2012-10-18 13:51:28

ልኡኻት ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ናብ ሶሪያ


ኣብ ዝቕጽል ቀረባ እዋን ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንመላእ ሕዝቢ ሶሪያ ቅርበት ቤተ ክርስትያንን ሕውትነታዊ ምትሕብባርን ንምምስካር ልኡኻት ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ናብ ሶሪያ ክልእኹ ምዃኖም ትማሊ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ብፁዕ ካርዲናል ታርቺዚዮ በርቶነ ትማሊ ብወግዒ ከምዝገለጹ RealAudioMP3 ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር መግለጺ ኣስዒቡ፣ ኣብ ሶሪያ ተኸሲቱ ዘሎ ኵለ መዳያዊ ቅልውላውን ዘስዕቦ ዘሎ ከቢድ ስቓይ እናረኣኻ ከምዘይረኣኻ ምዃን ካብ ሰብኣውነት ወጻኢ ምዃን ማለት እዩ ቢሎም፣ እቲ ኣብታ ሃገር ተኸሲቱ ዘሎ ውጥረት ኣብ ምኽባር ናይ ሰብኣዊ መሰልን ክብርን ብዝቐውም ምክብባር መሠረት ክውገድ መታን ዝጽዕሩ ንዘለዉ ኩሎም ኣመስጊኖም ናይ ቅዱስ ኣቦና ውሳኔ ቤተ ክርስትያን ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ብቐዳምነት ከምእትዋሳእ ዝምስክር እዩ ከምዝበሉ ሓቢሩ።
ቅዱስ ኣቦና ናብ ሶሪያ ዝልእኽዋ ጉጅለ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣባል ናይ ኪንሻሳ ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ካርዲናል ላውረንት ሞሰንግዎ ፓሲንያ ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበዎ ቃለ ምልልስ፦ ተልእኾና ይብሉ “ንዝሳቐይ ሕዝቢ ናይ ቅዱስ ኣቦና ቅርበትን ምጽንናዕን ንምምስካርን እዩ” ኢሎም፣ ኣብቲ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሲኖዶስ ዝሳተፉ ካብ ሶሪያ ዝመጹ ብፁዓን ጳጳሳትን ፓትሪያርካትን ከምዘለዉ ሓቢሮም፦ “ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ህልው ኩነት ሶሪያ ዘግደሶምን ምእንቲ ሰላምን ዕርቅን ከምዝጽልዩን ዝገለጽዎ ቃል ንሕዝቢ ሶሪያ ብስም ተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስ ንምብጻሕ ዓሚቱ ዝፍጸም ልኡኽነት እዩ እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።
ከምኡ እውን ናይታ ናብ ሶሪያ ኣትለኣኽ ጉጅለ ብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ኣባል ናይ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ናይ ሓባር ዘተ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ሊቀ መንበር ብፁዕ ካርዲናል ዣን ልዊስ ታውራን ብወገኖም ምስ ራዲዮ ቫቲካን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ ምልልስ፦ ንመላእ ሕዝቢ ሶሪያን ስድራ ኣባይትን ናይ ቤተ ክርስትያን ሰብኣዊ ድጋፍን ቅርበትን ንምርግጋጽ ዝፍጸም ተልእኾ እዩ፣ ዝሓለፈ መዓልቲ ካብ ሶሪያ ዝመጹ ተሳተፍቲ ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሲኖዶስ ከምዝሓበርዎ ኣብ ሶሪያ ዘሎ ጽንኵር ኩነት ብሓቂ ዘደንጽው ምዃኑን ሞትን ስቓይን ስደትን የስፍሕ ከምዘሎ ዝገልጽ ዝሃብዎ ምስክርነት ብሓቂ ዘሰንብድን እዩ፣ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ንንፈሲ ወከፍ ሰብ ቀረባን እዮም ነዚ ዘረጋግጽ ጭቡጥ ተልእኾ እዩ። እንክብሉ ዝሃብዎ ቃለ ምልልስ ኣጠቓሊሎም።







All the contents on this site are copyrighted ©.