2012-10-18 13:48:34

ሰሙናዊ ናይ ዕለተ ረቡዕ ትምህርተ ክርስቶስ ኣስተምህሮ ቅዱስ ኣቦና (17/10/2012 ዓ.ም.)
“ናይ እምነት ዓመት ኣብ መንጐ እምነትን ሕይወትን ንዝፍጠር ምግምማዕ ንምስናፍ ሓድሽ ናይ እምነት ምውዕዋዕ እዩ”


ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ዕለት 17 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ልዕሊ 40 ሽሕ ዝግመቱ ካብ ውሽጥን ወጻእን ዝመጹ ምእመናንን ኣባላት ውሉደ ክህነትን ገዳማውያንን ኣባላት ስድራ ኣባይትን ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብቲ ዝኣወጅዎን ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ብወግዒ ዘጀምርዎ ናይ እምነት RealAudioMP3 ዓመት ምኽንያት ኣብ እምነት ዘማእከለ ብቀጻሊ በቢ ዕለተ ረቡዕ ከቕርብዎ ዝኾነ ሰሙናዊ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ብወግዒ ብምጅማር “ናይ እምነት ዓመት ኣብ መንጐ እምነትን ሕይወትን ንዝፍጠር ምግምማዕ ንኽስገር ዝድግፍ ሓድሽ ምውዕዋዕ ኣብ እምነት እዩ” እንክብሉ ከምዝገለጹ ነቲ ዝተኻየደ መደብ ኣቕርቦ ኣስተምህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ኣለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።
ቅዱስ ኣቦና እዚ ናይ እምነት ዓመት’ዚ ነቲ ኣብ መንጐ እምነትን ሕይወትን ዝፍጠር ምግምማዕ ንምስጋር ዘተባብዕ ግዳሴን ብርታኤን ኮይኑ ኣብቲ እምነት ምንባርን ምኽባርን ክቡራት ዋጋታት ዝዝሕትል ዘሎ ማሕበራዊ ኵነት ክእወጅ ዝድርኽ ምዃኑ ብሰፊሑ ከምዝገለጹን፣ ሓደ እዋን ክርስትያን ምዃን ዓቢይ ሓጐስን ኢየሱስ ክርስቶስ ወልደ እግዚኣብሔር ኣብዛ መሬት ምእንቲ ፍቕሪ ፍጥረት ሰብ ንድሕነት ሰብኣውን ሕይወቱ ኣሕሊፉ ከምዝሃበ ንምእዋጅ ዘነቓቕሕ ብርቱዕ ሃልሃልታ ኮይኑ ይንብር ከምዝነበረን ድሕሪ ክልተ ሽሕ ዓመት ዝተፈጥረ ዝንጋዔ ኣብ ምንባር እምነትን ሕመረት ቀዳማይ ብስራት ወንጌል ዝተመልኤ ጭቡጥ ኩነት ኣነባብራ ኣብ ብዙሓት ክርስትያን ከምዝረኣይን ነዚ ዝንጋዔ ንምስናፍ ቅድስቲ ቤተ ክርስታይን “ተኣምኖ ኣብ ኢየሱስ ክርስቶስ ውዕዉዕ ስሚዒት ንምሕዳስ ዝኣወጀቶ ናይ እምነት ዓመት ድሮ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ከምእተከፍተን ኣብዚ ኣብ ኣምነት ዓመት ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ በቢ ዕለተ ረቡዕ ዘቕርብዎ ኣስተምህሮ ትምህረተ ክርስቶስ ኣብ እምነት ዘማእከል ከምዝኸውን ከምዘመልከቱ ደ ካሮሊስ ገሊጾም።
“እምነት ምስ ሓደ እማ’ረ ወይ ምስ ሓደ ውጥን ምርኻብ ማለት ዘይኰነስ ምስቲ እቲ ሓቀይና ደቂ እግዚኣብሔር መንነት ምዃና ብምግላጽ ውሻጠና ኵሉ ዝልውጥ ሰብ ንሱ ድማ ኢየሱስ ክርስቶስ ምርኻብ ማለት እዩ፣ ምስኡ ምርኻብና በቢ ዕለቱ ሰብእዊ ርክባትን ንግዱስ ምትሕብባርን ሕውነትን ዘምርሕ ክኸውን ብናይ ኣገባብ ናይ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ፍቕሪ ዝሕድስን፣ መላእ ሕይወት ማለት ሰብኣዊ ልብን ቀልብን ስምዒትን ፍቓድን ኣካልን ተመስጦን ርክባትን ዘጠቓልል ምልዋጥ ዝዕድል እዩ” ኢሎም።
እምነት መላእ ስብእና ዝምልከት ምዃኑን፣ እዚ ግን ብኣመንቲ ርዱእ ኩነት ድዩ? ወይ ድማ እምነት ምስ ዕለታዊ ሕይወት ዘይተሓሓዘ ግዳማዊ ረቛሒ ድዩ? ዝብል ሕቶ ቅዱስነቶም ኣልዒሎም፣ “ኣብዚ እዋን’ዚ ዝርኤይ ናይ ባህሊ ምልውዋጣታት ዝፈጥሮ ከም ዝተዓትሩ ናይ ስልጣኔ ዓወታት ተባሂሎም ዝግለጹ ፈላላይ መናድቕ፣ ዕብለላን ዋንነትን ምዝመዛን ምእንቲ ናይ ገዛእ ርእሲ ንኣይነት ንምርዋይ ብዝብል ዕላማ ካልእ ኩሉ ናይዚ መዓላ ክኸውን ምድራኽን ኣብ ገዛእ ርእስኻ ዝዓጽው ድርቅናንን ግትርነትን ኣነነትን ሰብ ብዅለ መደያዊ ዘናሽውን ሰብኣዊ መልክዑ ዘብርስ ኵነት ኣብ ዝሰፍሓሉ ዘሎ እዋን ብግልጽነትን ብዘይምታእ ሕይወት እምነት ክርስትና ብዝስዋዕ ፍቕርን ብብርቱዕ ተስፋ ዝግለጽን ዝድርት ዘይኮነስ ሕይወት ዘሰብእ (ሰብኣዊ ዝገብር) ብሓቂ ምሉእ ብምሉእ ስብኣዊ ዝገብር ምዃኑ ክቃላሕ ኣለዎ”።
ናይ ገለ ገለ ሰባት ሕይወት ተዛማዲ ባህሊ ብውሽጡ ዝሓዘ እናኾነ ክነብር ዝድርኽ ኣብ ዓለም ዝርአይ ዓለማዊነት (ስነ ምግባርን ትምህርትን ምስቲ ሰብ ብኑባሬ ዘሎ ናብ ኢተኣላው ናይ ምቕናዕ ባህርይ ክምርኵስ የብሉን ዝብል) ሃይማኖት ዝንጽል ባህላዊ ከይድን ኢምንትነት ማለት ሃይማኖታዊ ሞራላዊ እምነታት ኮነ መንግስታዊ ስርዓታት ፈጺሞም ኪውገዱ ዝብል ባህሊ እንከነጽሩ። “በዞም ባህልታት ሳዕቤን ሕይወት ጥምዕምዕን ብዘይ ግልጺ እማ’ረን ብዘይ ዕላማን ብዘይ ጽኑዕ ተስፋን ዝንበር እናኾነ ማሕበራውን ስድራቤታውን ርክባትን ዘምክን ኣብ ግዚያኣዊነት ዝቐውም ብፍላይ ድማ ሓድሽ ወለዶ ነቲ ዘይ ርጉጽ ኩነት ዝስግር ሓቂ ኣብ ምንዳይን ናይ ህላዌ ሓቀይና ትርጉም ኣብ ምድላይን ኣብ ጽኑዕ ስድራ ቤታዊ ፍቕርን ምትእምማንን ዘይሕነጽሉ በንጻሩ ናብቲ ሰብኣዊ ርክባት ዝበታትኽ ጽኑዕ ናይ ህላዌ መወከሲ ወይ ድማ ኣብነት ዘየቕርብ ተዛማዲ ባህልን ተነቃፍነት ብዘቕርብ እናተመርሔ ሕይወት በቶም ጊዜኣዊ ተመክሮታትን ብዘይ ሓላፍነት ክንበር ይድርኽ” ስለዚህ ቅዱስነቶም ሕይወት ኣማንያን ዘየእምን ከምዝመስልን እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ኣብ ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ተማእኪሉ ዝካየድ ዘሎ መበል 13 ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ዘቕረቦ፣ እምነት ብውልቅን ብዘይ ሲታፌ ዝንበር ኮይኑ ኣሎ ዝብል ጸብጻብ ዘተኮረ ሓሳቦም፣ ኣብ መንጐ ሕይወትን እምነትን ዓቢ ጋግ ተፈጢሩ ከምዘሎ፦ “ኣብዚ እዋን’ዚ ካቶሊካዊ ምእመን ናይቲ ካቶሊካዊ እምነቱ ሕመረት ዝፈልጥ ኣይመስልን፣ እዚ ድማ ብዘይ ኣምነት ኣብቲ ክእመን ዝግብኦ ሓቂ ግልጽነትን ብዘይ እቲ ፍሉይ ናይ ክርስትና ናይ ምድሓን ተግባርን ወጻኢ ንተዛማድን ኩል ሃይማኖታውን ፍልስፍናውን ቲዮሎጊያዊን ረቛሕታት ብዝተሓናፍጽ ባህሊ ተጸልዩ ኣሎ። እዚ ድማ ናብ ምሕናጽ ሰብ ሰርሖ ሃይማኖታት ይመርሕ ከምዘሎን፣ ስለዚህ ናብ እግዚኣብሔር ናብቲ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚኣብሔር ምምላስ የድሊ፣ ናይ ወንጌል መልእኽቱ ዳግም ክንረኽቦ ይግብኣና፣ ወንጌል ብዕምቆት ኣብ ሕሊናናን ዕለታዊ ሕይወትናን ክኣትው ክንፈቅድ ይግብኣና” ኢሎም።
ዳግማይ ርኽበት ኢየሱስን ወንጌልን ንምርጋጽ ዘብቕዕ ሓድሽ መገዲ ኣሎ፣ እዚ ድማ ኣብቲ ተኣምኖተ እምነት ሓደ ብሓደ ዝተመሓላለፍ ናይ እምነት ሓቂ ዝሰፈሮ ናይ እምነት ኣገዳሲ መምርሒ ተገሊጹ ኣሎ፦ “ስለዚህ ሎሚ ተኣምኖተ እምነት ብዑምቀትን ብዝበለጸ ክፍለጥን ክጽለን ይግብኦ። ምሉእ ምብሉእ ዳግም ክፍለጥ ኣለዎ፣ ምፍላጥ ማለት መጽናዕታዊ ፍልጠት ጥራሕ ዘይኮነስ ዳግም እቲ ኣብ መንጐ ኣሜን እኣምን እናበልና እንናዘዝ ሓቂ ተኣምኖተ እምነትናን ዕለታዊ ህልውናናን ዘሎ ዓሚዩቕ ጥምረት ምፍላጥ ማለት እዩ።” እንክብሉ ኩሉ ጽባቔን ዑምቀትን ሓቂ ተኣምኖተ እምነት ዳግም ክረኽቦን ክደግሞ ጥራሕ ዘይኮነስ ክጽልዮ ድማ ኣተሓሳሲቦም፣ ብዝተፈላለዩ በቶም ዓበይቲ ዓለም ለኻዊ ቋንቋታት ዝበሃሉ ድግማ ናይቲ ዘቕረብዎ ኣስተህሮ ትምህርተ ክርስቶስ ቅዉም ሓሳቡ ኣስሚዖም ብዕለቱ ተዘኪሩ ዝውዓለ ዓለም ሓቆፍ መዓልቲ ጸረ ድኽነት ምዃኑ ጠቒሶም፣ ድኽነት ጠሩሹ ክውገድ ናይ ኵሉ ዕለታዊ ጻዕርን ሓላፍነት ምዃኑ ኣረዲኦም ርሑስ ዓድሽ ናይ እምነት ዓመት ተመንዮም ሓዋርያዊ ቡራኬ ሂቦም ከምእተፋነዉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ሓቢሮም።







All the contents on this site are copyrighted ©.