2012-10-20 15:19:25

ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ፦ “ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ቅድስናን”


ወትሩ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ናይ ቅድስቲ መንበር ናይ ዜናን ክፍሊ ማሕተምን ሓላፊ ናይ ቫቲካን ረዲዮ ዋና ኣመሓዳሪ ኣባ ፈደሪኮ ሎምባርዲ ዘቕርብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ብምቕጻል፣ ሎሚ ዕለት 20 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. “ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ቅድስናን” ብዝብል ኣርእስቲ ኣደጊፎም RealAudioMP3 ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ፦ እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ “ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ ክርስትና” ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ጽዑቕን ዓቢ ሓላፍነት ዝተመልኦ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎን ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ናይ ዝተኻየዱ ናይቲ ሲኖዶስ ዋዕላ ጽማሬ እቲ ዕለት 21 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ቤተ ክርስትያን ብተኽታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ ካህናትን ገዳማውያንን ዓለማውያን ምእመናን ንዝርከብዎም ንሸውዓተ ደቂ ቤተ ክርስትያን ዝእወጅ ብፅዕና እዩ። እዚ ድማ ናይ ደርጓሒ እምነት ብርሃንን ኃሴትን ዘቃልሕ ዕለት ምዃኑ ሓቢሮም።
እቶም ቤት ክርስትያን ብፅዕና እትእውጀሎም ኣብ ኤውሮጳን እስያን ኣፍሪቃን ኣመሪካን ኦቻይናን ዝነብሩ ዝነበሩ፣ ኣብ ማዳጋስካር ልኡካነ ወንጌል ኮይኖም ዘገልገሉ ኣባል ማኅበር ኢየሱሳውያን ጃኮሞ በርዚዩው፣ ናይ ትምህረት ክርስቶስ መምህር ዓለማዊ ምእመን ፓውሎ ካሉንግሶድ፣ ናይ ቅድስቲ ስድራ ቤት ዘናዝረትን ትሑታን ኣገልግሎቲ ጎይታን ማኅበር መስራቲ ኣባ ጆቫኒ ባቲስታ ፒያማርታን፣ ደቂ ንጽሕት ድንግል ማርያምን ሳልሳይ ስርዓት ናይ ቅዱስ ፍራንቸክሶስ ዘ ሲራኩዘ ማህበር መስራቲት እናቴ ማሪያ ደል ሞንተ ካርመሎ፣ ናይ ቅዱስ ፍራንቸስኮስ ሳልሳይ ስርዓት ማኅበር ደናግል ኣባል እናቴ ማሪያ ኣና ኮፐን፣ ዓለማዊት ምእመን ካተሪና ተካክዊታን ኣና ሻውፈርን ምዃኖም ኣባ ሎምባርዲ ኣብ ዘቕረብዎ ርእሰ ዓንቀጽ ኣመልኪቶም።
ቅዱሳን ናይ እምነትን ተስፋን ክርስትና ተኣማንነትን ህያውነትን ፈጻምንነት ናይቲ ሞት ስዒሩ ዝተንስኤ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ መንፈስን ናይቲ ሕይወት ዝልወጥ ሓይሊ ወንጌላዊ ጸጋ መሰኻኽር እያቶም፣ ብዘይ ቅዱሳን ቤተ ክስትያን ህያው ኣይምኾነትን ብዓቢይ ውዕዉዕ ስሚዒት እውን ወንጌል ኣይመተሓላለፈትን ምስ በሉ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ካብ ናይ እዋንና ቅዱሳት ንበገስ ዝብል እዩ እንክብሉ ዘቕረብዎ ናይ ቅድስቲ መንበር ርእሰ ዓንቀጽ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.