2012-10-12 17:02:31

ር.ሊ.ጳ “አብ ምድረበዳታት ናይ ዘመንና ዓለም ንክርስቶስ እንደገና ንስበኽ”


እቲ ብዙሕ ምስንዳው ዝተገብረሉ ዓመት እምነት ሎሚ አብ መንበረ ጴጥሮስ ብዕሊ ተጀሚሩ፣ ካብ መላእ ዓለም ንሲኖዶስ ዝተአከቡ ል ዕሊ 400 ካርዲናላትን ጳጳሳትን ወከልቲ አኃት አብያተ ክርስትያናትን ብዙሕ ውሉደ ክህነትን ምእመናንን አብ ዝተረኽቡሉ ሎሚ ንግሆ ቅ.አ.ር.ሊ.ጳ በነዲክቶስ መበል 16 አብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ብዓቢይ መንፈሳውነትን እምነትን መሥዋዕተ ቅዳሴ አዕሪጎም፣ ከምቲ ደጋጊሙ ዝተገልጸ ዓመት እምነት አብ ዝኽሪ 50 ዓመት ናይ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን ይግበር ስለዘሎ ነቲ ዝኽሪ ሕያው ንምግባርን ተል እኾ ቤተ ክርስትያን ንስብከተ ወንጌል ንምዃኑ ንምብራህን አብ ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን ዝተጠቅሙሉ ወንጌልን አትራኖስን ከም ምልክትን መበገሲ ናይ ሓዲስ ስብከተ ወንጌልን አብቲ ሽዑ ተነቢርሉ ዝነበረ ቦታ ተቀሚጡ፣ ናይ ዕለቱ ቃል ወንጌል እውን ካብ ኡ ተነቢቡ፣ አብ መሥዋዕተ ቅዳሴ ምስ ቅዱስነቶም አብ ዝተሳተፉን ቃለ ምስጋናን ሰላምታን ሱታፌን ዝገለጹ ናይ ኮንስታንቲኖፕል ፓትርያርክ ብፁዕን ቅዱስን አቡነ በርተለሜዎስ ቀዳማይ ከማኡ እውን ናይ ውህደት አንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ናይ ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳሳት ብፁዕ አቡነ ሮዋን ዊልያምንስ ተሳቲፎም፣
ቅዱስነቶም “ንድኻታት ከበስሮም ስለ ዝቐብኣኒ፡ መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕለይ እዩ። ንምሩኻት ከምልስ፡ ንዕውራት ምርኣይ፡ ንግፉዓት ከኣ ምውጻእ ሓራ ኽሰብኽ፡ ሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄርውን ክሰብኽ ለኣኸኒ” ዝብል ቃል ወንጌል ጠቂሶም “አብ ምድረበዳታት ናይ ዘመንና ዓለም ንክርስቶስ እንደገና ንስበኽ” እንክብሉ ስብከተ ወንጌል ናይ ግድን ከምዘድሊ ገሊጾም፣
“ሎሚ ቤተ ክርስትያን ሓዲስ ዓመት እምነትን ሓዲስ ስብከተ ወንጌልን ይገበር እንክትብል ንማለቱ ንዝኽሪ ዘይኮነስ እቲ ቅድሚ ሓምሳ ዓመት ቤተ ክርስትያን ክትፍውሶ ትቃለስ ዝነበረት ካብ ናይ ሽዑ ብዝገደደ ሎሚ ስለዝገነነ ናይ ግድን እምነትን ስብከትን የድሊ፣ አብዘን ዝሓለፋ ዓሠርታት ዐመታት መንፈሳዊ ድርቀት ከም ምድረበዳ የስፋሕፍሕ አሎ፣ ሕይወት ትርጉሙ እንታይ ኢዩ፧ እግዚአብሔር ዘይብሉ ዓለምከ እንታይ ትርጉም አለዎ፣ ዝብል ግድል አብ ጊዜ ካልአይ ጉባኤ ቫቲካን እውን ከምዝነበረ ነቲ ሰነዳት ከፊትና እንተረኤና ክንርዳእ ንኽእል፣ ሎሚ ግን ብጭቡጥ ንር እዮ አሎና፣ ኩሉ ባዶሽ ወሪርዎ ደሪቁ፣ ካብዚ ባዶሽ ምስ እንነቅል ኢና ታሕጓስ ናይ እምነትን ንሕይወትና ክሳብ ክንደይ ከምዝድልየና ክንርዳእ እንኽ እል. አብ ምድረበዳ ንሕይወት ዘድሊ መሠረታዊ ነገራት ዋጋ ትርዳእ አብዚ ጊዜና ወዲ ሰብ ደሪቁ እምነት ይደሊ አሎ፣ እምነት እንተሎ ተስፋ አሎ፣ እምነት እንተነቢርካያ ልብኻ ን አምላኽ ትኸፍቶ ካብ ተስፋ ቍርጸት ከአ ተድኅን እንክብሉ ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ሎሚ ወንጌል ምስባኽ ማለት ብቃል እግዚአብሔር ዝተለወጠ ሕይወት ብምንባር ምምስካር ኢዩ በዚ ከምዚ ከአ መንገዲ ክትሕብር ከምዝከአል ገሊጾም፣
“ዓመት እምነት ከስ አብዚ ሰአን እምነት ደሪቁ ዘሎ ምድረበታት ናይ ግዜና ዓለም ከምቲ ጐይታ ዝብሎ በትርን ሳንጣን መግብን ገንዘብን ክልተ ቀሚሽን ሒዝካ ዘይኮነ ወንጌልን እምነት ቤተ ክርስትያንን ሒዝካ ምስባኽ የድሊ፣ ሰነዳት ካል አይ ጉባኤ ቫቲካንን ቅድሚ 20 ዓመት ዝተኃትመ መዝገበ ኃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያንን ነዚ እንብሎ ዘሎና እምነት ቤተ ክርስትያን አነጺሮም አስፊሮሞ አለው” እንክብሉ ሐዋርያት ናይ ስብከተ ወንጌል ክንከውን ሓደራ ቢሎም፣
አበው አብ ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን ነቲ ሃብታም ዝኾነ ውርሻ ቤተ ክርስትያን ማለት እምነት ንሓዲስ ወለዶ ብሓዲስ አገባብ ንኸቅርቡ ኢዮም ዝጸለዩን ዝጸዓሩን ኮይኑ ነዚ ፍረ ጸሎቶምን አስተንትኖኦምን ጻማኦምን ዝኾነ ሰነዳት ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን ገና አይሓዝናዮን፣ ናብ ኡ ምልስ ንበል እሞ ኩሉ መልሲ አብ ኡ ክንረኽቦ ኢና፣ ምስ በሉ ከም መዛዘሚ መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ቆላስያስ 3፤16 ምጥቃስ “ብመዝሙር ውዳሴን መንፈሳዊ ቕኔን ንሓድሕድኩም ኣስተምህሩን ምዐዱን፡ ብልብኹምውን ብጸጋ ንኣምላኽ እናዘመርኩም፡ ቃል ክርስቶስ ብዂሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም። ብቓል ኰነ ወይስ ብግብሪ እትገብርዎ ዘበለ ዂሉ ብስም ጐይታና የሱስ ግበርዎ፡ ብእኡ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ኣቦ ኣመስግንዎ።” ቢሎም፣
አብዚ ቅዳሴ እዚ ናይ ምሉእ ዓለም ካቶሊካውያን ረኪበ ጳጳሳት ሊቃነ መናብርት ተሳቲፎም፣ ከማኡ እውን አብ ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን ካብ ዝተሳተፉ ገና ብሕይወቶም ዘለው ሰብ ዓ ከምዝኾኑን ኩሎም እኳ እንተተዓደሙ ብ ዕብየትን ናይ ጥ ዕና ጸገምን 14 ጥራይ ክሳተፉ ክ ኢሎም፣
ካብቶም ናይ ክብሪ አጋይሽ ናይ ቍስጥንጥንያ ፓትርያርክ ብፁዕ ወቅዱስ በርተሎሜዎስ ቀዳማይ ብስም ኩሎም ናይ ምስጋና ቃል አቅሪቦም፣
ቅዳሴ ምስ ተፈጸመ ከምቲ በዓል ሠናይ ዝኽሪ ጳውሎስ 6ይ አብ ም ዕጻው ካል አይ ጉባኤ ቫቲካን ንሕዝበ እግዚአብሔር መል እኽታት ዝ ዓደሉ ቅዱስነቶም እውን ነመሓደርትን ናይ ሥነ ጥበብ ሰባትን ናይ ዝተፈላለያ ማኅበራት መራሕትን ንመን እሰያትን መል እኽቲ ሂቦም ፍልይ ብዝበለ መንገዲ ከአ ነቲ ካብ ዝ እወጅ 20 ዓመቱ ዝገበረ ሓዲስ መዝገበ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብምዝካር ንመማህራን ትምህርተ ክርስቶስ መል እኽታት ዓዲሎም፣








All the contents on this site are copyrighted ©.