2012-10-09 15:47:19

፩ ሰንበት ዘጽጌ 2005 ዓ.ም. 27መስከረም 2005ዓ.ም. (10/7/12)


ክርስትያን ኩልና ደቂ ማርያም ኢና።
መዝሙር፡ ትዌድሶ መርዓት እንዘ ትብል ነዐ ወልድ እኁየ ንፃዕ ሐቅለ. . . . ።
ንባባት፡ 1ቆሮ 3፡1~9፥ ራእ 21፡1~9፥ ግ.ሓ. 15፡22~ፍ፥ ዮሓ 19፡23~27።
ምስባክ፡1. ፍሬ ጻማከ ተሤሠይ፥ ብፁዕ አንተ ወሠናይ ለከ፥ ብእሲትከ ከመ ወይን ስሙር ውስተ ጽርሓ ቤተከ። “ዕዮ አእዳውካ ዘፍረዮ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ ብፁዕ ኢኻ፥ መነባብሮኻ ኹሉ ኸአ ኺባረኽ እዩ፥ ሰበይትኻ አብ ውሽጢ ቤትካ ከም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን እያ” መዝ. 128፡2~3።
2. እስመ ፈተወ ንጉሥ ስነኪ፥ እስመ ውእቱ እግዚእኪ፥ ወይሰግዳ ሎቱ አዋልደ ጢሮስ በአምኃ። “ብመልክዕኪ ንጉሥ ክፈትወኪ እዩ፥ ንሱ ጎይታኺ እዩ እሞ ስገድሉ፥ ሕዝቢ ጢሮስ ገጽ በረኸት ኬምጽኡልኪ እዮም” መዝ. 45፡11።
አብ ናይ ግዕዝ አቆጻጽራ ዘሎናዮ እዋን ካልአይ ክፍሊ ዓመት እዩ መጽው ይብሃል፥ ካብ 26 መስከረም ~ 25 ታሕሣሥ ዘሎ እዩ።
አብኡ ፫ ንኡሳን አዝማን ይርከቡ፡
1. ዘጽጌ፥ 6 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ፥ ብ፩ ፪ ፫ ፬ ፭ ፮ ይፍለጥ። 2. ዘአስተምህሮ፥ ዘወረደ፥ ዘቅድስት፥ ዘምኵራብ ዘመጻጉዕ፥ ዘደብረ ዘይት 5 ሰናብቲ ዝሓዘ። 3. ዘስብከት፥ወይ ምጽአት ይብሃሉ። ዘስብከት፥ ዘብርሃን፥ ዘኖላዊ 3 ሰናብቲ ዝሓዘ እዩ።
ዘመነ ጽጌ እምብአር ፮ ሰናብቲ ዝኀዘ እዩ። አብዚ እዋን ነቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቤተ ክርስትያን ዘለዎ ርክብ ክገልጽ ኢሉ ብአምሳል ርክብ መርዓትን መርዓውን ነቲ አብ መኀልየ መኅልይ “ንወዲ ኀወይ. . . . . መርዓት ትውድሶ” ዝብል መሰረት ገሩ ንምሕረት አምላኽ ይገልጽ። አብዚ እዋን አምላኽ ምስ ነፍሲ ወከፍና ርክብ ክፈጥር ይደሊ። እንተ ቐረብናዮ አብ ሕይወትና ተሓድሶን ለውጥን ክገጥመና እዩ።
ዘመነ ጽጌ ብፍሉይ እውን ንማርያም ዝውሃብ ጊዜ እዩ። ማርያም ምስ አምላኽ ዝነበራ ርክብ ከምኡ አብዚ ዓለም እንከላ እትኽተሎ ዝነበረት ሕይወት እናገለጸ ዕብየት ማርያም ክነስተንትን ፍሉይ ጊዜ ይኸፍተልና።
አብ መዝሙር ናይ ሎሚ ሰንበት “መርዓት ንመርዓዊ እናወደሰት ኦ ሓወይ ንዓ ንግዳም ንውጻ እሞ ወይንን ሮማንን ፈርዩ እንተሎ ንርአይ፥ ንሰማይ ብኸዋኽብቲ ዝሸለመ ንምድሪ ብዕምባባታት ዘጌጸ። ንሱ ሓደ ወዱ ጎይታ ሰንበት እዩ። መርዓት ኦ ሓወይ ቃልካ ጥዑም እናበለት ትውድሶ”።
አብ ዘመነ ጽጌ ሓደ ካብቲ ብፍሉይ ከነስተንትኖ ዝድለ ምስ ማርያም ዘሎና ርክብ እዩ። ኢየሱስ አብ መስቀል አብ አፍደገ ሞት እንከሎ እንሃ አደኹም ኢሉ አደ እትኾነና ሂቡና እዚ ኽአ ብኽልተ ምኽንያት እዩ። መጀመርያ ንሱ አምላኽናን መድኃኒና ስለ ዝኾነ ንሱ ካባና ከምዘይተፈለየ ከረድእና ኢሉ አብ ሞንጎና ኮይና ነቲ ንሱ ዝገብሮ ክንረክብ እትሕግዘና እተጸናንዓና ከምኡ እውን ዝኽትምና መንፈስ ከየጥቅዓና ኢሉ አደ ሂቡና። ካልአይ ዕብየትን ተራ ማርያም ከረድአና ኢሉ ነዲኡ ምአ ክህልወና ዘለዎ ርክብ ክገልጸልና ኢሉ እዚአ አደኹም እያ ኢሉና። ምስአ ርክብ ክህልወና እንከሎ ዝኽትምና፥ ጸገም፥ አይክህልወናን እዩ። ማርያም አብ መንጎናን አብ መንጎ አምላኽን ኮይና ድኅነት ብአአ ገሩ መጺኡና። ንሳ ምስ አምላኽ ፍሉይ ርክብ አልአ ምኽንያቱ ወዳ ኢየሱስ ክርስቶስ ካልአይ አካል ቅድስት ስላሴ ስጋዊ ባህርዩ ብምልኡ ካብአ ወሲድዎ፥ ኩሉ ምድራዊ ሕይወቱ ናይ ማርያም እዩ እዚ ንማርያም ፍልይቲ ይገብራ። ለሚና ክተስምዕ ከምኡ እውን አምላኽ ዝደልዮ ንአና ክትነግር ናታ ውህበት እዩ። ንአና ወደይ ዝበለኩም ግበሩ ትብለና ንወዳ ኸአ ተሸጊሮም አለዉ ርድአዮም ትብሎ።
ማርያም አብ ዘላቶ ኩሉ ጊዜ ሰላም ሓጎስ አሎ።
አብ ቃና ዘገሊላ ንጽጉማት ሰብ መርዓ አርህያትሎም። እዚ ኸአ ምስ ወዳ ኮይና ንሰብ መርዓ ካብ ወዳ ዓቢ ምሕረት ገራትሎም። ንወዳ ለሚናቶ ንሰብ መርዓ ወደይ ዝበለኩም ግበሩ እናበለት መንጎኛ ኮይና ተረኺባ። ነዚ መሰረት ገራ ቤተ ክርስትያን ዓራቒት መንጎኛ አማላዲት ትብላ። አብ ጽርኃ ጽዮን ንሓዋርያት አብቲ እዋን ፍርሒ እዋን ሓዘን ሕጂዶ ጽባሕ ንመምህርና ዝቐተሉ ይቐትሉና እናበሉ ተሸቊቦምሉ ዝነበሩ እዋን አብ መንጎኦም ኮይና አጆኹም እናበለት አብርቲዓቶም ልዕሉ ኹሉ ጸሎት ምሂራቶም። ቅዱስ ሉቃስ ምስአ አብ ጸሎት ሓቢሮም ነሮም ይብለና ምስ ማርያም ኮንካ ምጽላይ ምጽንናዕ፥ ተስፋ የውርደልና። እምብአር ምስ ማርያም ክንከውን እንከሎና ካብ ክርስቶስ ርሑቓት አይኮናን። አደ ንውሉዳ ብዝያዳ ርክብ ዘልአ እያ። ውሉድ ምሰዲኡ ርክብ ዘልኦ ኩሉ ጊዜ ተስፋ ምጽንናዕ አሎ። ውሉድ ብወላዲትካ ስምዓና ክብሃል እንከሎ ዘይሰምዕ የለን እዚ ኸአ አብቲ ምሰደና ዘሎና ርክብ ዝተመስረተ እዩ።
ማርያም መንፈሳዊት አደ ናይ ኩልና ደቂ ሰብ እያ። መለልዪ ደቂ ማርያም ሓድነትና ፍቕሪ አብ መንጎ ነጊሱ ነቲ ወዳ ዝደልዮ አብ ሕይወት ቀዳምነት ሂቦም ክጉዓዙ እንከለዉ ጥራሕ እዩ። ደቂ ሓንቲ አደ ዝኾኑ አብ መንግኦም ወላ እውን ጸገም እንተ ተረኽበ ጡብ አዲኦም ይዓርቆም ይብሃል አደ ሓንቲ ስለ ዝኾነት ናይ ኩሉ ማእከል እያ ስለዚ አደ ምንጪ ተስፋ ሓድነት ፍቕሪ እያ። ጸገም ዝመጽእ አደ ዘይብልካ ዝኽትምና ከጥቅዓካ እንከሎ እዩ። ማርያም እምብአር አደና ስለ ዝኾነት አብ መንጎና ዘሎ ከምቲ ንሳ እትደልዮ ዘሎ ኢልና ሕልናና ክንሓትት እሞ ወዲቕና ማርያም ዘይትደልዮ ለቢስና ከይንህሉ ሕልናና ክንሓትት ግቡእ እዩ።
ቀዳሞት ክርስትያን ሓደ ካብቲ ከቢድ ጸገም ዝነበሮም ሓደ ምዃን እዩ። አይሁድ አረማውያን፥ ናይ ጳውሎስ ናይ አጵሎስ እናበሉ አብ መንግኦም ብዙሕ ፍልልይ ነሩ፥ ነዚ ክፈትሑ ሓዋርያት ቀዳማይ ጉባኤ አብ ኢየሩሳሌም ገሮም (ግ.ሓ. 15)። ጎ.ኢ.ክ. ካብቲ ሓደ አብ ጸሎተ ሓሙስ ዘዕረጎ ጸሎት ምእንቲ ሓድነት እዩ “ካብዚ መጓሰ ዘይኮና ካልኦት አባግዕ እውን አለዋኒ ንአአትን ድማ ከምጽኤን እየ ቃለይ እውን ክሰምዓ እየን ሓደ መጓሰን ሓደ ጓሳን ክኾና እየን” (ዮሓ 10፡16) እናበለ ጸልዩ። ሓድነት ክርስትና አብ ኢየሱስ ምስ ሰማያዊ አብኡ ዘለዎ ሓድነት እዩ ዝምስረት። ክርስቶስ ዘስተምሃረና ኩልና ሓደ ክንከውን እዩ። አብተን ቀዳሞት ዘመናት ክርስትና ብሓደ ልብን መንፈስን መታን ክጉዓዙ ኢሎም ኩሉ ማሕበራዊ ናብርኦም ኢሎም ብሓባር እዩ ነሩ። “እቶም ዝአመኑ ኹሎም ብሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ፥ ብኹሉ ብርኪ ነበሩ እምበር እዚ ናተይ እዩ ዚብል አይነበሮምን” (ግ.ሓ. 4፡32)።
ቅዱስ ጳውሎስ አብ ክርስቶስ ዘሎና ሓድነት መለልይና ክኽውን ከምዘለዎ አብዛ ሎሚ ዝተነበት መልእኽቱ ናብ ሰብ ቀሮንጦስ ይገልጸልና። ሰብ ቀሮንጦስ ናይ ሥጋ ነገር ስዒርዎም አብ መንግኦም አነ ብጳውሎስ ዝተጠምቕኩ አነ እባ ብአጵሎስ ዝተጠመቕኩ አነ እባ ብከፋ እናበሉ አብ መንግኦም አነ ካብ ኩሉ እበልጽ እናበሉ ፍልልይ ፈጢሮም ነሮም። ነዚ ክገንሖም እንከሎ ዘይምብሳል ምዃኑ ይገልጸሎም። ምስቲ ዝነበሮም ኩስኮሳ ክርስትና ክዓብዩ እሞ ጸባ ከም ሕጻናት ዘይኮነ ደረቕ መግቢ ክምገቡ ይገልጸሎም። አብ መንጎ ሰባት ዝርከብ ፍልልያት ብብስለት ክእለ እንከሎ ልቦና ክህሉ እንከሎ አብ ጽቡቅ ክምለስ ጸገም የብሉን። ነዚ ከለልዩ ይምዕዶም ጳውሎስ። ብሱል ክርስትያን አብ ርእሱ ጥራሕ አየተኩርን እዩ። አብ ከባቢኡ ዘሎ ርእዩ ንኹሉ ብሓደ ዓይኑ ይርእዮ። ማሕበር ክርስቶስ ዝኾነ ሓላፍነት ዝውሃብ ንአገልግሎት አሕዋት ደአ እምበር ንግላዊ ክብሪ ዝዓለመ አይኮነን ስለዚ አብ ሓላፍነት ማሕበር ክርስቶስ ዝርከቡ ነዚ አብ ልቦም ገሮም ክመርሑ ግዱዳት እዮም። ቅዱስ ጳውሎስ አነ ዘሪኤ አጵሎስ አስትዩ እናበለ ንሱን አብጵሎስን ዝገብረዎ አብ ግራት አምላኽ ልኡኻት ኮይኖም ከም ዝዓየዩ እምበር አነ ናይ ኩስቶ አነ ደአ ኩስቶ እናበሉ አብ መንግኦም ፍልልይ ከይህሉ ይገንሖም። እቲ ጳውሎስን አጵሎስን ዝገብርዎ አብ ግራት አምላኽ መዓይይቲ ምእንቲ ጥቕሚ ማሕበር ክርስቶስ እምበር ካብ ርእሶም ሓንቲ ከምዘይብሎም ይገልጸሎም። እዚ ኸአ እዩ ተልእኮ ልኡኽ ክርስቶስ። ናይ ክርስቶስ ነገር ንሰባት ክተብጽሕ አብ ግራት አምላኽ ምውፋር።
ዓለምና ሎሚ ብዓለት ብሃይማኖት ብወገን ብቐቢላ እናተፈላለየት አብ ነነድሕዱ ህዝቢ ይጣፋእ ከምዘሎ ግሁድ ጉዳይ እዩ። ነዚ አብነት ክኾነና ዝኽእል እቲ ዝዓበየ ዘስካሕክሕ ብ1994 አብ ርዋንዳ አብ መንጎ ሁቱን ቱሱን ቀቢላታት ዝተራእየ ቀቢላዊ ቅትለት አድሕድ ንዘመና ዘንቀጥቀጠ ህልቂት ተራእዩ፥ እቲ ዝገርም መብዝሕትኦም እቶም ህዝቢ ክርስትያን እዮም። አብ ሶማልያ አብ ቀቢላዊ ጽልኢ ዝተመስረተ እታ ሃገር አብ ኲናት 20 ዓመት ሒዛ አላ። አስላም ንክርስትያን፥ አይሁድ ንፍልስጥኤማውያን፥ ጸለምቲ ንጸዓዱ ዘሎ ጽልእን ባእስን መለክዒ የብሉን ናይ እዚ ኹሉ መበቆል እንታይ እዩ ብሃብቲ ብሃይማኖት ብዓሌት. . . . . ፍልልይ አብ መንጎ ደቂ ሰብ ዝርአ። ፍረ ናይ እዚ ኹሉ ውግእ ጥፍአት ጭካኔ ድንቁርና ወዘተ እዩ። አብ ክርስቶስ ዝአምን ነዚ መንፈስ ክነጽጎ ንሓቂ ኩሉ ጊዜ ሒዝዋ ክጉዓዝ እምበር ምንጪ ክፍአትን ጽልእን ካብ ሓደ ክርስትያን ክብገስ አይናቱን እዩ። መድኃኒና ሓደ ክርቶስ አደና ሓንቲ ማርያም ገርና ክንጉዓዝ እንከሎና ጥራሕ እዩ ሓቀኛ ሰላምን መንፈሳውን ስጋውን ዕብየት አብ መንጎና ክርከብ ዝክአል።
አብ ታሪኽ ክርስትናና እቲ ዝዓበየ ጉድአት ዘምጽእ አብ መንጎ ምእመናን አብ መንጎ አብያተ ክርስትያናት ፍልልይ ምንዕዓቕ ትዕቢት ጽልኢ ክነግስ እንከሎ ጥራሕ እዩ። እዚ ሕማም ንክርስትና ዘይመልክዑ አልቢስዎ ይርከብ። እንተኾነ ሓደ ክርስቶስ እዩ ምእንቲ ኩልና መይቱ ካብ ሓንቲ ማርያም ተወሊዱ እዩ አድሒኑና ስለዚ መበቆልና ክንርኢ እሞ አብቲ ምንጪ ሓድነትና ክርስቶስ ክንምለስ ይግብአና።
ክርስትና መልክዑ መለለይኡ ሓድነት ሕድገት ፍቕሪ ክኸውን እኳ ድአ መምህርናስ ንጸላእትኹም ሰናይ ግበር እዩ አስተምሂሩና። መንነት ክርስትናና ሓድነት እዩ። አብ ሓድነት ክአ እዩ ኩሉ ዝርከብ። ህዝቢ ሓደ ክኸውን እንከሎ ስድራቤት ሓደ ክኸውን እንከሎ ሰበኻ ቍምስና ብሓደ መንፈስ ክጉዓዝ እንከሎ አብኡ ቅሳነት ሰላም ፍቕሪ ጎሊሑ ይርኤ።
ብሱላት አርድእቲ ክርስቶስ ክንከውን አሎና፥ ብሱላት ዘብለና አብ መአዲ ክርስቶስ ኩሉ ጊዜ ክንሳተፍ ከሎና አብ ቍምስናና ብምሉእ ሓላፍነት ክንሳተፍ ከሎና፥ አብ ኩሉ ናይ ቑምስና ነገራት ክንዋሳእ ከሎና ምስክር ክርስትናና ክንከውን ከምሎና ጥራሕ እዩ። ካርዲናል አቨር ዳላስ ዝተባህሉ ምሁር ኢየሱሳዊ ንቤተክርስትያን ክገልጹ ከለዉ አብ 1970 አብ ዝጸሓፍዎ መጽሓፍ “Models of the Church” አብ ዝብል ቤተ ክርስትያን ከም ማሕበር፥ ቤተ ክረስትያን ከም መራሒት፥ ቤተ ክርስትያን ከም መንፈሳዊት ሓድነት፥ቤተ ክርስትያን ከም ምስጢር፥ ቤተ ክርስትያን ከም አገልጋሊት እናበሉ እንታይነት ቤተ ክርስትያን ይገልጹ። አብ መጨረሽታ ነዚ ኹሉ ቤተ ክርስትያን ከም ረድእ ብዝብል ሓሳብ የጠቓልልዎ።
እዚአ ረድእ ዝኾነት ቤተ ክርስትያንን ኩሎም አባላታን ንኢየሱስ መዓልታዊ ክኽተልዎ ይግባእ። አብዚ እዋን ዘለኦ ጽልዋ እዚ ሓዲስ ወሎዶ ቤተ ክርስትያን ንኢየሱስ ከምእትኽተል ረሲዖም እዮም የብል እዚ ግን ዘይክአል እዩ። ቤተ ክርስትያን ካብ ኢየሱስን ትምህርቱን ወጺአ ክትነብር አይክአልን እዩ። ንሕና ብሓደ ኮና ክንጽሊ ብሓደ መንፈስን መገድን ክንጉዓዝ እዩ ድላይ መምህርናን ጎይታናን።
አብ ነነድሕድና ክርስቶስ ኢና። ሓወይ ሓፍተይ ዘብለና አብኡ ሓደ ስለ ዝኾና ኢና። ሓደ ኮይኮና ከመይ ገርና ክንክተሎ። ርግጽ አምላኽ፥ ቤተ ክርስትያን ፍጽምቲ ዘይምዃና አብአ ኃጢአት ከም ዝርከብን ዘሎን ይፈልጥ እዩ። እዚአ ብኃጥአንን ጻድቃንን ዝሓዘት ቤተ ክርስትያን ንሕና ኢና። ንሕና አርድእቲ ሰውነት ክርስቶስ ኢና። ንክርስቶ ክንመስል እምብአር ደቂ ማርያም ንኹን። ኦማርያም አደና አብ ዓለምናን ሃገርናን ቤተ ክርስትያናን ብሓደ መንፍስን ፍቕርን ክንጉዓዝ ልምንልና።
ኣባ ንጉሠ ፍሥሓ








All the contents on this site are copyrighted ©.