2012-10-13 14:54:05

ቅ.ኣ.ር.ሊ.ጳ. ንብፁዓን ኣበው ሲኖዶስ ሕዳሴ ምስ ባህሊ ምብታኽ ማለት ዘይኮነስ ዘለዓለማዊ እዋናውነት እምነት ማለት እዩ


ካብቶም ኣብቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ዝተኻየደ ቅዱስ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተሳተፉ ብሕይወት ንዘለው 69 ብፁዓን ኣበው ብሓባር ምስ ናይ መላእ ዓለም ብፁዓን ጳጳሳት ኣባይቲ ምኽሪ ሊቀ መናብርቲ ብፁዓን ጳጳሳትን ምስ ናይ ቁስጥንጥንያ ናይ ውህደት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስትያን ፓትሪያርክ ብፁዕ ወቅዱስ RealAudioMP3 በርጠለምዮስ ቀዳማይን ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሕ ሊቀ ጳጳሳት ሮዋን ዊሊያምስ ትማሊ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 ብምኽንያት ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ተቐቢሎም ስልጣናዊ ምዕዳን ከም ዝለገሱ ነቲ ዝተኻየደ ርክብ ዝተኸታተሉ ልኡኽ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን አለሳንድሮ ደ ካሮሊስ ሓቢሮን።
ቅዱስነቶም ኣብ ዝለገስዎ ስልጣናዊ ምዕዳን፦ እቲ ዘለዓለማዊ ዝኾነ ቃል ወንጌል ምስ ናይ ሰማዒ ኣገባባት ሊቅነት ክላዘብ ዘይኮነስ በንጻሩ እቲ ሰብ ዝነብሮ ክውንነት ወትሩ ናብቲ ብቃል ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተገልጸ ዘለዓለማዊ እግዚኣብሔር ክምራሕ እዩ ዝግብኦ” እንክብሉ ነቶም ንሶም ከም ካህንን ናይ ቲዮሎጊያ ሊቅን ኣማኻርን ኮይኖም ብተሳታፍነት ጸጋ ካልኣይ ጉባኤ ቫትካን ዝተዓደሉ ሎሚ ብዕድመ ዝደፍኡ እቲ ብሓባር ዝነበርዎ ሃዋሁ ቅዱስ ጉባኤ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዘኪሮም፣ ኣብዚ ኣዋን’ዚ ካብ ወትሩ ፍልዩ ብዝበለ መልክዑ ዝኽሪ መበል 50 ዓመት ምኽንያት ዝበዓል ዘሎ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣማእኪሎም ኣስተንትኖን ምዕዳንን ኣስተምህሮን ይልግሱ ምህላዎም ዝዝከር ኮይኑ፣ ቅዱስነቶም ነቶም ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣበው ዝለገስዎ ቃል እታ ብተደጋጋሚ ኣብ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝግለጽ ዝነበረ ኣካታዒ ዝኾነ ሕዳሴ ዝብል ቃል ምንባሩ ጠቒሶም፣ ብዙሓት ዝተሓጎሱሉን ብዙሓት ድማ ቂር ዘበሎም ቃል እዩ ኔሩ፦ እታ ር.ሊ.ጳ. ብፁዕ ዮሓንስ መበል 23 ዝተጠቀሙላ ‘ሕዳሴ’ እትብል ቃል ትክክለይናን ብቝዕን ኣስተዋጽኦን ሎሚ እውን ርትዓዊ ምዃኑ ዝኣምነሉ እዩ። ክርስትና ናይ ዝሓለፈ ኣጋጣሚ ወይ ድማ ጠመትኡ ንዘለኣለም ንድሕሪት ብዝብል ዓይነት ኣነባብራ ዝንበር ኣይኮነን፣ ስለምታይሲ ኢየሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎሚን ዘለዓለምን እዩ” ኢሎም።
እቲ ዘለዓለማዊ እግዚኣብሔር ኣብ ግዜ ኣትዩን ኣብ ኵሉ ግዜ ህልው ስለዝኾነ ድማ ንክርስትስና ወትሩ ሓዲስ ከምዝገብሮ እንከመልክቱ፦ “ከመቲ ሓደ ኦም ምሉእ ብምሉእ ከምቲ ወንጌላዊ ፍረ ኣድሪ ዓብዩን ጠጢዑን ፍረኡ ሂቡ ምስ ኣብቀዔ ይኣርግን ኣብ ዕራርቦ ሒለት ሕይወት ይበጽሕ፣ ክርስትና ከም ሓደ ኦም እዩ፣ ኮይኑ ግን ዘለዓለማውን ወጋሕታን ወትሩ ዘይኣርግን ውዕዉን ዓምባብን እዩ” ኢሎም።
ቅዱስ ኣቦና በዚ መልክእዕ’ዚ ‘ሕዳሴ’ ማለት “ምስ ባህሊ ምብታኽ ማለት ዘይኮነስ ቀጻሊ ሕያውነትን ዘለዓለማዊ እዋናውነት እምነት ማለት እዩ። ሕዳሴ ክብሃል እንከሎ እምነት ብመዕቅን ከምቃሕታን ማሕበራዊ ቃሕታን መሰረት ዝምዘን ምስ ናይ ጊዜ ኣገባብ ንምትኽኻል ብዝብል ውሳኔ ንምንእኣስ ዘይኮነስ በንጻሩ ልክዕ ከምቲ ናይ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ኣበው ዝገበርዎ እቲ ሎምኣዊ ምንባር ናብ መዕቅን ፍጻሜ ክርስትና ከነብጽሖ እዩ ዝግብኣና። ናይ ግዜና ሎሚ ናብ ናይ እግዚኣብሔር ሎሚ ከነብጽሖ እዩ ዝግባእ” ኢሎም።
እቶም ኣብ ዝኾነ ዘመን እግዚኣብሔር ናብ ናይ ሎሚ ታሪኽን ታሪኽ ናብ ናይ እዚኣብሔር ዘለዓለምውነት ንምእታው ዝኸኣሉ ቅዱሳት ምዃኖምን ኩሉ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እትርከብ ክቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ናብቲ ወንጌላዊ ምንጪ ሕይወት ንክምለስ ነዚ እንነብሮ ዘሎና ፍሉይ እዋን ክትረብሓሉ ከምዝግብኣ እንከመልክቱ፦ “እቲ ጀሚርናዮ ዘሎና ናይ እምነት ዓመት ፍልዩ ብዝበለ መልክዕ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ክንዝክሮን ክነስተንትኖን ካልእ ዘይኮነ ነቲ ኣንኮ መድሃኔ ዓለም ንወዲ ሰብ ዝእወጅ እምነት ኣብ ክርስቶስ ዝብል ቅዉም መልእኽቱ ከነተኵር ይግብኣና። ሎሚ እቲ ዘድልን ዘገድስን ናይ እግዚኣብሔር ፍቅሪ ጩራ ናብ ልብን ሕይወትን ዘርኢ ሰብ ምብጻሕን ናይ ዝኾነ ይኹን ዘመን ሰብን ሕይወትን ናብ እግዚኣብሔር ምብጻሕ እዩ” እንክብሉ ዘቕረብዎ ስልጣናዊ ምዕዳን ከምዘጠቓለሉ ልኡኽ ካዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ደ ካሮሊስ ካብ ዘመሓለፍዎ ጸብጻብ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።







All the contents on this site are copyrighted ©.