2012-10-20 15:14:47

ሲኖዶስ፦ ማኅበረ ክርስትያን ቅልውላው ኣብ ዝርከበሉ ተስፋ ከብጽሑ


ኣብ ሃገረ ቫቲካን “ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምስፋሕ እምነት ክርስትና” ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣማእኪሉ ዝካየድ ዘሎ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ኣብ ናይ ትማሊ ብንኡሳን ጉጅለ ተመዳዲቡ ኣብ ዘካየዶ መበል 17 ዕጹው ኣኼባኡ ዕላማ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብቲ RealAudioMP3 ቅልውላው ኣብ ዘዕለቕለቖ ዓለም ተስፋ ምቕራብ ዝብል ምዃኑ ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብ ዝቐረበ ጸብጻብ ከምእተሓበረ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራድዮ ቫቲካን ኢዛቤላ ፒሮ ኣመልኪተን።
እቲ ብንኡሳን ጉጅለ ተመዳዲቡ ንናይቲ ሲኖዶስ ናይ ፍጻሜ ሰነድ ንምቕራብ ዓሚቱ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ኣብቲ ቅልውላው ዝተመልኦ ዓለም ተስፋ ምቕራብ ዕላማ ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ከምዝኾነ ብዝተፈላለየ መዳያቱ ከምእተቓልሔ እንክምልከት፣ ኮይኑ ግን እዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ኣብ ምታንይ ከተተኵር ኣለዋ ዝብል ሕቶ ከምዘንቀለን፣ ቅድም ቀዳድም ኣብ ናይ ሕሊና መርመራን፣ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝብል ሓሳብ ንኽለዓል ዝደረኸ ማሕበረ ክርስትያን ዝኸሰሮ ነገር ስለ ዘሎ ምዃኑን፣ ስለዚህ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምቕራብ ማህበረ ክርስትያን ብሓድሽ ብወንጌል ክስበኽ ኣለዎ፣ እዚ ማለት ድማ ኣገዳስነት ምስጢረ ንስሓ ምቅላሕን ምንባሩን ዘተሓሳስብ ምዃኑ ከምእተሓበረ ጋዜጠይና ፒሮ ገሊጸን።
ብምቕጻል ናይ ሓባር ዘተ ቅድሚ ምስ ዝተፈላለያ ሃይማኖት ዝግብር ርክብ እቲ ናይ ብስራተ ወንጌል ተኣማንነቱ ዘቃልሕ ኣብ መንጎ ኣቢያተ ክርስትያን ንሓድነት ዓሚቱ ዝካየድ ዘተ ማለት ምዃኑን፣ ስለዚህ ኣብቲ ሃይማኖት ምስልምና ናይ ብዙሃን ኣብ ዝኾነሉን ኣብ ካልኦት ስፍራፍ እውን ቃል ኣምላኽ ንምስፋሕ ዓሚዩቕ ግንዛቤን ፍልጠትን ቅዱስ መጽሓፍን ናይ ሕይወት ምስክርነት ኣገዳሲ ዝብል እዩ።
ኣብ ዓለም እቲ ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል ማእከል ዝኾነ ክድገፍን፣ ወለዲ ምስጢረ ተክሊል ኣገዳሲ ምዃኑ ብዘቓልሕ ኣገባብ ቀዳሞት ናይ ደቃቶም መምሃራን ትምህርተ ክርስቶስ ኢያቶም ስለዚህ ኣብዚ ቅልውላው ስድራ ኣባይቲ ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ ዓለም ድጋፍ ንስድራ ኣባይቲ ክነቓቓሕን ምስ’ዚ ተተሓሒዙ ድማ ደገፍ ንዓበይቲ ወለዲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ምዕባይ ክድገፉን ዝብል ኵይኑ ኩሉ ማሕበረ ክርስትያን በቢ ደረጃኡ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ተዋሳኢ ንምዃኑ ምሕናጽ ዘለዎ ኣገዳስነት ከምእተሰመረሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን ክርስትያን ናይ ፖለቲካ ኣካላት ኣብ ናይ ኣገልግሎት መዳይ ካብ ምውጋይ ርሒቖም ምስ እምነቶም ቅዱዋት ክኾኑን ብቅኑዕን እርኑብ ሕሊና ክምርሑን ኣብ ዘይዋገዩ ክቡራት ዋጋታት ጽኑዓት ብምዃን ብናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናይ ማሕበራዊ ጉዳይ ትምህርቲ መሠረት ኣብ ማሕበራዊ ፍትሕን ኣብ ናይ ዝስዋእ ፍቕሪ ኣገልግሎትን ከተግሁ፣ ንስኡናት ክፍሊ ሕብረተሰብ ቀዳምነት ምሃብ ከምዝግብኦምን እዚ ንገዛእ ርእሱ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝድግፍን ምስ እግዚኣብሔር ዘራኽብ ፍርያማ ቦታ ዘረጋግጽ ምዃኑ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ከምዘተሓሳሰቡ ገሊጸን።
ናይ ክርስትና ሕይወትን መልክዕን ዘመዛብል ዘበለ ዅሉ መታን ክእረም ኣቀራርባ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስን ኣነባብራ ቅዱሳት ምስጢራትን ብፍላይ ድማ ናይ ንስሓ ምስጢር ክኽለስን ናይ መራኸቢ ቡዙሃን ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ክነጥፉን በዚ መገዲ’ዚ ድማ ትክኽለይና ንዅሉ ግልጺ ብዝኾነ መልክዕ ክርስትና ምቕራብ ኣገዳሲ ምዃኑ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት ነዚ ዅሉ መሠረት ከምዝኾነ ድማ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዘመልከቱ ጋዘጠይና ፒሮ ሓቢረን፣ ገለ ገለ ንኡሳን ጉጅለ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ብዛዕባ ዓለማዊ ምትእስሳርን ከምኡ እውን ሓዲግ ዝኾነ ሕይወት ክርስትና ክሰፍሕ ዕድል ዝፈጥር ንዘሎ ግብረ ገብን ሃይማኖትን ዝንጽል ባህሊ ዓቢይ ትኵረት ተገይሩ ተራ ህያባት መፍነስ ቅዱስ ክነጽርን እቶም ጸጋታት መንፈስ ቅዱስ ዘለዎም ኣበርክቶ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንመንሰያትን ንመምሃራንን ነቶም ኣብ ሕንጸት መዳይ ንዝዋፈሩ ክፍሊ ሕብረተሰብን ከም ናይ ኣስፍሆተ ወንጌል መጋበርያነት ክስትንተን ከምዘለዎ ብፁዓን ጳጳሳት ከምዘተሓሳሰቡ አመልኪተን።
ቁምስናታትን ንኡሳን ማሕበረሰብ ክርስትያንን ብምንጽጻል ዘይኰነ መርበባዊ ርክባት ክህልዎምን ኩሉ እቲ ቀዳማይ ናይ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ክፍሊ ዝኾነ ዝራኸብ ክኸውን ኣብቶም ናይ እምነትን ወንጌልን እሙንነትን ተኣማንነትን መሰኻኽር ዝኾኑ ቅዱሳትን ናይ እምነት ሰማዕታትን ክትኮርን ንስደተይናታትን ተመዛበልትን ግዳሰ ክግበርን፣ እዚ ድማ ንሕጉስ ምርኻብ ምስ ክርስቶስ መሠረት ምዃኑ ዝገለጹ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ፣ ዓለማውያን ምእምናንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን በቲ ኣብ ዓለም ጸብለል ዝብል ዓለማዊ ኣመለኻኽታን ባህልን ከይተጸልዉ ሓቅነት እምነት ከይፈርሑ ከስፍሑ ዝተጸውዑ ምዃኖም ምስ ተመልከተ ናይ ሲኖዶስ ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ኣቡነ ኤተሮቪች ኣብ ናይ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ዝርከብ ናይ ሃይማኖታዊ ተግባር ተቛም ብፁዓን ጳጳሳት ንናይ ሶሪያ ሕዝቢ ድጋፍ ዝውዕል ሓገዞም ዘወፍይሉ ናይ ገንዘብ ኣታውን ወጻእን ሕሳብ ዘነድ ከምእተኸፍተ ሓቢሮም፣ እቲ ዝእከብ ናይ ገንዘብ ሓገዝ በቲ ብቕዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ቅርበትን ደገፍን ንምምስካር ናብ ሶሪያ ሓዋርያዊ ምብጻሕ ዝፍጽም ዝተመዘ ጉጅለ ብፁዓብ ጳጳሳት ሲኖድስ ንሕዝቢ ሶሪያ ዝቐርብ ምዃኑ ብፁዕነቶም ከምዘመልከቱ ጋዘጠይና ፒሮ ኣመልኪተን።







All the contents on this site are copyrighted ©.