2012-10-20 15:17:18

ሲኖዶስ፣ ብፁዕ ካርዲናል ድዚዊች፦ “ኣስፍሆተ ወንጌል፣ ንብስራተ ወንጌል እንጥቀመሉ ቋንቋን እነመሓላልፈሉ ኣገባብ ዳግም ምምርማር”


ኣብ ዝሓለፉ ናይ መወዳእታ ዓሰርተታት ዓመታት ናይ መበል 20 ዘመን ዝተራእየ ምልዋጥንን ምዕባለታትን ብዕምቆት መምዮም ኣብ ሳልሳይ ሽሓዊ ዓመት ናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኾ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ምዃኑ ዝሓበሩን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝብል መደብ ዘንቀሉ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ RealAudioMP3 ምዃኖን ናይ ክራኮቪያ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ ካርዲናል ስታኒዝላው ድዝዊች ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ ኣመልኪቶም።
ሓድሽ ኣፍሆተ ወንጌል ዝብል ሓሳብ መሠረት ገይሮም ትርጉሙ ኣነጺሮም ኣብዚ መዳይ ዝዝትይ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝኸኣለ ሲኖዶስ ንኽካየድ ዝወሰኑን ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሓልዮ ጳጳሳው ቤት ምኽሪ ንዘቖሙ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነመስግን፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ኣብ 1979 ዓ.ም. ኣብ ክራኮቪያ ማሕበረ ክርስትያን ካብ ኢየሱስ ክርስቶስን ቤተ ክርስትያኑን ኣዚዩ ብምርሓቑ ነዚ ምራሓቕ ዝተለማመደ ምንባሩ ብዕምቆት ርእዮም ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ዝብል ርእሰ ጉዳይ ኣስተምህሮ ከምዘቕረቡን ስለዚህ ውህበትን ወበትን እምነት ምንቕቓሕን ናይ እምነትን ናብ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምቕራብን ኣገዳስንሰቱ ገሊጾም ከምዝነበሩን፣ ብሓቂ ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ዝዝትይ ሲኖዶስ ምርግጋጹ ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝተገልጸ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ስለዚህ ንኣስፍሆተ ወንጌል ዝደንጎዮ እዋንን ሰብን የሎን፣ ኩሉ ጊዜ ኣብ ኩሉ ስፋራ ወንጌል ምብሳር እዩ። ንማሕበር ክርስትያን ጥራሕ ዘይኮነ ንብዘሎ ኵሉ ፍጥረት ሰብ ወንጌል ምቕራብ ሓላፍነትን ተልእኾን ቤተ ክርስትያንን እዩ፣ እቲ ዝካየድ ዘሎ ሲኖዶስ እውን ነዚ የቃልሖ ኣሎ ኢሎም።
ናይ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ሕመረት እቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ንዝተፈላለዩ ቅልውላዋት ተቓሊዑ ዝርከብ ስድራ ቤት እዩ። ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ነዚ ሲኖዶስ እንክኸፍቱ “ናይ እምነት ቅልውላው ናይ ስድራ ቤት ቅልውላው እዩ” ዝበልዎ ሓሳብ ብሓቂ ሓድሽ ኣስተንፍሶ እዩ።
ብርግጽ እዚ ድማ ኣብ ኤውሮጳ ኣዚዩ ዝርአይ ቅልውላው እዩ፣ ካብ ኤውሮጳ ወጻኢ ስድራ ቤት ጽኑዕ እዩ ክበሃል ዝክኣውል እውን እንተኾነ ብዝያዳ ኣብ ኤውሮጳ ዝርአይ ፍትሕ እውን እንተሃለወ ብምስጢረ ተኽሊል ካብ ዝጸንዔ ሓድነት ዝቐውም ስድራ ቤት ውሑድ እውን እንተዀነ ተኣማኒ ኮይኑ እዩ ዝርከብ፣ ኮይኑ ግን ነቲ ዝርኤይ ቅልውላው ስድራ ቤት ንምብዳህን ካብዚ ዓይነት ስድራ ቤት ንዝውለደ ሓድሽ ወለዶ ዘቕንዔ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገዳሲ ምዃኑ እዩ ዝሕብር፣ ስለዚህ ሕብረተሰብን ባህልን ከም ብሓድሽ ብወንጌል ክስበኽ ኣለዎ ዝብል ሕጹጽነት ቤተ ክርስትያን ብመራሒኣ ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ ዘቕረበቶ ጻውዒት ጸጋን ሓላፍነትን እዩ ኢሎም።
መንእሰይ ዝተፈላለየ ሕቶ ዘቕርብ ምሉእ መልሲ ዝጽበይ እዩ። ብዓለም ዝቐርበሉ መልሲ ስለ ዘየዕግቦ መመሊሱ ሓታቲ ኮይኖም እዩ ዝርከብ፣ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ ጳውሎስ ዳግማዊ ነዚ ብዓቢዩ ዝተገንዘቡን እቲ መሉእ መልሲ ዘቕረቡን ናይ ብዙሓት መንሰያት ሕይወት ንኽልወጥ መጋበሪያ እግዚኣብሔር ኮይኖም ተረኺቦም እዮም፣ ሎሚ ድማ ቤተ ክርስትያን ንመንእሰያት ብተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ኣቢላ እተቕርቦ ምሉእ መልሲ ቤተ ክርስትያን ብሓድሽ መንፈስን ብዘእምንን ብዝማራኽን ኣቀራርባ ተወቂባ ነቲ ንጽቡቕ ዘበለ ኩሉ ልቡ ዝኸፍት መንሰይ ክትቐርብ ድልውቲ ምዃና እቲ ዝከይድ ዘሎ ሲኖዶስ ይምስክሮ ምስ በሉ፣ ስለዚህ ቤተ ክርስትያን እምነትን ወንጌልን ንምስፋሕ እትጥቀመሉ መጋበርያን ኣገባብን ክትሕድስ ዘተባብዕ እዋን እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.