2012-10-11 15:35:23

ሲኖዶስ፦ ኣቃልቦ ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስትያን ንዳግማይ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣገዳሲ እዩ


እቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ንምትሕልላፍ እምነት ክርስትና ብዝብል ርእሰ ጉዳይ ተመሪሑ ዝካየድ ዘሎ መበል 13 ናይ ኵላዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ትማሊ ንጐሆ ኣብ ዕጹው ዋዕላ ድሕሪ ምክያዱ ድሕሪ ቐትሪ ናይ ውህደት ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን ላዕለዋይ መንፈሳዊ መራሒ ናይ RealAudioMP3 ካንተርበርይ ሊቀ ጳጳስ ሮዋን ዊሊያምስ “ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ብመንጽር ኣንግሊካዊት ቤተ ክርስትያን” ብዝብል ኣርእስቲ ዝተመርሔ ዘረባ ቀሪቡን ናይ ብፁዓን ጳጳሳት ሓልዮ ቅዱስ ማሕበር ኅየንተ ብፁዕ ካርዲናል ማርክ ኦለት እቲ ኣብ 2008 ዓ.ም. ኣብ ቃል ኣምላኽ ተማእኪሉ ዝተኻየደ ናይ መላእ ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ፍጻሜ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. በነዲክቶስ መበል 16 Verbum Domini-ቃል እግዚኣብሔር” ብዝብል ኣርእስቲ ዝለገስዎ ድኅረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዝተመርኮዘ ሰፊሕ ዘረባ ዘስምዕሉ ከምዝነበረ ልእኽቲ ጋዜጥና ራዲዮ ቫቲካን ኢዛበላ ፒሮ ሓቢረን።
“Verbum Domini-ቃል እግዚኣብሔር” ዘርእስቱ ብቅዱስ ኣቦና ዝተደርሰ ድኅረ ሲኖዶስ ሓዋርያዊ ምዕዳን ልዕሊ 200 ሺሕ ቅዳሕ ከምእተዘርገሔ ዝሓበሩ ብፁዕ ካርዲናል ኦለት እዚ ዓቢይ ዝርጋሔ’ዚ እቲ ሰነድ ሓዋርያዊ ምዕዳን ክሳብ ክንደይ ኣዚዩ ኣገዳሲ ምዃኑ ዝሕብርን ንባበ በለኮት ዝከታተሉን ዘንብቡን ብዝሒ ምእመናን ክብ እናበለ ይኸይድ ከምዘሎ ዘረጋገጽ እዩ። እቲ ሰነድ ኣብ ቁምስናታትን ኣብ ገዳማትን ኣብ ናይ ሕንጸት ኣባይትን ቤት ትምህርቲ ዘርኣ ክህነትን ውሉደ ክህነትን ዝተዋህቦ ዝወሃቦ ዘሎ ኣቃልቦ ቀጻልን ዘይተኾላለፈ ንባብ ቅዱስ ምጽሓፍ የተባባዕ ከምዘሎ ዝሕብር እዩ ከምዝበሉ ዝገለጻ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብፁዓን ጳጳሳት ንናይ “Verbum Domini-ቃል እግዚኣብሔር” ሓዋርያዊ ምዕዳን ሓባሪ መጽሓፍ ኣቕሪቦም በዚ መሠረት እውን ክሳብ ናይ ስብከተ ወንጌል በዓል ብምስንዳው ዝተውሃቦ ተገዳስነት ዝነኣድ ምዃኑን ብዙሓት ናይ ስነ ፍልጠትን ናይ ቲሎጊያን ናይ ስነ ቅዱስ መጽሓፍ ሊቃውንትን ተንተንትን ተመራመርትን እውን ኣድናቖቶም ዝገለጽሉ ሓዋርያዊ ምዕዳን ጥራሕ ዘይኮነስ ድሕሪ ውሳኔታት ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን እቲ ኣዚዩ ዝድነቕ ዓቢይ ሰነድ ተባሂሉ ዝንገረሉ ክኸውን እንከሎ፣ ቅዱስ ኣቦና ኢየሱስ ናዝራዊ ብዝብል ኣርእስቲ ብተኸታታሊ ዝደረስዎ ቀዳማይም ካልኣይን ከምኡ ኣውን ንሕትመት ትቐርብ ዘላ ስልሰይቲ መጽሓፎም ብዕምቆት ንምርዳእ ዝድግፍ ሰነድ ምዃኑ ብፁዕነቶም ገሊጾም፣ ናይታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ዋና ሓሳብ ስነ ክርስቶስን ስነ ሰብእን እዚ ድማ “ሰብ ካብ ቃል ኣምላኽ ዝተፈጥረ ኣዩ። ስለዚህ ብኽርስቶስ ኣቢሉ ወዲ እግዚኣብሔር እዩ” ዝብል ምዃኑ ከምዝተንተኑ ፒሮ ገሊጸን።
ኣብ መወዳእታ ብፁዕ ካርዲናል ኦየለት ኣብ መንጎ Verbum Domini-ቃለ እግዚኣብሔርን ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌልን ዘሎ ዓሚዩቕ ርክብ ኣማእኪሎም ትንተና ብምሃብ እታ ሓዋርያዊ ምዕዳን ንመንፈስ ቅዱስ ኣብ ዝቐርብ ጸሎት እትጠቓለል ምዃናን ኣብቲ ጸሎት ዘሎ መንፈስ ቅዱስ “ቀናኣት ሰባክያነ ወንጌልን መሰኻኽር ወንጌልን ኣለዓዕል” ዝብል ናይ ጸሎት ቃል ጠቒሶም እዚ ጸሎት’ዚ ነቲ ዝካየድ ዘሎ መበል 13 ናይ መላእ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ብፁዓን ጳጳሳት ሲኖዶስ ቀንዲ ኣርእስቲ ዘቃልሕ ምዃኑ ኣረዲኦም ዘስምዕዎ ዘረባ ከምዘተጠቓለሉ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲኦ ቫቲካን ፒሮ ሓቢረን።
እቲ ሲኖዶስ ድሕሪ ቐትሪ ብፁዓን ኣበው ካብ ዝተመያየጡሎምን ዘስተንተኑሎምን ነጥብታት ሓደ ተራ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስትያን ዝብል ከምዝነበርን፣ ክርስትያን ማዕርገ ክህነት ንደቀኣንስትዮ ዘይምፍቃዳ ደቀንስትዮ ካብ ደቀተባዕትዮ ዝነኣሳን ጐደሎ ክብርን ብቕዓትን ኣለወን ቢል ስለ እትኣምን ዘይኮነስ ካህን ነቲ ምስ ዘርኢ ሰብ ቃል ኪዳን ንኽኣስር ዝመጸ ክርስቶስ ዝውክል ብምዃኑ እዩ ኣንክብሉ መርትዖኡ ኣበኪሮም ዝገለጽሉን እዚ ድማ ግደ ደቀንስትዮ ኣብ ቤተ ክርስትያን ብኻልኣይ ደረጃ ዘንብር ከምዘይኮነ ሓቢሮም፣ ኣብ ኣስፍሆተ ወንጌል ተራ ደቂንስትዮ ዓቢይ ከምዝኾነን ብዘይ ሕጉሳት ደቀንስትዮ ሱታፌን ህላዌን ኣብ ቤተ ክርስትያን፣ ዳግማይ ኣስፍሆተ ክህሉ አይምኸኣለን እንክብሉ ብፁዓን ኣበው ከምዘስመሩሉ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ቀጺለን ብፁዓን ኣበው ሓድሽ ኣስፍሆተ ወንጌል ኣብ ስነ ምህዳር ዘለዎ ዓቢ ግደን ኣብ መንጎ እምነትን ምርምርን ከምኡ እውን እቲ ናይ ሓባር ረቛሒ ዝኾነ ሓቂ ኣብ ምንዳይን ነዚ ሓቂ ክፉታት ምስ ዝኾኑን ንናይ ሓባራዊ ጥቅሚ ምስ ዝተግሁ ዝግበር ዘተን ቁምስናታት ናይ ስነ መንፈሳውነት ማእከል ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መንጐ ኵለን ቁምስናታት መርበባዊ ርክባት ሰሪጹ ምእመናን ልኡካነ ክርስቶስ ምዃኖም ጽን ዝብሉሉ ስፍራ ክኸውን ኣለዎ ኣብ ዝብሉ ሓሳባት ዘተ ምስ ተኻየደ፣ እምነት ክርስትና ምስ ኣእምሮን ስነ ምርምርን ዝገራጨው ከምዘይኮነ ምግላጽ እቲ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ብድሆታት ከምዝኾነን፣ ነቲ ናይ ሞት ባህሊ ብናይ ሕይወት ባህሊ መልሲ ምሃብ ንገዛእ ርእሱ ኣስፍሆተ ወንጌል ምዃኑ ከምእተነጸረ ዝሓበራ ልእኽቲ ጋዜጠይና ራዲዮ ቫቲካን ፒሮ ኣስዒበን ኣብ መወዳእታ ናይ ሲኖዶስ ብፁዕን ኣበው ብዛዕባ ካልኣይ ጉባኤ ቫቲካን ዝትርኽ ብናይ መራኸቢ ብዙሓን ጉይዳ ሓልዮ ጳጳሳዊ ቤት ምኽሪ ዘዳለዎ ሰነዳዊ ፊልም ቅድመ ሓፈሻዊ ምርኢት ጽማሬ ከምእተኸታተሉን ኣመልኪተን እዚ ሰነዳዊ ፊልም ብምኽንያት እቲ ቅዱስ ኣቦና ር.ሊ.ጳ. ዝኣወጅዎ ናይ እምነት ዓመት መኽፈቲ ሎሚ ዕለት 11 ጥቅምቲ 2012 ዓ.ም. ጀሚሩ ክዝርጋሕ ምዃኑ ገሊጸን።







All the contents on this site are copyrighted ©.