኹሩ ዝረአይ ዘሕዝን ሓቂ እዩ፣ ወለዲ ነቲ ዓለም ዝሓንጾ ከይዲ ኣነባብራ ክብድሁ ካብ ገዝኦም ወጻኢ ማለት ኣብ ስራሕ ዓለም ዝዋፈርሉ ሰዓታት ክብ እናበለ ብምኻዱ ናብ ገዝኦም ኣዚዮም ደኺሞም እዮም ዝምለሱ፣ ስለዚ ንሕንጸት ዘይኮነስ ጸብጻብ ዕለታዊ ኣማእኪሎም ምስ ደቆም ክዝትዩም ብዛዕባ ኩነት ደቆም ክሓቱን ምስ ደቆም ክላዘቡ ጊዜ ይሓጽሮም። እቲ ኣብ መንጎ ወለድን ደቃቶምን ዘሎ ምቅርራብ እናተቛረጸ ጋግ እናስፍሔ ይኸይድ፣ ከምዚ ብምዃኑ ቤተ ክርስታይን ቤተሰብ ዘማእከለ ከይዲ ዓለም ዘለዎ ኣገዳስነት ከይተሓለለት ከተቓልሕ ብዘይ ምዃንያት ኣይኮነን” ኢሎም።
ነዚ ኣብ መንጎ ወለድን ደቃቶምን ዘሎን እናሰፍሔ ዝኸይድ ዘሎ ጋግ ንምትኽኻል ብትምህረተ ክርስቶስ ዝብገስ ብፍላይ ድማ ንዓለማውያን ምእመናን ናይ ትምህረተ ክርስቶስ መምሃርን ሕንጸት ተቛም ምምስራት ኣገዳሲ ምዃኑ ሲኖዶስ ኣስሚሩሉ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንእኹል ክፍሊ ሕብረተሰብ ዘተኮረ መደብ ከምዝኾነ እዩ ዝንገር ብዛዕባ እዚ ርእይቶ’ዚ እንታይ ትብሉ ዝብል ጋዘጠይና ኦንዳርዛ ነዘቕረበሎም ሕቶ፦ “ማምህር ትምህረተ ክርስቶስ በጋጣሚ ዝኽወን ምሕዞ ኣይኮነን፣ ስለዚህ ብዛዕባ ትምህረተ ክርስቶስ ዝግደስ ናይ ገዛእ ርእሱ ተቛም ወሳኒ እዩ። ስለዚ እቶም ዘለዉ ናይ ትምህረተ ክርስቶስ መምሃራን ተቛማት እምነተ ኣብ ምትሕልላፍ ቋንቋ ዓለማውያን ምእመናን ዘለዎ ተራ ንቤተ ክርስትያን ዘነጸሩ እያቶም፣ ምእንቲ’ዚ ብዙሕ ጊዜ ካብቲ ናይ ካህን ቋንቋ ንዓለም ዘእምን ቋንቋ ኮይኑ እዩ ዝርከብ፣ በዚ መገዲ እዚ እውን ንካህናት ኣብ ኣገልግሎቶም ዝድግፍን ዝሓንጽን እዩ” እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።








All the contents on this site are copyrighted ©.